ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ 

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ

ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ኩርዳውያንን ኣሶራውያንን ከለዳውያንን ሲሪያውያንን ኣርመናውያንን ከምዝርከቡን፡ እቲ ካብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንሞትን ስደተን ምዝብልናን ይዳርግን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንዝኽትምና የቃልዕ ከምዘሎ ይሕብሩ

ሕዝቢ ሶሪያ ሰላም ዝረሓቖ ከይኑን፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝፈጸም ዘሎ ጸረ ኵርዳውያን መጥቃዕቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ የመዛብልን ንሞትን ማህሰይትን ሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎን፡ ፈረንሳን ጀርመንን ነዚ ጉዳይ’ዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘኽትትን ዘተኣኻኽብን ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ክፍጸም ዝብል ድላይ ንምትብባዕ ናብ ኣንካራ ዝልእኽኦ ኣጽዋር ውግእ ከቋርጻ ምዃነን ከፍልጣ እንከለዋ፡ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ እውን ማዕቀብ ክትእውጅ ስንድውቲ ምዃና ከዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣንካራ ብተኸታታሊ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ድላይ ከምዘይብላ ክትሕብር እንኰላ፡ ናይ ቱርኪ ሓይሊ ኣየር ብናይቲ ከባቢ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ብዘካይድዎ  ናይ ኣጋር ምጥቃዕቲ ተደጊፉ ዝፍጽሞ ዘሎ ደብዳብ ብዙሕ ሕዝቢ የመዛብል ከምዘሎን፡ ናይ ሶሪያ ናይ ሰብኣዊ መስልን ክብርን ሓልዮ ውድብ፡ ናይ ኣንካራ ፖለቲካዊ መስመር ዝኽተሉ ጅሃዳውያን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ጅምላዊ መቕተልቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉን፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሶሪያዊት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲት ሀቭሪን ካላፍ ሓንቲ ምዃናን ልዕሊ 800 ዝግመቱ ናይ እስላማዊ መንግስቲ ዕጡቓት ሓይሊ ካብቲ ዝርከብሉ ስፍራ ከምዝሃደሙን፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ልዕሊ 40 ዝግመቱ ሶሪያውያን ከምእተቐትሉ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ሓበሬታ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማስቲ ኣፍሊጠን።

ናይ ውግእ ኣጽዋር ማዕቅብ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ እትካይዶ ዘላ ደብዳብ ዝቃወሙ መግለጽታት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ሃገራት ዓረብ ማሕበር እውን ብወገኑ ነቲ ናይ ቱርኪ መጥቃዕቲ ኰኒኑ፡ ናይ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ሓይሊ ምክልኻል ካብቲ ዝቆጻጸሮ ዘሎ መሬት ሶሪያ ክወጽእ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ኣቢሉ ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ፍረንሳን ጀርመንን ናብ ቱርኪ ዘቕርብኦ ኣጽዋር ውግእ ክገትኣ ምዃነን ከፍልጣ እንከለዋ፡  ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራፕ ሰዓብቲ ውሁዳን ሃይማኖታት ዘጠቓልል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሕስ ክኸውንን ኣብዚ መዳይ’ዚ ቱርኪ እንተድኣ ቦኺራ ከቢድ ማዕቅብ ካብ መንግስቶም ክመሕላለፍ ምዃኑ የፍልጡ፡ ናይታ ሃገር ናይ ሓይሊ ምክልኻል ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ማርክ ኤስፐር፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ሶሪያ ዝርከቡ ሓደ ሺሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ከወጹ ምዃኖም ይሕብሩ።

ምስክርነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣሔር፥ ወተሃደራት ቱርኪ ዝፍጽምዎ ዘለዎ መጥቃዕቲ ግዳይ ኩርዳውያን ጥራሕ ዘይኰኑ ውሁዳን ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝርከዎም ኣዘኻኺሮም እቲ መጥቃዕቲ ደው ክብል ምእንቲ ሰላም ኵሉ ክቐውም ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ ናይ ኣለፖ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጊዮርገስ ኣቡ ካዘን ኣብቲ ከባቢ ቅድም ብእስላማዊ መንግስቲ ዕጡቓት ሓይሊ ስዒቡ በቲ ሎሚ ኣውን መዕለቢ ዘይረኸበ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ንስደት ይዳረግ ከምዘሎ ምስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ኩርዳውያንን ኣሶራውያንን ከለዳውያንን ሲሪያውያንን ኣርመናውያንን ከምዝርከቡን፡ እቲ ካብ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንሞትን ስደተን ምዝብልናን ይዳርግን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንዝኽትምና የቃልዕ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ
14 October 2019, 16:36