ኣባ ፊራስ ሉፍቲ ኣብታ ብውግእ ዝባደመት ኣለፖ ምስ ሕጻናት ኣባ ፊራስ ሉፍቲ ኣብታ ብውግእ ዝባደመት ኣለፖ ምስ ሕጻናት  ታሪኽ

ፍራንቸስካዊ ኣብ ዓውዲ ውግእ ምስ ህዝብን ንህዝብን

ናይ ኣለፖ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሒ ምስቶም ኣብ ሶሪያ ናይ እትርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዝነበረ ምሕዝነት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ውግእን ስቓይን ጸኒዑን ናይቶም ሕጻናት የዋህነትን ንጽሕናን ንምድሓን ኣብ ዝግብር ጻዕሪ ጽኑዕ ምትሕብባር

ኣባ ፊራስ ሉጥፊ ተወላዲ ሶሪያ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ፍራንቸስካውያ ማሕበር ኣባል ናይቲ ሶሪያን ሊባኖስን ዮርዳኖስን ናይ ዘጠቓል ማሕበር ፍራቸስካውያን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሓለቓ፡ ኣብታ ውግእ ዝካየደላ ሃገሮም ሶሪያ ምስ ሕዝቦምን ንምዃን ዝመረጹ፡ ንቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጋዘጠይና ሲልቮነይ ፕሮትዝ (Silvonei Protz) ናይ ትሽዓተ ዓመት ውጥረትን ዕንወትን ሞትን ታሪኽ ሃገሮምን ሕዝቦምን የዘንትዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራኸቢ ብዙሓን ክትርእይ እንከሎኻ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶሪያ ውግእ ዘሎ ኣይመስልን፡ እዚ ኸኣ መራኸቢ ምዙሓን ብዛዕባ እቲ ዘሎ ውግእ ሓበሬታ ምሃብ ስለ ዘቋረጻ ጥራሕ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባ ፊራስ ሉጥፊ ፍራንቸስካዊ ካህን ዞባ ቅድስቲ መሬት፡ ኣብቲ ጽንኵር ዝሓለፈ ናይ ትሽዓተ ዓመት ውግእ ምስ ሕዝቦም ኣብ ሃገሮም ሶሪያ ንኽተርፉ ስለ ዝሓረዩ፡ ሶሪያዊ ኣብ ሶሪያ ዝብል ስም ይመርጹ፡ ሶርያዊ ኣብ ሶርያ እየ ይብሉ።

ኣብ ገለ ገለ ካባቢ ሶሪያ ውግእ ዳርጋ ደው ኢሉ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝሓለፈ ናይ ትሽዓተ ዓመት ውግእ ብዙሕ ማሕሰይትን ዕንወትን ሞትን ዘሪኡ እዩ፡ … ኣባይቲ ክርስቲያንን ዞባታትን ክፍሊ ከተማታትን ኣዕንዩ እዩ፡ መደብ ዳግማይ ሕንጸት የሎን፡ … ናይቲ ኣስታት 23 ሚሊዮን ዝግመት ቅድሚ እቲ ውግእ ምብራዑ ካብ ዝነበረ ብዝሒ ሕዝቢ ሶሪያ እቲ ፍርቁ ዳርጋ የሎን፡ ብዙሓት ሞይቶምን ተሰዲዶም ተመዛቢሎምን እዮም፡

እንክብሉ እዋናዊ ህልው ኩነታት ሃገሮም የዘንትዉ። መንእሰያት ተሰዲዶምን ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን እያቶም ተሪፎም ዘለዉ፡ ካብዚኣቶም እውን ዝተሰዱን ዝተመዛበሉን ከምዘለዉ ሓቢሮም፡ ብዝሒ ሕዝቢ ኣዚዩ ጐዲሉ እዩ፡ ኤኮኖሚ እውን ዓንዩ እዩ፡ ምዕራባዊ ዓለም ነቶም ኣብ ሶሪያ ናይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሓተትቲ ንምውቃዕ ብዝብል ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝደንገጐ ማዕቅብ ኤኮኖሚ እናተሓደሰ እዩ ዝቕጽል ዘሎ፡ ብርግጽ ናይዚ ማዕቅብ’ዚ ግዳይ ሕዝቢ እዩ። ሕጻናትን ንጹሓንን ድኻታትን እያቶም። ስለዚህ እቲ ዘሎ ኵነታት መዲህካ ንምንበር ብርቱዕ ቃልሲ ይሓትት፡ ዝረአይ ዘሎ ድኽነት ምስክር እዩ። እቲ ዘለውሉ ከባቢ ካብቶ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ከምዝብሃል ካብ 60 ሃገራት ተኣኻኺቦም ካብ ዝነበሩ

         ኣብ ገዛእ ዝነጹለን ሃገሮም ንጹጋትን ንሃገሮም ክምለሱ ዘይኽእሉ ወጻእተይናታት ዝርከብዎም

ጅሃዳውያን ናጻ ዝወጸ እውን እንተዀነ ኣብ ዙርያኦም ዓቢይ ጽምዋን ዕንወትን ድኽነት ጥራሕ ከቢቡ ከምዘሎ የስተውዕሉ፡

እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ፡ እቲ ዘሕዝን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ረብሓታት ውዱዕ ምዃኑ እዩ። ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝካየድን ደሞክራሲ ንምሕናጽ ዝብልብ፡ ንናይ ሕዝብታት ናጽነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን ቃልሲ ዘይኰነስ ሩሲያውያንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳውያንን ዒራንን ቱርክን ሃገራት ከባቢ ወሽመጥን ዘሳትፍ ነፍሲ ወከፍ ሃገር  ምስ ዝፈጥሮ ጥምረት ሃገራት ምስ ውልቃዊ ርብሓታት ዝዋስእሉ ውግእ እዩ።

እዚ ውግእ’ዚ ጹናሚ ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ እዩ፡ ኩሉ ዝጸራርግ ንማንም ዘየናሕስይ፡ ሎሚ እውን ሶሪያ ትደምይ ኣላ፡ ድሕነት ትጽበይ ኣላ፡ ናይቶም ሰላም ሸቶኦም ገይሮም ዝዓዩ ለባማትን ብሱላትን ሰባት ሞንጐይናነት ትጽበይ ኣላ፡ … ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ መንእሰይ ናብራ ንምስናፍ ዝገብሮ ቃልሲ ኩሉ ለሚሱን ሓይሊ ተጸንቂቑን ምንባር ዘይኰነ ኣብ ንዘይሙማት ዓይነት ምንባር ከምዘሎን ምዕዳወ ዘይብለይ ኰይነ ኣለዅ ዝበሎም ይዝክሩ።

ፍታሕ ንምድላይ

ከም ቤተ ክርስቲያንን ፍራንቸስካውን ፈጺሞም ምርኰ ከምዘይመረጹን፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ኩሉ ኣብ ልዕሌኻ ደሽ ዝበለካን እትገብሮ ገለ ነገር ከምዘይለ ኰይኑ ይስምዓካን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ፍራንቸካዊ ልብኻ ራሕሪሕካ ምንባር ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚህ እዩ ኸኣ ኩነታት ሃገሮም መፍትሒ ንኽረክ መታን፡ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ንኽጽዕሩ ዝመረጹ። ሕዝበይ ከመይ ገይረ ክሕግዝ እኽእል? ዝብል ሕቶ ብዙሕ እዋን ዝተመላለሶም ሕቶ እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ፍራንቸስካዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ መዳይ ብዙሕ እዩ ዝተሓባበር። ንደገፍቲ ኣካላትን ንተሓባበርትን ምስጋና ይዅኖም። ናይ ሰብኣዊ ድጋፍን ደቓይቕ ልቓሕን ብምቕራብን መንእሰይ ሰብ ሓዳርን ንምድጋፍ ብዙሕ ይግበር ኣሎ። እዚ ዅሉ እግዚኣብሔር ዝህቦን ዝቕጽሎን ዘሎ ሓገዝ እዩ።

… ኣብቲ ጽንኩር ተመክሮ ህላዌ እግዚኣብሔር ብኢዶም ዝተንከፉን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐይ ህዝቢ እያ። ጓሶት ነፍሳትን ካህናትን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምስቲ ኵሉ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ምስ ሕዝቢ ሶሪያ ክንተርፍ ቢሎም ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሶሪያ ይርከቡ። ኣብቲ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ዓሳድ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ከባቢ ሶሪያ እውን ምስ መጓሰይ ንምዃን ዝመረጹ እያቶም። ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስቲያን ዝብል መጸውዕ ዝተወሃበሎም ታሪኻዊ ስፍራ።

ኣብ ወጅሂ ሕጻናት ፍሽኽታ ተመሊሱ ምርኣይ

ንናይ ሶሪያ ሕጻናት ኣብ ኣለፖ ብስፖርትን ምሕምባስን ስነ ሙዚቃን መሰረት ዝቐርብ ስነ ጥበባዊ ፍወሳ ብዝብል መጸውዕ ዝተሓንጸጸ መደብ እቶም ሕጻናት እቲ ውግእ ኣብ ቀልቦም ሓዲግዎ ዝሓለፈ ስቓይን ስንባደን ኵለመኻ ዘልምስ ተመክሮ ዝኣልይ ድጋፍ ይቐርበሎም ከምዘሎን፡ ብጠቕላላ እቲ ዝቖሰለ ተክለ ሰብነቶም ኣእምሮኦምን ንምፍዋስ ዝኣመተ ምዃኑ ይሕብሩ። እቲ ካልኣይ መደብ ሓገዝ ከኣ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣለፖ ብጠቕላላ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝቕመጥሉ ክበሃል ኣብ ዝኽእል ስፍራ ኣብ እዋን ውግእ ጅሃዳውያን ዓሪዶምሉ ዝነበረ ስፍራ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ሕጻናት ነቲ እቶም ጅሃዳውያንን እቲ ውግእን ሓዲጉሎም ካብ ዝሓፍፈ ኵለ መደያዊ ስምብራት ንምፍዋስ ዝኣመተ ምዃኑ ይገልጹ። ብዙሓት ሕጻናት ኣብቲ ከባቢ ጅሃዳውያን ዓሪዶምሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብዕጡቓት ጅሃዳውያን ተዓሚጸንን ዝጸነሳን ነዘን ኣዴታትን ንደቃተንን ዝቐርብ ፍልዩ ድጋፍ እዩ። እቶም ጅሃዳውያን ኣብ 2017 ዓ.ም. ካብቲ ከባቢ ምስ ወጹ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝወረደ ብሓቂ ዘሕዝን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገማት ከቢድ ምዃኑ ኣባ ፊራስ ሓቢሮም፡ ስለዚህ እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ነዚ ኵነት’ዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ይብሉ።

ደቂ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመት ሕጻናት ምስ ኣዴታቶም ወይ ምስ ኣደ ዓባዮም ዝነብሩን ዘኽታማትን ብዙሓት ንገዛእ ርእሶም ብዘይ ኣላዪ ዝተሓድጉን፡ ቤት ትምህርቲ እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይፈልጡን፡ ዝተፈላለየ በሰላ ናይቲ ውግእ እንታይነቱ ኣብ ወጅሃቶም እተንብበሎም ዘሕዝኑ ሕጻናት።

ካብ 3 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ዝእንገድሉን፡ ቅድም ክብል ኣብቲ ንሶም ዝርከብሉ ገዳም ንዘኽታማት ምእላይ ዝብል መደብ መሰረት ገይሩ ዝቖመ ልዕሊ 500 ሕጻናት ዝእለይሉ ክልተ ማእከላት ከምዝቖመን ሓቢሮም፡ ምስ ቤተ እስላም ኣሕዋት ብምትሕብባር ዝቖመ ከምዝዀነ እውን ይሕብሩ።

ናይ ኣለፖ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሒ ምስቶም ኣብ ሶሪያ ናይ እትርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዝነበረ ምሕዝነት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ውግእን ስቓይን ጸኒዑን ናይቶም ሕጻናት የዋህነትን ንጽሕናን ንምድሓን ኣብ ዝግብር ጻዕሪ ጽኑዕ ምትሕብባር ክህሉ ከምዝገበረን፡ እዚ እቲ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝተዓትሩ ውጽኢታት እዩ። ሕጻናት ካብቲ ኵሉ ጸገማቶም ንኽላቐቑ ዝኣመተ ብናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት መራሕቲ ብምትሕብባር ዝካየድ እዩ።

እዚ መደብን ምትሕብባርን ምስ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንኣባ ፊራስ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ከምዝዀነን፡ ናይ ሕይወትን ህልውናን ጥልቂ ትርጉሙ ዝገልጽን፡ እቲ በቲ ተፈጥሪ ዝነበረ ውግእ ዝተግሃሰን ከምዘየለ ዝዀነ ትርጉም ህይወት ዳግም ንኽምለስ ዝገብር ምትሕብባር እዩ። ሰናይ ንምግባር ሕጂ እውን ኣይደንጐናን፡ ስለዚህ ሰናይ ኣብ ምግባር ምድጓይ ግድን ኣይኰነን፡ ይቐድም ይድሓር ሰናይ ወትሩ ሰናይ እዩ።

ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ክቢ ዕዮ እውን እዩ። ኢድ ንዒድ ተተሓሒዝካን ልቢ ንልቢ ተጋጢምካን ብሓባር ኣብ ዕዮ ተዋፊርካን ዝንበር እውን እዩ። ቁሳዊ ሕንጸት ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽ ካብ 30 ክሳብ 50 ናይ ዓመታት ገደብ ከድልዮ እዩ። ኣገዳሲ እውን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እውነተይና ሕንጸት ካብ ሕጡብ ዘይከነስ ኣብ ሰብኣውነት እዩ። ውሳጣዊ ሕንጸት ንሰብኣዊ ፍጥረት።

ሶሪያ ከም ተልእዀ

ኣብቲ ኵሉ ጽንኵር እዋንን ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ሶርያ ዘትረፎ ምኽንያት ሶሪያ ንኣኦም ተልእዀ ስለ ዝዀነት እያ፡

እግዚኣብሔር ከም ሶሪያዊ ኣብ መሬት ሶሪያ ክፈጥረኒ እንከሎ ዕላማ ኣለዎ፡ ፍራንቸስካዊ ስለ ዝዀንኵ ከኣ ዝመጸ ይምጻዕ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ይኹን ኣብ ሶሪያ ተሪፈ፡ ምሕረትን ርህራሀን እግዚኣብሔር ንምብሳር ናይ ፈጣሪ ወጅሂን ኣእዳውን ኣእጋርን ንምዃን።

ኣባ ፊራስ ፍራንቸስካዊ ካህን ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተዀነ ብእግዚኣብሔር ኣብ ሶሪያ ንኽነብሩ ዝተጸውዑ፡ ንህልውና እነኹ ዝበሉን ኣብቲ ናይ ሶሪያ ህልው ኩነት ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እዮም። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 12 ካብ ፍቕዲ 24-26፥

ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።

ከምዝብሎ እዩ ኢሎም። 

Photogallery

ኣባ ፊራስ ሉፍቲ፥ ምሕረትን ርህራሀን እግዚኣብሔር ንምብሳር ናይ ፈጣሪ ወጅሂን ኣእዳውን ኣእጋርን ንምዃን
20 December 2019, 18:01