ድለ

ናይ ርህራሀ ጸዓት፥ ናዲያን ኣበር ተሓት (down-ዳውን) ኰይኖም ዝተወልዱ ብጾታን ናይ ርህራሀ ጸዓት፥ ናዲያን ኣበር ተሓት (down-ዳውን) ኰይኖም ዝተወልዱ ብጾታን  ታሪኽ

ናይ ርህራሀ ጸዓት፥ ናዲያን ኣበር ተሓት (down-ዳውን) ኰይኖም ዝተወልዱ ብጾታን

ድጋፍ ናይቶ ብርቱዓት ዘድልዮም እቶም ድኹማት ጥራሕ ዘይኰኑ እቶ ብርቱዓት እውን ናይቶ ድኹማት ሓገዝ የድልዮም እዩ

ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃን ምስ ካልእ ፍጥረት ሰብ ምርኻብ ማለት እውን እዩ፡ ብፍላይ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም፡ ነዚ ብቓልን ተግባርን ዝነብራ ክለተ መናእሰይ ደቀንስትዮ ዕለታዊ ታሕዋኽ ዝተመልኦ ናብራ ምስቶም ሕይወት ዘፍቅሩ ንምዃንን ናይ ሕይወት ፍቕሪ ብምምስካር ህዱእ ክኸውን ዝመርጻ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ Yakiv Bohdan Shumylo - ያኪቭ ቦህዳን ሹምይሎ  ዘተዘንተውዎ ታሪኽ ናዲያ ካላኮቫ ነርባዕተ ዓመት ስነ ኤኮኖምን ቁጠባን ምርቕቲ፡ ገና ሕጻን እንከላ ጋዜጠይና ንምዃን ድላይ ዝነበራን እዚ ትምኒት እዚ ምስ ተፍጸመ ግና ጐይታ ካልእ ዓቢይ ህያብ ከምዝጸገዋ ተስተውዕል።

እግዚኣብሔር ምድላይን ጸዋዕታን ማዕረ ማዕረ ዝኸዱ እያቶም፡ ስለምንታይ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ተራኸብካ ንሱ ባዕሉ ጸዋዕታ ሕይወትካ እታይ ምዃኑ ንኸተልልይ የብቅዓካ

ናዲያ ኣብ ኡክራይን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ስነ ጋዜጠይናነት እናተመሃረት እንከላ፡ ፍልጠት ኣብ እግዚኣብሔር ከተዕሙቕ ትጅምር፡ ናብቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ሕይወታ መልሲ ዘይረኸበትሎም ሕቶታት ሒዛ እያ ዝኸደት፡ ስድራ ቤታ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ሰዓብቲ እያቶም፡ ስለዚህ ናይ እምነት ተምክሮ ዝነበራ ክነሳ ገና ብዙሕ መልሲ ዘይረኸበሎም ሕቶታት ስለ ዝነበራ ምስ ብጾታን መምሃራንን ኣብ እተካይዶ ዘተ ተግባር እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወታ ንኸተለልይ ዝድግፋ ግለጸት ኰይኑ ትረኽቦ።

ትምህርታ ኣጠናቒቓን ብጋዜጠይናነት ተመሪቓን ምስ ጋዜጠይናነት ዝተተሓሓዘ ብዙሕ ክትበጽሖ ሃርር እትብሎ ዝነበሩ ነገራት እውን እንተነበራ ትጽልን እግዚኣብሔር ኣበይ ክውዕል ትደልየኒ ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ኣይቦኸረትን፡ …. እዚ ጸሎት’ዚ ምስቶም ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዝነበሮምን ምስቶም ኣበር ተሓት ኰይኖም ዝተወልዱን ምግልጋል ዝብል ጸዋዕታ ጽን ክትብል ይድርኻ። እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ዶሮታ አራኮውስኪ፡ ክሪዛሊስ ዘርእስቱ መጽሓፍ ጽን ዝበለቶ ኣስተንፎ ምዃኑ ትሕብር። እታ መጽሓፍ ናይ ሓንቲ ኣበር ተሓት ኰይና ዝተወልደት ሕጻን ታሪኽ እተዘንትው እያ፡ እዛ መጽሓፍ ምስ ሮማን ማክስይሞቭይች ኣበር ተሓት ዝለዎ ኰይኑና ዝተወልደት ሕጻን ተላልያ፡ … እዛ መጽሓፍን ከምኡ እውን በታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 13 ውዳሴ ፍቕሪ ብዝብል ቃል ተተንኪፋ እቶም ኣበር ተሓት ኰይኖም ዝተወልዱ ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦታኦን ንኽረክብ ምግልጋል ዝብል ጽዋዕታ ተለልይ። ኣብቶም ናይ ኣኣምሮ ስንኵላን ኣበር ተሓት ኰይኖም ዝተወልዱ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝዓደሎ ክብሪ ንኽትርእይ ትበቕዕ፡ እዚ ንኣኣቶም ኣብ ምግልጋል ኣትረኽቦ ህያብ እዩ።

ናዲያ ናይቲ ኣብቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤማኡስ ኣባል እያ፡ ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ዓቢይ ኣስተንፎ ዝዀና ከኣ እቶም ናይ ኖህ መርከብ እተሰምየ ማሕበረሰብ ዝመስረቱ ዣን ቫኒየር፡ …. ድጋፍ ናይቶ ብርቱዓት ዘድልዮም እቶም ድኹማት ጥራሕ ዘይኰኑ እቶ ብርቱዓት እውን ናይቶ ድኹማት ሓገዝ የድልዮም እዩ፡ ስለምንታይ እቶም ድኹማት ኣባና ናይ ርህራሀ ሓይሊ ስለ ዘበራብሩ ዝበልዎ ቃል ከምዝዀነን እዚ ኸኣ ሰብ ሰብ ከምዘድልዮ ዘመላኸተኒ ሓቂ ካብተን ቃላት ኣስተውዓልኵ ትብል።

እንኰነት ብጾት

ናዲያ ምስቶም ናይ ካልእ ሓገዝን ድጋፍን ዘልድዮም ንምርኻብ ቀዳማይ ስጉምት ንኽተገብር ከይፈርሔት፡ ምስቶም ኣበር ተሓት ከይኖም ምስ ዝተወልዱ ንኽትምሕዝው ዝግበር ጉዕዞ ቀሊል እውን ከምዘይኰነ ፈሊጣ ኣብ ዘበገሰቶ ጉዕዞ ናይ ፈለማ ተመክሮታታ እናሓሰበት፡ ኣብ ብጋሴኡ ዝከኣል ይመስላ ከምዘይነበረ ተዘንተው፡ እዚ እውን እቲ ኩሉ ብቕጽበት ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ዝፈጥሮ ዝነበረ ስምዒት ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ናይ ኣእምሮ ስንኩላንን ኣበር ተሓት ከይኖም ዝተወልዱን ስጉምትታትና ቀስ ንኸነብል ዝምህሩና እያቶም ይብላ።

ስለዚህ እዚ ጉዕዞ እዚ ግዜን እምነትን ዝሓትት እዩ፡ ቀልጢፍካ ናታቶም እንኰነትን ፍሉይነቶም ንኸተስተውዕል ቀሊል ኣይኰነን፡ … ንሳቶም ናይ ተኣማንነትን ገርሄይናነትን ግብታውነትን ቤት ትምህርቲ እያቶም። 

… እቶም ኣበር ተሓት ኰይኖም ዝተአልዱ ስንክልና ኣእምሮ ዘለዎም ዝዕዘቡን ንኽልኦት ዘይርኣዩን ዝመስሉ ብፍሉይ ዘስተውዕሉ እያቶም፡ ከምዚ ከምዝዀነ እታ ኣብ ቤተ ኤማሁስ ንኣእምሮ ስንኩላንን ኣበር ተሓት ከይኖም ዝተወልዱ ዝእለይሉ ማሕበረሰብ እተገልግል ክህርይስትይና ሞሮዝ እትሕብሮ ተመክሮ እዩ፡ እዚ ማሕበረሰብ ኤማሁስ ኣብቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቀጽሪ ዝርከብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ማሕበረሰብ ምግልጋል ካብ እትጅምር እነሆ ኣርባዕተ ዓመት ተቑጽር ከምዘላን ምልስ ቢላ ነተን ኣርባዕተ ዓመታት ክትሓስብ እንከላ እቲ ሎሚ እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ዝከኣል ይመስላ ከምዘይነበረ ትሕብር።

ምስ እዚ መእለይ ማእከል ዝተላለየት እውን ኣብ ሓደ እዋን ስራሕ ከተናድይ እንከላ ኣብዚ ማእከል’ዚ ክትዓዪ ናይ ስራሕ ጠለብ ምስ ረኸበትን ከም ኣላይት ኣብኡ እውን ክትቅመጥ ከምዘለዋ ምስ ተሓበራ እዚ ኵሉ ዘይከኣል ይመስላ ከምዝነበረን፡ ነዚ ናይ ስራሕ ጠለብ ሕራይ ቢላ ተቐቢላን

ኣብ ፈለማ እዋርሕ እቲ ስራሕ ከቢድን ዘይከኣል ኰይኑ ተሰመዓኒ፡ ምስቲ ዝነበረኒ ትምህርትን ሕንጸት ዘይሰማማዕ ከይኑ እውን ተራአየኒ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ግና እቶም ዝእለዩ ንዓይ ዓቢ ክብሪ ዘለዎም ምዃኖም ከስተውዕል ጀሚረን እቲ ስራሕ ተቐቢለዮን እቕጽሎ እውን ኣለዅ

ይብላ፡ ነቶም ኣእምሮ ስንኩላንን ኣበር ተሓት ከይኖም ዝተወልዱን ምግልጋል ተክለ ሰብነትካ እዩ ዝሓንጽ ሰብኣውነትካ ይሓንጽ፡ … ኵላትና ሓደ ከምዘይኰነን ንፍሲ ወከፍና ገዛእ ርእሱ ከምዝዀነን ተስተውዕል እዚ ምዃናዊ ሓቒ እዚ ምስ እተስተውዕልን እተስተማቕርን እቲ ከቢድን ዘይከኣል ዝመስለካን ዝነበረ ኩሉ ዝከኣል ምዃኑ ትርዳእ፡ እዚ ኣብ ማሕበረሰብ ኤማሁስ ዝረኸበቶ ተመክሮ ምዃኑ ትገልጽ።

ቅቡል ዝብል ኣመለኻኽታ ተወግድን ሓድሽ ክውንነት ትፈጥር

ክህርይስትይና ብዙሓት ናብቲ ማሕበረሰብ ኤማሁስ ምብጻሕ ከምዘካይዱን፡ ሓደ እዋን ሓንቲ ካብቶም ምብጻሕ ዘካየዱ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝተመረቕኩን ስድራ ቤት ከምዘለኒ ምስ ነገርክዋ ብሓቂ ተደነቐት፡ ምስ ሕሙማን ኣእምሮን ኣበር ተሓት ኰይኖም ንዝውለዱ ምዕያይ ዘይሕጉስ ዝገብር እዩ ዝመስላ ዝነበረ እዚ ብዙሓት ዘለዎም ኣመለኻኽታ እዩ፡ ምስኦም ምውዓን ንኣኣቶም ምግልግላን ነቲ ቅቡል ዝዀነ ዝይሕጉስ ዝብል ኣመለኻኽታ ንኽትኣልይ ከምዝሕግዝ ይምስክራ።

ናዲያን ክህርይስትይናን ካብቶም ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ኣበር ተሓት ኵይኖም ካብ ኣተወልዱ ኣብ ምግልጋሎምን ምስኦም ካብ ምውዓልን እትረኽቦ እወታዊ ተመክሮ ብዙሕ እዩ፡ ንኣብነት ካትሩሲያ እትብሃል ኣካላ ዝለመሰት፡ ብሩኽ መዓልቲ ክትብለካ እንከላ ብሓቂ እታ መዓልቲ ሓሴት ዝተመልአት ኰይና ትረኽባ፡ ካብኣቶም ነገራት ብገርሄይናነት ንኽትጥምት ትመሃር፡ ኩላትና ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ምሕረትን ርህራሀን መጋበርያ ክንከውን እዩ ዝግብኣና፡ ናይ ክልቲኤን ተልእዀ ንብጻይካ ቀረባ ምዃን ዝብል ተመክሮ ዝንበሮ እዩ፡ ንሳተን ነዚ ይነብራ፡ እቲ ኣብ ካልእ ሰብ ዘሎ ውሳጣው ጽባቔ ንኽትርእይ ዘብቅዕ ፍቕሪ ምዃኑ ይምስክራ።

Photogallery

ናይ ርህራሀ ጸዓት፥ ናዲያን ኣበር ተሓት (down-ዳውን) ኰይኖም ዝተወልዱ ብጾታን
11 December 2019, 17:20