ድለ

ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ፡ ዓመጽ ከብቅዕን ምርጋፍ ኣጽዋር ውሑስ ክኸውንን ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ፡ ዓመጽ ከብቅዕን ምርጋፍ ኣጽዋር ውሑስ ክኸውንን 

ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ፡ ዓመጽ ከብቅዕን ምርጋፍ ኣጽዋር ውሑስ ክኸውንን

ካብ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ማሕበራዊ ግጭት ካብ ዝተባርዓሉ ዕለት ኣትሒዙ 23 ሰባት ከምእተቐትሉን 175 ዜጋታት ከኣ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን

ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ምስ ለቐቑ ናይቲ ደሞክራሲያዊ ሓድነት እተሰምያ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፍን ናይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ኸኣኒነ ኣነዝ ግዚያዊት ርእሰ ብሔር ከይነን ክም እተሓረያ፡ ከም ርእሰ ብሔር ኣብ ዘስምዐኦ ቀዳማይ ሃገራዊ መደረ፡ ኣብ ቦሊቪያ ድሕሪ እቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተፈጥረ ማሕበራዊ ግጭት ተወጊዱ ነባሪ ሰላም ንኽረጋገጽ ኣበርቲዔን ክዓያ ምዃነን ገሊጸን ከምዝነበራ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ ሳካባ ከባቢ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት 9 ሰባት ከምእተቐትሉ ክንገር እንከሎ፡ ህልው ኩነታት ሃገሮም ዘሰከፎም ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳ ሰላም ብዘተ ንሕንጸት ዝብል ጻውዕቲ ከምዘቕረቡ ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ቦሊቪያ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጐ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩን ሓይሊ ጸጥታን ዝተባርዔ ግጭት ብጀካ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ትሽዓተ ዜጋታት ካልኦት 122 ንማህሰይቲ ሓደጋ ከምዘቃልዔ ናይ ሃገራት ኣመሪካ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ድርገት ከሕብር እንከሎ፡ ካብ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ማሕበራዊ ግጭት ካብ ዝተባርዓሉ ዕለት ኣትሒዙ 23 ሰባት ከምእተቐትሉን 175 ዜጋታት ከኣ ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ኣብ ቅድሚ እዚ ሰለይ እናበለ ዝሰፍሕ ዘሎ ማሕበራዊ ግጭት ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ ንሙውታት ስድራ ቤት ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጉጾም ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበል ነቶም ዝተሃስዩ ኸኣ ቅልጡፍ ፈውሲ ከምእተማሕጸኑ ዝሓበረ ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣስዒቡ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ንኹንን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰላም ካብ ዘተ ክህነጽ ዝብል ጻውዒት ዘቕረቡ ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ እቲ ምኽንያት ዘይምርድዳእ ኰይኑ ዘሎን ናብ ውጥርት ዝድርኽ ዘሎ ብዘተ መፍትሒ ክርከቦን፡ ናጻን ደሞክራሲያውን ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብምስምማዕ ክውስኑ እውን ለበዋኦም ከምዘቕረቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ መግለጺ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቦሊቪያ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፍልዩ ልኡኽ ዣን ኣርናውል፡ እውን ኣብ ቦሊቪያ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ክውሰንን ኣብ መንጐ እቶም ዘይምርድዳእ ዝረኣየሎም ናይ ፖለቲካ ውድባት ንግዚያዊት ርእሰ ብሔር ኣነዝ ድጋፍ ብምቕራብ ምእንቲ ሰላም ሓቢሮም ክዓዩ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ቦሊቪያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ልኡኽ ለን ደ ላ ቶረስ እውን ብወገኖም፥ ውጥረትን ዘይምርድዳእን ተሰጊሩ ንናጻን ንደሞክራሲያውን ምርጫ መሰረት ዝዀነ ምርግጋእን ብሔራዊ ዕርቅን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ የመላኽት።

ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ፡ ዓመጽ ከብቅዕን ምርጋፍ ኣጽዋር ውሑስ ክኸውንን
18 November 2019, 16:29