ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ቦሊቪያ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ቦሊቪያ 

ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ቦሊቪያ

ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቀዳማይ ኪደት ቆጸራ ሕዝባዊ ድምጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ

ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቦሊቪያ ድሕሪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ሰዓሪ ናይ ፖለቲካ ኣካል ንምልላይ ብዝተኻየደ 96 ሚእታዊ ዝሽፍን ናይ ድምጺ ቆጸራ፡  ካብ ሕጹያት ንርእሰ ብሔር ስልጣን ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸበ ከምዘየለ ክፍለጥ እንከሎ፡ ክስዕሩ ይእኽእሉ ዝበሃለሎም ዝነበረ ናይ ርእሰ ብሔር ተልእዀ ዘመነ ስልጣኖም ዘብቅዑ ንምርጫ ዝቐረቡ አቮ ሞራለስ ኣብላጺ ድምጺ ከምዘይረኸቡን፡ ካብ ጠቕላላ ድምጺ 46 ሚእታዊን ተፎኻኻሪኦም ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ ካርሎስ መሳ 37.7 ድምጺ ከምዝረኸቡን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበር ዝላአዀ ናይ ቦሊቪያ ምርጫ ተዓዛቢ ድርገት፡ እቲ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምርጫ ስርዓትን ሕግን ዘኽበረ ዘየምስል ምልክታ ዘትራአየሉን ግልጽነት እውን ዝጐደሎ ይመስል ከምዝነበረን ብቑሩብ ነጥቢ እውን ይኹን ሞራለስ ከምዝሰዓሩን ይኹን ደኣ እምበር  እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብቶም ቀዳማይ ካልእይን ዝወጺ ሕጹያት ተመረጽቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 15 ዳግም ምርጫ ከካየድ ዝላበው መግለጺ ከምዘውጸኤ ክፍለጥ እንከሎ።

መግለጺ ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ

ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቀዳማይ ኪደት ቆጸራ ሕዝባዊ ድምጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝዀነ ይዅን ሕዝባዊ ምርጫ ናይ ሕዝቢ ውሳኔ መግለጺ ስለ ዝዀነ ክኽበር ኣለዎ ቢሎም፡ ኣብ መርሕነት ዘሎ ይኹን ተቃዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ እውን ኣብ ስልጣን ዝድይብ ብናይ ሕዝቢ ውሳኔ እየ ክብል ይግብኦ ከምዝበሉ ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘመሓላለፎ ምንጪ ዜና የመላኽት።

ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ቦሊቪያ
24 October 2019, 17:34