ድለ

ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ገማግም ላፐዱዛ ዝጠሓለት መርከብ ተረኺባ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ገማግም ላፐዱዛ ዝጠሓለት መርከብ ተረኺባ 

ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ገማግም ላፐዱዛ ዝጠሓለት መርከብ ተረኺባ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትጥሕል ሕይወት ናትና ምጥሓል እውን ኣሎ

ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያ ገማግም ላምፐዱዛ ዝጠሓለት መርከብን ናይቶም ዝጠሓሉ፡ ሓንቲ ተወላዲት ኣይቮርይ ኮስት ሸመንተ ወርሒ ዝዕድመኡ ሕጻን ውላደን ዝሓቖፋ ዝርከብዎ ናይ 12 ስደተይናታት ዓስከሬን ከምእተረኽበን ክንገር እንከሎ፡ ካልኦት 176 ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጀልባ በታ ኦሽን ቪኪንግ እተሰምየት ኣብ ባሕሪ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ንምድሓን ብዝዓዩ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ብዘቕረቦ ድጋፍ ዝደሓኑ ኣብ ኢጣሊያ ታራንቶ ኣብ ዝርከብ ወደብ ከምዝኣተዉን ካልኦት ንምጥሓል ሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ 180 ስደተይናታት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብናይ ኢጣሊያ ድባት ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ ብዝቕረቦ ሓገዝ ካብ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ረዲዮ ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ እውን ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንኽስደዱ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብጀላቡ ዝጓዓዙ ስደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞምን፡ ናይ ብዙሓት ናይ ሕይወት ተስፋ ኣብ ባሕሪ ሜድትራኒያን ከምዝጥሕልን ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ኣመልኪቶም ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚከለ ክዘርንይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትጥሕል ሕይወት ናትና ምጥሓል እውን ኣሎ ቢሎም፡ ኣይምልከተንን እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞምን ስሌናን ንጸልይ፡ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት መፍትሒ ክርከበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘጋጥሞም ስደተይናታት ኣብ ዓለም ናይ ዘይተገዳስነት ባህል ክሳብ ክንደይ ይሰፍሕ ከምዘሎ ሓባሪ እዩ እንክብሉ ኣብ ላምፐዱዛ ቆሞስ ኣባ ካርመሎ ላ ማግራ እውን ብወገኖም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕጋውን ውሑስን መገዲ ስደት እንተዝውድብ እዚ ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ ኣይምሃለውን እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ገማግም ላፐዱዛ ዝጠሓለት መርከብ ተረኺባ
17 October 2019, 17:47