ር.ሊ.ጳ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ር.ሊ.ጳ ምስ ዶ/ር ኣቢይ  

ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖቤል ስልማት ንዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተዋሂቡ

ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚሽን ሰላም ኖቤል ስልማት ነዚ ክቡር ስልማት ናይ 2019 ዓምፈ ንክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ከምዝሃበ እንክምልከት ነዚ ሽልማት እዚ ዘብቅዖም ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብ2018ዓምፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ከይወዓለ ከይሓደረ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ርብዒ ዘመን ኣይሰላም ኣይኩናት ኩነት ናብ ሰላም ንክመጽእ ብትብዓት ብምሥርሑን ነዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፍትሑ ብምግባሮምን ካልእ ምስ ተቃወምቲ ፖሊቲካ ዝገበርዎ ምቅርራብን ዘተን ኰይኑ እቲ ብዙሓት ትጽቢት ዝገበሩሉ ናይ ተፈጥሮ ክንክን ተጣባቂት ግረታ ቱንበርግ ዘይምዕዋታ ከምዘተሓሳሰቦም እውን ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሽልማት ኮሚቴ ትዊተር ብዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ‘ ናይ 2019 ዓም ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ንኩሎም እቶም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃን ስሜን ምሥራቅ ኣፍሪቃን ሰላም ንክድንፍዕ ንዝጽዕሩ ወገናት እውን የጠቃልል` እንክብሉ ከምቲ ብሓደ ኢድካ ክተጣቅዕ ዘይከኣል ዶ/ር ዓቢይ በይኖም ሰላም ከንግሡን ደንፍዑን ከምዘይክእሉ እንታይ ደኣ ብዙሓት ተሓባበርቲ ስለዘለውዎም እቲ ስልማት ንኩሎም ይምልከት ዜስምዕ ሓበሬት ዘርጊሖም።

እቲ ኮሚሽን ቀንዲ ዘስመረሉ እቲ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ሰላም ብምትሕብባር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ምዃኑ ብምምልካት እዚ ብዕሊ ካብ 1988 ክሳብ 2000 ኣብ ውግእ ኣብ ዝሰዓቡ ልዕሊ ዕሥራ ዓመታት ከኣ ኣይሰላም ኣይኩናት ዝነበረ ሃውሁ ክሳብ እዚ ናይ ሰላም ውዑል ዝግበር ንኩሉ ዓንቂጹ ኣምኪንዎ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ንናይ ሰላም ኖቤል ካብ ዝተረቑሑ ልዕሊ 300 ጸለውቲ ሰባት፣ ንድሕነት ኣከባቢ እትጣበቕ፣ ጓል 16 ዓመት ሽወደናዊት መንእሰይ ግሬታ ቱንበርግ፣ ስደተኛታት ርሑው ኣፍደገ ክኽፈተሎም ዝጽውዑ ጳጳስ ፍራንሲስን፣ ኣብ መሳጊድ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ጽኑዕ ምቁጽጻር ጠበናጁ ክግበር ትእዛዝ ዘመሓላለፈት ቀዳመይቲ ሚኒስርተር ኒውዝላንድ፣ ጃሲንዳ ኣርደርን ካልኦት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ጸለውቲ ሰባት እውን ይርከብዎም።

ኰይኑ ግን ሎሚ ዓርቢ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝተነግረ ስም ዕውታት ድማ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል 2019 ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ።

ነዚ ሽልማት እዚ ከኣ ንዝመጽእ ዕለት 10 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ከተማ ኦሶሎ ኣብ ዝካየድ ጽምብል ድማ ብወግዒ  ክቕበልዎ እዮም። እዚ ሽልማት እዚ 900 ሺሕ ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ምስዚ ኣተሓሒዛ ኖርወጃዊት ኮሚተ ኖቤል ሽልማት ሰላም ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳሞት 100 መዓልታት መዝነቶም "ኣብ’ታ ሃገር ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ንክለዓልን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ንክፍትሑን: ኣብ ማዕከናት ዜናን መራኸቢ ብዙሓንን ዝነበረ ቑጽጽርን ዓፈናን ኣብ ምውጋድን ተቓወምቲ ውድባት ከም ሃገራውያን ተወዳደርቲ ናብ ሃገር ክኣትውን ከም ልቦም ክወዳደቡን ምፍቓድን፥ ብብልሽውና ዝተኸሱ ሰበ ሥልጣን ብሕጊ ተማእዚዞም ክምርመሩን ክእረሙን ክእለን ብምግባርን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ሥልጣን መንግሥቲ ከምዝዓዝዝ ምግባርን" ካብቲ ቀንዲ ረቋሒታት ምዃኑ የመልክት።

ብዛዕባ እታ ብዙሓት ትጽቢት ዝገበሩላ ተጣባቂት ተፈጥሮ ግረታ ቱንበርግ ግን ምንም ዓይነት ርእይቶ ኣይሃበን። ነዚ ከኣ ፕረሲደንት እቲ ኮሚተ ‘ብዛዕባ ዘይዕውታት እዚ ሽልማት እዚ ዝኾነ ርእይቶ ስለዘይንህብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ምንም ክንብል ኣይንኽእልን’ ብማለት ቈጽዮሞ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 October 2019, 19:16