ስልማት ራባይ ሞሸ ሮዘን ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ሪካርዲ ስልማት ራባይ ሞሸ ሮዘን ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ሪካርዲ 

ስልማት ራባይ ሞሸ ሮዘን ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ሪካርዲ

ፕሮፈሰር ሪካርዲ እቲ ስልማት ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብናይ ሞስኮ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ፒንቻስ ጐልድሽሚድት ሮማ ኣብ ዝርከብ በነዲክቶስ መበል 13 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰዓት ሽዱሽተ ክርከቡ

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ማሕበር በቢ ዓመቱ ዝህቦ ራባይ ሞሸ ሮዘን እተሰምየ ስልማት 2019 ዓ.ም. ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ፕሮፈሰር ሪካርዲ ክወሃብ ከምዝወሰነን እቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ሮማ ከተማ ክካየድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፕሮፈሰር ኣንድሪያ ሪካርዲ መስራቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ነቲ ስልማት ብቑዕ ዘበሎም ምኽንያት እቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ማሕበር፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ርክብ ንምምዕባል ዘበርከትዎን ዘበርክትዎ ዘለዉ ግደ ምዃኑ እቲ ናይ ኤውሮጳ ማሕበር ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ መግለጺ ይሕብር።

ፕሮፈሰር ሪካርዲ እቲ ስልማት ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብናይ ሞስኮ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ፒንቻስ ጐልድሽሚድት ሮማ ኣብ ዝርከብ በነዲክቶስ መበል 13 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰዓት ሽዱሽተ ክርከቡ ከምዝዀኑን ዝሓበረ መግለጺ ናይ ኣይሁድ መንፈሳዊ መራሕቲ ማሕበር ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ራባይ ጐልድሽሚድትን ተሰላሚ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚን መደረ ከስምዑ ከምዝዀኑ የመልክት። 

ስልማት ራባይ ሞሸ ሮዘን ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ሪካርዲ
23 October 2019, 16:56