ድለ

ማርያ ኣንጀላ ኣብ ሕጻንነታ! ማርያ ኣንጀላ ኣብ ሕጻንነታ!  ታሪኽ

ማርያ ኣንጀላ ሕይወት ኣብ ምድላይ

እዚ ስዒቡ ዝቀርብ ታሪኽ ነታ ‘ነፍስ-ወከፍ ሕይወት ክብሪ ስለዘለዋ፡ ነቲ ክብሪ’ቲ ክንዕቅቦ ደኣ’ምበር፡ ንዕኡ ዝግህስ ምዕባለ ክንሓንጽ የብልናን’ እትብል ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ትምህርቲ ዘንጸባርቕ ናይ ክብርን ፍቕርን ታሪኽ እዩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ታሪኽ ናይ ማርያ ኣንጀላ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ዘልዕሎ ሕቶ እንድሕር ሃልዩ ‘ኣብ ልዕሊ ካሎኦት ከማና ፍጡራት ሰባት፡ ብጥምየትን ጽምእን ናይ ሞት ፍርዲ እንውስን መን ኢና ንሕና᎒’ ዝብል’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ገለ ሰባት፡ ምኽንያት ሞት ናይ ብዙሃት ይኾኑ፡ ገለ ከም ማርያ ኣንጀላ ዝኣመሰሉ ደቂ 25 ዓመት መንእሰያት ሃገረ ጣልያን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ‘ኩሉ ግዜ፡ ነፍስወከፍ ሕይወት ክብርቲ ሰለዝኾነት፡ ንክብሪ ወድሰብ ዝሕሉ ምዕባለ ድኣ’ምበር፡ ንዕኡ ዝጻባእ ወይ ዝግህስ ምዕባለ ኣይንሕነጽ’ ዝብል ትምህርቲ ዳግም ከቃልሕዎ ይረኣዩ። እዚ ንስለ ክብሪ ወድሰብ ዝቃልሕ ድምጺ’ዚ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝኾኑ ወለዲ ማርያ ኣንጀላ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ከምዘድሃየ ይንገር።

ጽባቐ ናይ ጓል 3 ዓመት ሕጻን

ኣብ ዝኾነ ግዜ፡ ሓደ ሕንጻ ክንሓንጽ ምስ እንሓስብ፡ ኩሉ ግዜ ማእከል ወይ ሕመረት ናይ’ቲ ክንሓንጾ እንሓስቦ ሕንጻ፡ ኣብ ኣእምሮና ንፈጥር። እዚ ማእከል ወይ ሕመረት እቲ ክብጻሕ ዘለዎ  ዕላማ ክኸውን እንከሎ፡ ንዓኡ ውሕስነት ዝህቡን ዝከላኸሉን ከኣ ንኡሳን ህንጻታት ኣብ ዙርያኡ ይሕነጹ። እቲ ማእከልን ሕመረትን እምበኣር ወድሰብ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣብ ዙርያኡ ክሕንጹ ዘለዎም ከኣ ንሕይወት ወድሰብ ዝሕልዉ ዝተፋላለዩ ክብርታትን መሰላትን እዮም።

ማርያ ኣንጀላ ነታ ቀንዲ ተዋሳኢት ናይ’ታ ህብብቲ ‘ምድላይ ሕይወት’ እትብል ፊልም ናይ ዝሓለፈ መወዳእታ ክፍለ ዘመን ዝኾነት ሲምባ ብጣዕሚ ከምትፈትዋ ትገልጽ።

ንሳ ቡዙሕ ግዜ ምስ’ቲ ኣብ ቬትሮ ዘሎ ምስሊ ናይ ኣንበሳ ክትዕዘብ ሰዓታት ተሕልፍ ከምዝነበረትን፡ ገለ እዋን’ውን ኣብ ሕልማ፡ ምስ’ቲ ናይ ኣምበሳ ምስሊ ዘለዎ መጻወቲኣ ብምምስሳል እቲ ናይብሓቂ ኣምበሳ ከምዝረኽበት ትሓስቦ ምምባራ እዩ። ንሳ ካብ ንእስነታ ኣብ’ቲ ሃገር ፍልጥቲ ነበረት። ንሳ እታ እንኮን ናይ መጨረሽታን ጓል ካብ 4 ኣሕዋታ ብምዃና፡ ድሕሪ ብዙሕ ትጽቢት ዝተወልደትን ኣዝያ ፍትውትን እያ ዝነበረት። ሓውሲ ብጫ ጸጉሪ ርእሲ፡ ቀጠልያ ኣዕይንቲ፡ ደስ ዘብል ፍሽኽታ ዝወነነት በዓልቲ ፍሉይን ሓያልን ጠባይን ኮይና፡ ንነገራት ከመይ ከም እትገጥሞም ኣጸቢቓ እትፈልጥ፡ ቆራጽ ውሳነ ዘለዋን ሕጻን እያ ዝነበረት።

ሕማማ

ሕማም ናይ ማርያ ኣንጀላ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 1998 ከምዝጀመራ እንክትገልጽ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ረጅዮ ካላብርያ ደቡባዊ ክፋል ናይ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ኣብያተ ጥዕና ከምዝተረኽበ ትሕብር። እቲ ሓኪም ነቲ ሕማም ናይ’ዛ ሕጻን ምስ ረኣየ እዛ ሕጻን ይብል ‘ነዛ ሕጻን ምስ ረኣኹ ሓደ ጊዜ ንዘጋጠመ ናይ መትኒ ሽግር ኣዘኪራትኒ’ ብምባል ይገልጽ። ድሕሪ 5 ኣዋርሕ ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ይዝከረኒ ይብል ንሱ ‘ብዙሓት ተመሳሰልቲ ተርእዮታት ተመዝጊቦም’፡ 2 ካብኣቶም ኣብ ረጅዮ፡  3 ከኣ ኣብ ትሬስተ ከምዝነበሩ ይገልጽ። ጠንቂ’ቲ ሕማም ካብ ባርቶኔላ ዝተባህለ ናይ ድሙ ረኽሲ ዝመጽእ ከምዝኾነ ገልጸላ።

ማርያ ኣንጀላ ናብ ገዛ ተመልሰት’ሞ፡ እቲ ሕማም እንዳ በርትዓ ኸደ። ንዝተዋህባ ናይ መትንታት መድሃኒት ብግቡእ እናተኸታተለት እንከላ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ከይተረድኣ ንመጀመርያ ግዜ ብሃንደበት ኣብ ኮማ ብምእታው ሃለዋታ ኣጥፈአት። ካብ ትሪስተ ናብ ብራስለስ ብምኻድ ኣብቲ በቲ ሕማም ዝተጥቕዑ ጥራሕ ዝሕከምሉ ሕክምና ብምኻድ ጥዕንኣ ክትከታተል ጀመረት። እዚ ኣብ ግዜ ከረምቲ ናይ 1998 ነበረ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ ጥራሕ 9 ግዜ፡ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ሃለዋታ ኣጥፍአት። ከምዚ’ላ ከኣ ን 7 ኣዋርሕ ምስ ወላዲታ ኣብ ብራስለስ ኣሕሊፋቶ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 1999 ጓል 5 ዓመት ምስበጽሐት ናብ ገዝአን ተመሊሰን።

ሓድሽ ሕይወት

ምስ ተመልሰት ሕይወት ናይ ማርያ ኣንጀላ ፈጺሙ ተለወጠ። ኣደ ማርያ ኣንጀላ ከምዚ ትብል፡ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ማርያ ግራስያ ካኒዛሮ ንስድራቤታ ብፍላይ ከኣ ንሕጻን ማርያ ኣንጀላ ንምክንኻን ንሞይኣ ሓደገት። በዓል ቤታ ከኣ ዓቢ መስዋእቲ ብምኽፋል ንልዕሊ 10 ዓመት ካብ ሞይኡ ብምቁራጽ፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምርምር ተተሓሓዞን፡ ክሳብ’ቲ ዝሓልሞ ዝረክብ ከኣ ከም ተልእኾኡ ናተይ ኢሉ ሓዞ። ሕይወት ከምዚ ኢሉ እንክቕጽል፡ እቶም ካልኦት ደቆም ምንም ኣይፈለጡን። መነባብሮ ንእስነቶም ምስ ወለዶም ሓቢሮም ነቲ ብርቱዕ ናይ ሓፍቶም ቃንዛን መከራን እንዳተኻፈሉ ናይ መባእታ ትምህርቶም ተኸታተሉ። እዚ ኩነታት ናይ’ዛ ስድራ ንብምልኡ ቤትሰብ ርኡይን ፍሉጥን ነበረ’ሞ፡ ብፍላይ ኣደ ዓባያታቶም ኣብ’ታ ሕምምቲ ሕጻን ፍሉይ ፍቕሪ ነበረን። ሓንቲ ካብተን ኣደ ዓባያቶም ከም መውጺኢ ኣፈን ነታ ሕጻን እንክጽውዓ ‘ክብርተይ፡ ልዕልተይ፡ ዝያዳይ’ ዝብላ ቃላት ከም ስማ መዓልቲ መዓልት ዝድገማ ቃላት’የን። ብኣዲኣ ዓባያ ዝኾነት ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድኒ ማርያ ኣንጀላ ኮፍ ብምባል ኢዳ ብምሓዝ ጸሎት ይገብራላ፡ እቶም ካልኦት ቤተሰብ’ውን ከምኡ እናመጹ ሎሚስ ጓል ኮይንኪ ምቅርቲ ጓልና እናበሉ ብዘይምቁራጽ ጸሎት ይገብሩላ።

ፍቕሪ ናይ ኣቦ

ወለዲ ማለት ንዓለም ሓድሽ ሕይወት ብምልጋስ ንውልዶም ዝከናኸኑን፡ ምስ ዓበዩ ከኣ ባዕሎም ሕይወቶም ብትብዓት፡ ብናጽነትን ብሓላፍነትን ክመርሑ ናጻ ዝገድፉን እዮም። እዚ ብወለዲ ንናእሽቱ ደቆም ናይ ምክንካን ግዜ፡ ነቶም ጥዕና ዘይረኸቡን ሕሙማትን ደቆም ብዘይ ምቁራጽ ከም’ቲ ናይ ንእስነት ሓልዮቶም ክቕጽልዎ ንሪእዮም። ወለዲ ማርያ ኣንጀላ ገና ንውላዶም ምክንኻን ኣየቋረጹን፡ ግቡእ ሕክምንኣ ክትገብር ይከታተልዋን ወጻኢታታ ይሽፉኑላን። ናይ ሞያ ጥዕና በዓል ሞያ ዝኾነ ኣቦኣ፡ ንሞይኡ ክብል ንሕምምቲ ጓሉ ኣይረስዐን፡ ኣብ ስድርኡ ዘጋጠመ ፍሉይ ሕይወት ብዙሕ ክመሃርን ክብርትዕን ኣኽኢልዎ እዩ። ነቲ ሕይወት እንክዝክር ኣቦኣ ከምዚ ይብል ‘ንሕምምቲ ጓለይ ዝብላዕን ዝስተን እንተዘይህባ፡ ከም ኣብ ገለ ክፋላት ዓለምና ዝርእ ዘሎ፡ ብጥምየትን ጽምእን ምሞተት ኔራ፡ በቲ ዘይሓላፍነታውን እኩይን ተግባር ከኣ ኣብ ልዕሊ ወለዶ ደቂ ሰባት በደለይና ኮይነ ምተረኸብኩ’ እናበለ ብንብዓት ድሕሪ ገሊጹ፡ እንደገና ብብርቱዕ ሓይሊ ‘ሕይወትን ከብረሰብ ጓለይን መጥፋእኩ’ ብምባል፡ ንሱን ስድራቤቱን ኣብ ክብረ ሰብ ዘለዎም ጽኑዕ ኣራእያን ውሳነን ገሊጹ።

ኣብ ቪላ ‘ሕይወት ከም ተራ ነገር ጌርካ ምሕሳብ’

ኣብ’ቲ ማርያ ኣንጀላ ዝዓበየትሉ ፓልማ ዝተባህለ ዓዲ፡ ቪላ ማዚኖ ዝበሃል ካልእ ውሩይ ብዛዕብኡ ብዙሕ ሙዚቃን ደርፍታትን ዝድረፈሉ ናይ ዞባ ረጅዮ ካላብርያ ምህላዉ ይንገር። ካብ`ቲ ቦታ ብቐጥታ ሲቺልያን ደሴት አዮልየን ብማዕዶ ዘርኢ ብርኽ ዝበለ ኣቀማምጣ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ግዜ ከረምቲ ኣብ ግዜ ሙቐት ርፍድ ምስ በለ፡ ንጓሎም ማርያ ኣንጀላ ሒዞማ ነቲ ምቱእ ኩነታት ኣየር ከተስተማቕር ይወስድዋ። እቲ ኩነታት ኣቃውማን ትርኢትን ናይ’ቲ ባሕሪ ብገለ ወገኑ ሰማያዊ በቲ ካልእ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ኣትክልቲ ብጫ ምስሊ ዘጌጸ፡ ንዓይኒ ኣዝዩ ማራኺ ዝኾነ ትርኢት ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ዝውንን ብምዃኑ፡ ንረኣይኡ ኣብ ኣእምሮኡ ዝቐርጾ ምስሊ መንግስተ ሰማይ ዘዘኻኽር እዩ። ኣቦኣ ንጓሉ ‘ጸሓይን ንጹሕ ኣየርን’ዶ ተስተማቕሪ ኣሎኺ ማርያ ኣንጀላ᎒’ ብምባል ይሓታ። ቁሩብ ጸኒሑ፡ ቃንዛ ክስምዓ እንከሎ ከኣ ‘ሕይወት ቀላል ከምዝኾነትን ምንም ከምዘይስመዓናን ንምሰል’ እናበለ ንገዛ ይመለሳ።

እንቋዕ ሓጎሰኪ ማርያ ኣንጀላ፡  እንቋዕ ሓጎሶም ከኣ ነቶም መዓልቲ መዓልቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ክብሪ ወድሰብ ማእከል ኩሉ ከምዝኾነ ንዓለም ዝምህርዋ ዘለዉ ተባዓት ስድራኺ ብምባል ዘረብኡ ደምዲሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 October 2019, 17:58