2019.09.03 ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ቪንቸንሶን ኣትናቴዎስን ኣብ ፎንታና ዲ ትረቪፍ ዝርከብ ስእሊ 2019.09.03 ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ቪንቸንሶን ኣትናቴዎስን ኣብ ፎንታና ዲ ትረቪፍ ዝርከብ ስእሊ  ታሪኽ

እግዚአብሔር ኣብ ሮማ ይነበር’ዶ፧

ታሪኽ 2 ኣብ ሮማ ንእግዚኣብሔርን ገዛእ ርእሶምን ዝረኸቡ ዩክረይናውያን!

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቪክቶርያ ካብ ኣረመንነት ናብ ውትህድርና

ቪክቶራያ ካብ ሰዓቢ ኮሚኒስት ዝኾነ ኣቦ ዝተወልደት ብምዃና፡ብዘይ ዝኾነ እምነት፡ ኣረመን ኮይና እያ ዓብያ።

ንሳ ʽወለደይ ከመይ ጌርካ ከምዝጽለ ኣይመሃሩንንʼ ትብል። ይዝከረኒ ትብል ንሳ ʽኣብ ሓደ ፋብሪካ እንዳ ሰራሕኩ ሓደ መሓዛይ፡ ኣብ ውሽጣ ʽናይ ጉይታ ጸሎትʼ ዝብል ዝተጻሕፋ ደብዳቤ ሂቡ፡ ቅድሚ ምድቃስኪ ኣምብብዮ ብምባል’ውን መኺሩኒ ኔሩʼ ትብል። ኣስዒባ’ውን ኣብ ሕወተይ እዛ ጸሎት እዚኣ ጥራሕ እየ ዝፈልጥ ወሰኸት።

ቪክቶርያ ኣብ ዓመተ 1995 ፈረንጂ፡ ነቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ፋብሪካ ሓዲጋ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣተወት’ሞ፡ ዋና ስርሓ ከም ዋና ተኸታታሊት ናይ ግቡእ ወተሃደራዊ ኣተሓሕዛ ኮይኑ፡ ሰባት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክይኣትዉ ምክትታል ነበረ። ንሳ እቲ ወተሃደራዊ ባህርያት ባህ ይብላ ብዘይምንባሩ እቲ እትጥቀመሉ ዝነበረት ቃላት ልምሉምን ልኡምን’ምበር ናይ ትእዛዝ ኣይነበረን። እቲ ስራሕ ምስ ባህርያታን ሕይወታን ዘይከይድ ብምንባሩ፡ ኣብ ውሽጣ ብዙሕ ጸቕጢ ይፈጥረላ ከምዝነበረ ትዛራብ።

ማክስይም ካብ ውትህድርና ናብ ምኽታል ሃይማኖት

ኣኮ ማክስይም ኮለኔልን ኣዛዚ ናይ’ቲ ስርዓት ሄለኮፕተርን ብምንባሩ መብዛሕትኡ ግዜኡ ኣብ ገዛ ናይ’ቶም ወተሃደራት እዩ ዘሕልፎ ዝነበረ። ናብ’ቲ መዓስከር ኣብ ዝበጻሕክሉ ግዜ ይብል ንሱ ʽእቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት፡ እንታይ ዓይነት ወተሃደራዊ ስራሕ ኢካ ክትሰርሕ ትደሊ ኢሎም ኣብ ዝሓተቱኒ ግዜ፡ ልክዕ ከም ኣኮይ ነፋሪት ከብርር’የ ዝደሊ በልክዎምʼ፡ ስድራይ ግን ቀጸለ ʽስድራይ ኣብ ሓይሊ ኣየር ምስራሓ ብዙሕ የፍርሖም ብምንባሩ፡ ናብ ዝደለኻዮ ኬድካ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ፡ ናብ ነፈርቲ ግጽካ ግን ከይትጥምት በሉኑʼ።

ማክሲይም ኣብ ናይ ከበድቲ ኣጽዋር ተመዲቡ ንኣስታት 4 ዓመት ኣብ መጽናዕቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስቶም ዘገልግልዎም ካህናት ጡቡቕ ዕርክነት ጀመረ። ንሱ ብዝዕባ’ቶም ካህናት እንክዛረብ ʽእዞም ኣገልገልትና ካህናት ብጣዕሚ ኣገደስቲ ሰባት’ዮምʼ ይብል፡ ቀጺሉ’ውን ʽብዙሕ ግዜ ምስኦም ናብ መናበዪ ዘኽታማት ኣሰንየዮም ይኸይድ ኔረ፡ እቲ ግዜ`ቲ ንዓይ፡ ድሕሪ’ቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንጹሕ ኣየር ዘስተንፍሰሉ ናይ ሩፍታ ግዜይ እዩ ኔሩʼ ይብል።

እቲ ንገዛእ ርእሱ ክምርምርን ክረክብን ዝኸኣለሉ፡ ድሕሪ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ስርዓተ ሊጡርግያ ምስታፉ ዘሕደረሉ ጦብላሕታ ከምዝኾነ ይገልጽ። ንሱ ነቲ ህሞት’ቲ ኣልዒሉ ʽወላ’ኳ ፍረ ነገሩ እንታይ ይበሃል ከምዝነበረ እንተዘይተረደኣኒ፡ ብውሽጠይ ግን ፍሉይ ስምዒት ተሰማዓኒን፡ በቲ ዝነበረ ኩነታት ኣዝየ ተመሰጥኩን ተማረኩንʼ ብምባል ይገልጾ።

ጉዕዞ ቪክቶርያ ንሮማ

ኣብ ዓመተ 2000 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ቪክቶርያ፡ ንጓላ ካተሪና ኣብ ዩክረይን ምስ ዓባያ ሓዲጋ ንሮማ መጸት። ንትምህርቲ ጓላ ዝኸውን ገንዘብ የድልያ’ኳ እንተነበረ፡ ቋንቋ ጣልያን ብዘይምኽኣላ ግን ተሸገረት። ናብ ሓንቲ ማርያ እትበሃል ብምኻድ ሽግራ ምስ ኣካፈለታ፡ ንጓላ ናብ ጣልያን ከተምጽኣ ከም እትኽእል ሓበረታ’ሞ፡ ንምኽራ ሰሚዓ ኣምጸኣታ። ኮይኑ ግን ኩነታት ከምዝሓሰበቶ ኣይከደላን። እታ ጓላ ብዘይ’ቲ ዝደለይዎ ፍሉይ ሰነዳት ትምህርቲ ክቕበልዋ ብዘይምኽኣሎም ʽነቲ ሓድሽ ሕይውት ኣይተቐበለቶንʼ ትብል ኣድኣ። በዚ ምኽንያት ክልቲአን ኣደን ጓልን ናብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረን ከም ናይ ገዛ ኣለይቲ ሕጻናት ኮይነን ምስ ስድራቤታት ክሰርሓ ጀመራ። ብዘይክኡ’ውን ከም መጽረይቲ ማያዊ ክፍሊ ኮይነን ምዕያይ ወሰኻሉ።

ኣነ ንሮማ ኣብ ዝመጻኽሉ ግዜ ትብል ቪክቶርያ ʽማርያ ሓደ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ስለዝሃበትኒ፡ ድሮ ነቶም ኣብኡ ዝረኸብኩዎም ጸሎታት ምጽናዕ ጀሚረ ነይረ’የʼ ትብል፡ ንሳ በቶም ዘምበበቶም ጸሎታት፡ ብፍላይ ነቶም ንሕጻናት ዝምልከቱ ጸሎታት፡ ኣዝያ ትፈትዎም ብምምባራ ምሸት ምሸት ቀጻሊ ተምብቦም ምንባራ ትገልጽ። ንሳ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዕረፍታን፡ ኣብ እትረኽቦ ነጻ ግዜን ብእግራ ናብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ኣብኡ ክሳብ ምሸት ምእንቲ ካተሪና ጓላ ከምእትጽሊ ትሕብር።

ማክሲይም ናብ ጉዕዞ ክህነት

ማክሲም ብወገኑ’ውን ይጽሊ ነበረ። እቶም ብዝሒ ዘተኩሮሎም ዝነበረ ጸሎታት፡ ንሕይወቱ ብኸመይ ከመርሓን፡ እንታይ ክገብር ከምዘለዎን፡ ብዝያዳ’ውን እቲ ዝነብሮ ዘሎ ሕይወት ውትህድርና ብሓቂ ዝደልዮን ደስ ዝብሎን ሕይውት ድዩ፡ ንኽበርሃሉ ዘተኮረ ጸሎታት ከምዝነበረ ይገልጽ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ኣስተንትኖን ጸሎትን ሓደ ኣገዳሲ ምርጫ ብምምራጽ ርጡብ ውሳኔ ወሰነ። ንሱ ከኣ ግቡእ ስርዓተ ንስሓ ብምግባር ናይ መጀመርያ ቅዱስ ቊርባን ተቐበለ።

ይዝከረኒ ይብል ንሱ ʽኣብ’ቲ ህሞት’ቲ ፈጺመ ዘይርስዖ፡ ናብ መዕበያ ዘርኣክህነት ክኣቱ ደልየ ምስበልኩ፡ ብምልኦም ኣዝማደይን፡ ኣዕሩኽተይን፡ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከይተረፉ ፈጺሙ ደንጽይዎም ጋን ኮኑ፡ ንዓይ ግን ብኣንጻሩ ሰላምን ሓግስን መልኣኒʼ፡ ንሱ ነቲ ህሞት’ቲ እንክገልጾ ʽምስ እግዚኣብሔር ብውሽጠይ ዓሚቕ ፍቕሪ ኣሕዲረ፣ ፍጹም ውሽጣዊ ለውጢ ክገብር ዝገበረኒ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩʼ ይብል። ማክሲይም ነቲ ዝሓደሮ ለውጢ ምስቲ ዝነበሮ ወተሃደራዊ ሕይወት ብምውድዳር ʽ ካብ`ቲ ረባሽን ዘይርጉእን ወተሃደራዊ ሕይወት ሓራ ኮይነ፡ ክዓብን መሰል ምምራጽ ክህልወንን ክኢለʼ ይብል።

ንሱ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሰሚናርዮ ትምህርቲ ስነልቦና ከምዘሎ ፈለጠ። ንሱ ነዚ ፍሉይ ትምህርቲ ኣመሊክቱ ʽርእሰይ ኣብ ምፍላጥን ምርዳእን ኮነ፡ ጸዋዕታይ ኣብ ምልላይ ኣዝዩ ስለዝሕግዘኒ ብጣዕሚ’የ ዝግደሰሉʼ ይብል።  

ቪክቶርያ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ካልእ ገዛ ትረክብ

ብሓገዝ ናይ ማርያ፡ ክልቲአተን ቪክቶርያን ካተረኢናን ማለት ኣደን ጓልን፡ ብቐጻሊ ሰንበት ሰንበት ናብ ድንግል ማርያም ዘኣድባር ወይ ማዶና ደይ ሞንቲ ዝተባህለ ኣብ ማእከል ሮማ ዝርከብ ናይ ዩክረይናውያን ቤተክርስትያን ክኸዳ ጀመራ። ምስ ብዙሃት ካብ ሃገረን ዩክረይን ዝመጹ ደቂ ዓደን ብምርኻብ የዕልላን ዘለወን ሓሳባት ኣብ ነንሓድሕደን ይካፈላን፡ ምስኦም ሓቢረን ብፍላይ ኣብ ግዜ ልደት ዝዝውተር ፑፐት ትያትር ዝበሃል ፍሉይ ጸወታ ናይ ሃገረን ከምዘብዕላ ትገልጽ።

ንሳ ʽቤተሰብናን ኣዝማድናን ኣብ ርሕቕ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ቁምስናና ግን ከም ሓንቲ ስድራቤት ኣኻኺቡናʼ ይርከብ ትብል።  ኣስዒባ’ውን ቪክቶርያ ʽኣብ ግዜ ልደት፡ ኣብ ሓደ ገዛ ንኣስታት 20 ወይ 30 ሰባት ዝኸውን ናይ ሃገርና ምግቢ ብምድላው፡ ሓቢርና ንድረር፡ ኣብ ሮማ ብዙሓት ዩክረይናውያን ኣለዉ፡ ሓደ መዓልቲ’ውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ተራኺብና ትምህርተ ክርስቶስ ጌሮምልና ኔሮምʼ ብምባል ንመረጋገጺ ዝኸውን፡ ብኹርዓት ናይቲ ምስ ቅድስነቶም ዝተሳእልዎ ስእሊ ኣርኣየትኒ።

ማክሲይም ጸዋዕታ ኣብ ውሽጢ ጸዋዕታ ኣለለየ

ማክሲይም ተቐላጢፉ ማዓርገ ክህነት ክቅበል ኣይወሰነን። ንሱ በቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ናይ ስነልቦና ትምህርቲ ኣዝዩ ተማሪኹ፡ በቲ ትምህርቲ ተሓጊዙ’ውን ጸዋዕታ ኣብ ውሽጢ ጸዋዕታ ከለሊ ከለሊ ኣክኣሎ። ንሱ ዝነብረሉ ቦታ ኣብ ቅዱስ ኣታናስዩስ ዝተባህለ ናይ ግሪኽ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኮይኑ፡ ናብ ኣብ ሮማ ዝርከብ ካብ ዝተፋላለዩ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ዝመሃርሉ ናይ ሳሊዝያን ጳጳሳዊ ዩንቨርሲቲ ብምዃን ዕደለይና እየ ይብል። ንሱ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተመክሮ ጥራሕ ከምዝነበሮ እንክገልጽ ʽንዝኾነ ሰብ ክፉት ዝኾነ ናይ ሮማ ቤተክርስትያን ብምርካብይ መንፈሳውነተይ ከስፍሕ ኣኽኢሉኒ እዩʼ ድሕሪ’ሉ፡ ናይ ንባበ መሎኮት ትምህርትታት ብስነ ሓሳብን ፍልስፍናን ክኸውን ከምዝኽእል ርኣየን ተዓዘበን። ብኣንጻሩ ኣብ ናይ ስነ ልቦና ትምህርቲ፡ ግብራውን ንሕይወት ደቂ ሰባት ዝትንክፍን ናይ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ኩውንነታት እዩ ዘረድኣካን ዘምህረካን ይብል፡ ኣስዒቡ’ውን ʽትምህርቲ ስነ ልቦና ምስ ንቤተክርስትያን ዘይመጹ ሰባትን፡ ኣብ ሕይወቶም ብዙሕ ሓሳረ መከራ ዘሕልፉ ክትቀርብን ክትዘራረብን ንምኽኣል፡ ፍልጠትን መሳርሕታትን ኣገባባትን የርእየካʼ። ይብል። ንሱ ኣስዒቡ ትምህርታት ንባበ መለኮትን ስነልቦናን በሓንሳብ ሓቢሮም ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ሕይወትና ክትጥቀመሎም ከምእትኽእል ይኣምን። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር ስራሕ ካህንን ክኢላ ስነልቦናን ኮይኑ ክዓዪ ዝወሰነ። ንሱ ነዚ 2 ዓይነት ስራሕ ብዓውት እናሰርሑ ዝነብሩ ሰባት’ውን ኣብ ሮማ ከም ዘጋጠምዎ ይዛረብ።

ቪክቶርያ ብዛዕባ ሓይሊ ጸሎት  

ቪክቶርያ፡ እቲ ቀጻሊ እተዘውትሮ ዝነበረት ጸሎታ ሰሚሩላ፡ ካተሪና ጓላ ሓደሽቲ መሓዙትን ኣዕሩኽን ረኺባን፡ ትፈትዎን ደስ ዝብላን ናይ ማርሻል ኣርት ወይ ምውስዋስ ኣካላት ብጸሊም ቁልፊ ወይ ብብላክ በልት ተመረቕት። ኣብ’ዚ ግዜ`ዚ ንሕጻናት በቲ ዝተማህረቶ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ከምትርከብን፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሓድሽ ናይ ስልጠና ደረጃታት ከትከፍት መደብ ከምዘለዋን ትሕብር።

ብዘይካ’ዚ ካተሪና ኣብ ፍልሰታ ለማርያም ዝተባህለ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ብስነልቦና ከምዝተመረቐትን፡ ኣብ ናይ መጀመርያ ገጽ ናይ ዘቐረበቶ መጽናዕቲ ኣርእስቲ ʽኣደይ ብሓንሳብ እና ጌርናዮ!ʼ ዝብል ጽሕፍ ከምዝገበረትሉ ትገልጽ።

ቪክቶርያ ምስ ቤተክርስትያን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሮማ ከምዝተላላየት ብምሕባር፡ እቶም ኣቡኡ ዝረኸበቶም ሕዝቢ ብዙሕ ከምዝሓገዝዋን፡ ንጓላ ጽቡቕ ክትቀርባ ከምዘለዋ ከምዝመኸርዋን ድሕሪ ገሊጻ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ንሓይሊ ጸሎት ኣተኲራ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ሓይሊ ከምዘለዎን፡ ዝጽሊ ኣምላኽ ከምዝሰምዖን ምስክርነታ ብምሃብ ዘረብኣ ዛዚማ።

ማክሲይም ምስ ኣምላኹ ይነብር

ማክሲም ኣብ ሮማ ምህላዉ ኣብ ጉዕዞ ሕይወቱን ጸዋዕትኡን ብዙሕ ከምዝሓገዞ ይዛረብ። ንሱ ʽኣብ ግዜ ትምህርተይ ንናይ ገዛእ ርእሰይ መጽናዕቲ ብዙሕ ምሃብ ኣዝየ ዝተግሃሉን ዘሕጉሰንን እዩ ኔሩʼ፡ ይቕጽል ʽሮማ መንፈሳውነተይ ከዕብን፡ ኣብ’ቲ ሓቀይና ጸዋዕታይ ከለልን ጌራትኒ’ያʼ ይብል። ንሱ ቀጺሉ ʽከም ሰብ መሰረታውያን ናይ ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ክብርታት ዝፈለጥክሉን ዝተገንዘብኩሉን’ውን ኣብዚ ኣብ ሮማ እዩʼ ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 September 2019, 17:58