ሳኰ፡ መንግስቲ ዒራቕ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ ሳኰ፡ መንግስቲ ዒራቕ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ 

ሳኰ፡ መንግስቲ ዒራቕ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ

እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝብገስ 250 ዜጋታት ከምእተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኰ ይብሉ፡ ንፈለማ ግዜ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ደቀንስትዮ እውን ከይተረፋ ዝተጸምበራሉ ሕዝባዊ ናዕቢ ክካይድ እዚ ናይ ኣደባባይ ታሕሪር ሰላማዊ ሰልፊ ናይ መጀመሪያ

ኣብ ዒራቕ ሰበኻ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ሳኰ፡ ኣብ ሃገሮም ቅድሚ ወርሒ ዝተባርዔን ዝቕጽል ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት ኣብቲ ኣደባባይ ከይዶም ከምእተራኸቡን ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ኣባይቲ ጽሕፈት ኵሉ ከምእተዓጸወ እውን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ባቕዳድ ብደቡባዊ ምዕራብ ሸነኽ 100 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ካርባላ ሰለስተ ዜጋታት ክምእተቐትሉን ኣብታ ከተማ ዝርከብ ናይ ሃገረ ዒራን ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሰላማዊ ሰልፍ ብዘካይዱ ዘለዎዉ ከምእተወረን፡  ሓይሊ ጸጥታ ኣድማ ዘካይድ ሕዝቢ ንምብታን ሓይሊ ከምእጠቀመ ናይ ዓይኒ መሰኻር ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሚከለ ራቪይርት ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝብገስ 250 ዜጋታት ከምእተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኰ ይብሉ፡ ንፈለማ ግዜ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ደቀንስትዮ እውን ከይተረፋ ዝተጸምበራሉ ሕዝባዊ ናዕቢ ክካይድ እዚ ናይ ኣደባባይ ታሕሪር ሰላማዊ ሰልፊ ናይ መጀመሪያ እዩ ቢሎም፡ ሕዝቢ ፍትሕን መጻእን እዩ ዝሓትት ዘሎ፡ ንናይ ዒራቕ ዳግመ ሕንጸት ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ኣበይ ክምዝጠፍኤ ሕቶ ዘቕርብ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሔ መንግስቲ ኣብደል ኣብዱል ማሕዲ ኣብ ዒራቕ ሰላማዊ ናብራ ክምለስ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ሕዝቢ ኣብ ጐድኖም ክቐውም ክሓትቱ እንከለዉ፡ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳለሕ ሓድሽ ህዝባዊ ምርጫ ክካይድ ዝብል ድላይ ከምዝገለጹ ኣዘኻኺሮም፡ ሕዝቢ በቲ ኣብታ ሃገር ዝሰፍሕ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ገንዘብን ስልጣንን ዝብል ድላይ እንተዘይኰነ ናይ ሃገርን ሕዝብን ስቓይን መጻእን ዘይስቆሮም እያቶም ብዝብል ምኽንያት ሕዝቢ ተቓውሞኡ የስምዕ ኣሎ፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማሕበራውን ዜግነታዊ ፍትሕን ክረጋገጽን ምግምማዕ ክውገድን ዝሓትት እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ገሊጾም።

ሳኰ፡ መንግስቲ ዒራቕ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ
05 November 2019, 17:59