30 ዓመት ብዘይ መንደቕ በርሊን: ክንየው እቲ መንደቕን መጐዳት ክንየው መንደቕ በርሊንን

ምውዳቕ መንደቕ በርሊን ዝተፈላለያ ሓደስቲ ዘይጐነጻውያን ምንቅስቓሳት ዘሀለወን ልክዕ ነቲ ናይ ጋንድን ማርቲን ሊተር ኪንግን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ንኽፍጠሩ ማዕጾ ዘርሃወን ናይ ኤውሮጳን ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ዓለም ዳርጋ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ናይ ስነ መልክዓ ምድሪ ፖለቲካዊ ኣቐማምጣ ዝቐየረ እዩ

ኣብ 1989 ዓ.ም. ምፍራስ መንደቕ በርሊን፡ ነቲ ብቫቲካን ረዲዮ ዝመሓላለፍ መልእኽትን ድምጺ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ነቲ መልእኽቲ ቃል ኣምላኽ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ተሓሪምዎ ንዝነበረ ሕዝቢ ብዘይ እገዳ ከቕርብ ዝሓገዘ እዩ፡ ቅድሚ ምፍራሱ እውን እተዀነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ መገድታት ኣቢላ መልእኽቲ ወንጌል ተቕርብ ከምዝነበረት ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክንየው እቲ ሰብኣዊ ፍጥርት ዘቑሞ ፈላላይ መንደቕ ነቲ ኵሉ ገማማዒ ዝዀነ መንፈስ ዝሰግር ጽኑዕ እምነትን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምልካውያን ዝዘርእው ዝነበረ ፍልልያት ኩሉ ሰገር ድምጺ ቫቲካን ረዲዮ ሎሚ ነቲ ዕለት 9 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ዝተረኽበ ናጽነት የመስርቕን ነቲ መንደቕ ንኽፈርስ ዝገበሩ ዕሴታት ከይበርሱ ይሓንጽ።

ቡፁዕ ካርዲናል ካሮል ውይቲይላ ተወላዲ ፖላንድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ኣብ 1979 ዓ.ም. ናብ ሃገሮም ፖላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ ናይ በርሊን መንደቕ ክነቅዕ ከምዝገበሩ ኵሉ ዝዝከሮ እዩ፡ ብፍላይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቅዱስ ጴጥሳዊ ተልእዀኦም ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓለዋ ንኸማሕጽኑ ኣብ ኣሲዚ ተረኺቦም፡ እታ ኣብ ስቓይ እትርከብ ድምጻ ዘይስማዕ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ከይትራሳዕን ኩሉ ስሌኣ ክጽልይን ሓደራ ከምዝበሉ እውን ይዝከር።

30 ዓመት ብዘይ መንደቕ በርሊን:

ናይ ኤውሮጳ ናይ ስነ መልክዓ ምድሪ ኣቀማምጣ ፖለቲካ ዝቐየረ

ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ላ ሳፒየንዛ ካብ 2007 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ናይ ፍልስፍና መምህር ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን ሊቅ ኣብ በርሊን ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ባህሊ ተቕዋም ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣንጀሎ ቦላፊ ምውዳቕ መንደቕ በርሊን ዝተፈላለያ ሓደስቲ ዘይጐነጻውያን ምንቅስቓሳት ዘሀለወን ልክዕ ነቲ ናይ ጋንድን ማርቲን ሊተር ኪንግን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ንኽፍጠሩ ማዕጾ ዘርሃወን ናይ ኤውሮጳን ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ዓለም ዳርጋ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ናይ ስነ መልክዓ ምድሪ ፖለቲካዊ ኣቐማምጣ ዝቐየረ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ልቢ ጀርመን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ መጽሓፎም ይሕብሩ።

ክንየው መንደቕ በርሊንን

ኣብ ሓቀይና ታሪኽ ተመስሪትካ እቲ ምውዳቕ መንደቕ በርሊን ብልበ ወለድ ኣገባብ ዝትርኹ ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ማእለያ የብሉን፡ ቅድሚ እቲ መንደቕ ምቛሙ ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራን ሰብ ሓዳርን ሕጹያትን ወለድን ዘስዓቦ ምፍልላይ ሓቀይና ታሪክ መሰረት ዝገበረ ብልበ ወለድ መልክዕ ነዚ ታሪኽ’ዚ ምቕራብ ነቶም ካብቲ ታሪኽ ርሒቖም ንዝነብሩ መንደቕ መርሊን እንታይ ማለትን እንታይ ሳዕቤኑን ክንኸስትውዕሉ ይሕግዝን ተመሳሳሊ ፈላላይ መናድቕ ንኸይህሉ እውን ይምዕድ። ናይቲ ታሪኽ 28 ዓመት መንደቕ በርሊን ኣለሳንድራ ደ ጋይታኖ ክንየው እቲ መንደቕ ብዝብል መጽሓፍ ዘዘንትዎ ኩነት ከም ኣብነት ይጥቀስ።

30 ዓመት ብዘይ መንደቕ በርሊን: ክንየው እቲ መንደቕን መጐዳት ክንየው መንደቕ በርሊንን

Photogallery

ብዘይ መንደቕ በርሊን:
09 November 2019, 18:09