ዝኽሪ መበል 150 ዓመተ ልደት ጋንዲ፡ ንዅሉ ንጸላኢኻ እውን ኣፍቅር ዝኽሪ መበል 150 ዓመተ ልደት ጋንዲ፡ ንዅሉ ንጸላኢኻ እውን ኣፍቅር 

ዝኽሪ መበል 150 ዓመተ ልደት ጋንዲ፡ ንዅሉ ንጸላኢኻ እውን ኣፍቅር

ንዓለም መገዲ ሰላም ዝሓበረን ፖለቲካዊ ምስሕሓባትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኰታ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዝዀነ ኵሉ ብዘይ ጐነጻዊ ቃልሲ ክፍታሕ ከምዝኽእል

“ሕውነታዊ ፍቕርን ሰላም ብዘይጐነጻዊ ቃልስን፥ ንዓለም ለኻዊ ስኒት” ብዝብል መርሕ ቃል ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 150 ዓመተ ልደት ማሃትማ ጋንዲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሮማ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ከምእተኻየደን፡ ዕለት 2 ጥቅምቲ ጋንዲ ዝተወለዱላ ዕለት ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 15 ሰነ 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ተወሲኑን ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ተሓሲቡ ከዝወዓለ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ  - ሃገረ ቫቲካን

ጋንዲ ዕለት 2 ጥቅምቲ 1869 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ዝተወልዱን ናይ ሃገሮም ህንዲ እዋናዊ ታሪኽ ዓቢይ ምልክታ ሓዲጐም ዝሓለፉን ካብ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናጻ ክትወጽእ ዘበርክትዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣስተዋጽኦ ንዓለም መገዲ ሰላም ዝሓበረን ፖለቲካዊ ምስሕሓባትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኰታ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዝዀነ ኵሉ ብዘይ ጐነጻዊ ቃልሲ ክፍታሕ ከምዝኽእል ዘመላኽቱ እዮም።

ቅኑዕ መጋበርያ ናብ ቅኑዕ ፍጻሜ የሰንይ፡ ዝብል ናይ ሕይወት ፍልስፍና መርሕ ገይሮም፡ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም ዝበሉን፡ እቲ ንሶም ብቓልን ሕይወትን ዘመሓላለፍዎ ኣብነት ዘይጐነጻዊ ቃልሲ፡ እቲ ዓቢይ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብ ኢድ ሰብ ዘሎ ዓቢይ ሓይሊ እዩ፡ ካብቲ ኣዚዩ ብሰብ ዝተመሓዘ ኣጽዋር ንላዕሊ ኣዚዩ ዝበርትዓ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 150 ዓመተ ልደት ጋንድን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ሓቢሮም፡ ጋንዲ ሓደ’ኳ ኣብ በይናውነት ከይሓደግ ብሓባር ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለን ሰላምን ንዅሉ ኣብ ዝብል ዕላማ ሓይልታትና ኣዋዲድና ብሓባር ንኽንዓዪ ኣስተንፍሶ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካ ረዲዮ ሮበርታ ጂሶቲ ገሊጸን።

ፖለቲካዊ መራሕን ፈላስፋን ናይ ሕጊ ጠበቓን ማህትማ ጋንዲ ዘማእከለ ብምኽንያት መበል 150 ዓመት ልደቱን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓወደ ኣኼባ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ከምእተኻየደን፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ግይክሶት ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ ይዅን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ጸንፈይናነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም ማሃትማ ጋንዲ ሓዲጐምዎ ዝሓለፉ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መገዲ ሰላምን ንዓመጽን ብረታው ቃልስን ዓይነተይና መፍትሒ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢረን።

03 October 2019, 18:22