ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ መስከረ 2015 ዓምፈ ኣብ ኒዮርክ ኣብ መንበር ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ መስከረ 2015 ዓምፈ ኣብ ኒዮርክ ኣብ መንበር ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም  

ዓለምለኸ ዕለተ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም

ካብ 1948 ዓም ጀሚሩ ዓመት መጸ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዓለምለኸ ዕለተ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኰይና ትዝከር። ኣብ ናይ ሎምዘመን ዝኽሪ ንዘሎ ብደሆታት ዓለምና ንምፍታሕ መንግሥታት ኩለን ደገፈን ከበርክታ ይጽውዕ።

አባ መኰንን ኣማኑኤል  - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሎሚ ሰብዓ ዓመታት ይገብር ኣብቲ ግዜቲ ርእሰ ሓያላን ዝበሃላ ዝነበራ ሓሙሽተ ሃገራት ከም ነበርቲ ኣባላት ናይ ቤትምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኰይነን ንቍዋም ናይዚ ውድብ ብኽታም ኣጽዲቀን።

ቍዋም ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሽሕ’ኳ ብ1948 እንተተኸተመ ከም ኣምር ግን ኣብ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብወርሒ ሚያዝያ 1945 ዓምፈ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እዩ ተጸኒሱ። እቲ ውድብ ኣብ መጀመርያ 51 መንግሥታት ዓለም ጥራይ ዝኣባላቱ ዝነበራ ቀስ ብቀስ ዳርጋ ንኩለን ናይ ዓለምና ሓያላት መንግሥታት ኣብ ህቚፉ ብምሓስ 193 ሃገራት ሓቊፉ ይርከብ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነቲ ቅዋም ዝእዝዞ ከኽብራን ነቲ ኣብኡ ዘሎ መምርሒታት ከደንፈዓን ትሑዛት እየን።

እቲ ታሪኽ!

ወትሩ ሓደ ነገር ምስ ኰነ ስለእትመሃር ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም እውን ካልኣይ ኩናት ዓለም ስለዘስካሕከሖን ከምኡ ንኸይድገም ንምክልኻልን መሰል ደቂሰባት ንምውሓስን ክብል ኣብ ሓሙዅሽቲ ካልኣይ ኩናት ዓለም እዩ ተመስሪቱ። ካብቲ ቀንዲ ዕላማታቱ ከኣ ሰላም ከመይ ጌርካ ተውሕስ ዓለምለኸ ውሕስነትከ ከመይ ጌርካ ተረጋግጽ ኣብ መንጎ ሃገራት ከመይ ጌርካ ሕውነታዊ ርክብ ተማዕብል ብዓለም ለኸ ደረጃኸ ከመይ ገቢርካ ትተሓባበርን ትደጋገፍን መሰላትን ክብርን ደቂሰባት ብምኽባር ነቲ መሠረታዊ ነጻነት ደቂ ሰባት ትሕሉ ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ነበረ። ብሓቂ መህረፊ ዝኾነ ዕላማታት እኳ እንተነበረ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ግን ካብቲ ኣተሓሳስባን ሥራሕን ውድብ ናይ ግሊ ሃገራትን መንግሥታትን ኩነታት እናጸለዎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ይርከብ።

እቲ ቍዋም 111 ዓናቅጽ ዝሓዘ ኰይኑ 19 ምዕራፋት ኣለውዎ። ቀንዲ ዕላማኡ ውሕስነት ሰላም ከንግሥ ኰይኑ እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ዕላማታት ምስ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ይዛመድ። ካብ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ጀሚርካ ክሳብ እዞም ሎሚ ኣብ መንበረ ሮሜ ዘለው ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጉባኤታት ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዘቅረብዎ ቃል ንዕልማታት ዓለምለኸ ርክባት ዘደንፍዑ እዮም። ነቲ ጉዳይ መነባብሮ ብጭቡጥ ዝምልከት መሠረታውያን መምርሒታት ብምዃኖም ከኣ ንክትርድኦም ብዙሕ ዘጸግሙ ኣይኮኑን።

ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝበልዎ ከኣ ‘ንሕግታት ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብቅንዕናን ግሉጽ ብዝኾነ መንግድን እንተስዒብና ኣብ ግብሪ እንተኣውዒልናን ሰላም ክርከብ ይከኣል` እዩ።

 ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣንቶዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ድሮ ዝኽሪ ዓለምለኸ ዕለተ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ኣብዚ ብብርቱዕ ማዕበል ዝሕመስ ዘሎ ባሕሪ ዓለምና እታ እንኮ ሓባራዊት መልሕቅ ሕልና እታ ቍዋም እያ’ ኢሎም።

ናይ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ዋና ሓላፊ ቪንቸንሶ ቦንዎሞ ነዚ ኣመልኪቶም ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ‘ካብተን ቀንዲ ግድላት ሓለዋን ክንክንን ኣከባቢ ሓለዋ መሠረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ኣጽዋር ኩናት ምእላይ ንትሕቲ ዕድመ ምክልኻልን ዓለምለኸ ሕጊ ከምዝኽበር ምግባርን እየ። ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለምከስ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ከረጋግጽ ኩለን ኣባላት ሃገራት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክተሓባበራን በቲ ቍዋም ክግዘኣን ኣለወን። እንተዘየሎ ኣብ ናይ ገግልኻ ዋኒን ምኻድ ሓደጋ ኣሎ’ እንክብሉ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ግደኣ ክተበርክት ኣዘኻኺሮም።

አርባዕተ ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ መስከረ 2015 ዓምፈ ኣብ ኒዮርክ ኣብ መንበር ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ተረኺቦም ኣብ ዝለግሥዎ ቃለ ምዕዳን `ናይዘን ዝሓለፋ ሰብዓ ዓመታት ተመኲሮ ክንዮ እቲ ዝሰዓበ ነገራት ግዜን ኩነታትን ርኢኻ ወትሩ ንተሓድሶ ስንድው ምዃን የድሊ። እዚ ከኣ ኣድላዪ እዩ’ ኢሎም ነሮም፣ ከም ሓቁ ከኣ ነዚ ቅድሚ 74 ዓመት ዝጸደቀ ቊዋም እንደገና ምምርማሩን ግዜን ኩነታትን ርኢኻ ዳግም ምሕዳሱ ግዜኡ ዝኣኸለ ይመስል።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 October 2019, 18:55