ድለ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ወጻእተይናታትን፡ ምንዳድን ምዝማትን ንብረቶምን! ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ወጻእተይናታትን፡ ምንዳድን ምዝማትን ንብረቶምን! 

ደቡብ ኣፍሪቃ ንተፈናቐልቲ ወጻእተይናታት ትሕግዝ!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ’ቲ ዝቐነየ ዘይምርግጋእን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ካብ ከባቢ ክልል ጋውተንግ ብዙሓት ወጻእተይናትት ከምዝተፈናቐሉ ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ትማሊ ዕለት 9 መስከረም፡ ብሳኒውስ ዳት ጎቭ ዳት ዛ (SAnew.gov.za) ዝተባህለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሓን ብዝዘርግሖ ሓቤሬታ መሰረት፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብ’ቲ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ፕሪቶርያ ኣንጻር ወጻእተይናታት ተኸሲቱ ዝቐነየ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዘይምርግጋእን ንምሕጋዝ፡ ንጹር ዝኾነ ቅልጡፍ ግብረ-መልሳዊ ውጥን ዝገልጽ ሓቤሬታ ከምዝየሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ካትለሆንግ ዝወርደ ግህሰታት

ኣብ ከተማ አኩርሁለኒ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ክልል ጋውተንግ ናይ ምብራቕ ራንድ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተይናታት ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ሰብኣዊ ግህሰታት ከምዝተፈጸሙ ምስክረነቶም ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።

ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ዘሰቅቕን ዘሕፍርን ናይ ጸረ ወጻእተይንናታት ፍጻሜ፡ ፖሊስ ከይመጹዎም ብዝብል ሓሳብ ፡ናብ ከተማ ካተለሆንግ ዝወስድ ጽርግያ ከምዝዓገቱ እንክፍለጥ፡ ካትለሆንግ 35 ኪ.ሜ. ካብ ከተማ ጆሃንስበርግ ንሸናኸ ምብራቕ፡ ካብ ከተማ ጀሚስቶን ከኣ ንደቡብ ኮይና፡ ኣብ መንጎ ከተማታት ቶኮዛን ቮስሎሩስን ከምእትርከብ ተሓቢሩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሳኒውስ ዳት ጎቭ ዳት ዛ (SAnews.gove.za) ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሓን ብዝዘርግሖ ሓቤሬታ መሰረት፡ ኣብ’ዚ ግዜ`ዚ ኣስታት 800 ዝኣኽሉ ወጻእተይናታት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ እንክሕብር፡ 588 ካብኣቶም ልዕሊ ዕድመ ክኾኑ እንከለዉ፡ 227 ከኣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቶም ወጻእተይናታት ወላ’ውን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ጸጥታ እንተሃለዉ፡ ከምዘይትኣማመኑን ፍርሒ ከምዝስምዖምን ገሊጾም። እተን 2 ኣብ ካትለሆንግ ዝርከባ ግዝያውያን መዕቆብን ናይ ረዲኤትን ቦታታት ኣብ ዲ ኤች ዊልያምስን፡ ጾሆሎ ሃልን ከምዝኾና ድሕሪ ተሓቢሩ፡ ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ ቦታ ዝቕመጡ ወጻእተይናታት ተመዛበልቲ ዝመጹለን ከተማታት ማንዴላ ዘይወግዓውያን ነበርትን፡ ካብ ንህላፖ ዝተባሕለ ክፋል ናይ ካትለሆንግን ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ሽሕ’ኳ እቶም ወጻእተይናታት ኣብዘን መዕቆቢ ማእከላት፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ፖሊስ እንተሃለዉ፡ በቶም ግዳም ሓደራት መናሰያት ደቂ ዓዲ እንደገና ከይጥቆዑ ፍርሓት ከምዘለዎም ግን ኣይሓብኡን። ብዙሓት ካብኣቶም፡ በቲ ኣቐዲሙ ብግዳምሓደር ዘረፍቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዙሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ዝወረዶም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ዘለዉ ተመዛበልቲ፡ ካብ ሃገራት ዚምባብወ፡ ሞዛምቢክ፡ ጋና፡ ለዘቶ ከምኡ’ውን ማላዊ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ምስ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰርሓ ኣብያተ ከርስትያንን ዘይመንግስታውያን ትካላትን (NGO)

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ትካላት ምስ መንግስታውያን ኣመሓደርቲ ከተማ አኩርሁለኒ ብምትሕብባር፡ ንተመዛበልቲ ይሕግዙ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን፡ ካልኦት ደለይቲ ጽቡቕ ተሓጋገዝቲ ክስዕብዎምን ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ሃገሮም ከምለሱ ንዝደልዩ ወጻእተይናታት ንምሕጋዝ፡ ኣብ ምምላስ ስደተይናታት ንዝነጥፋ ትካላት መንግስቲ እጃመን ከበርክታ ጸዊዑ።

እየሱሳዊ ተቊዋም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ህቡብነት ጎነጽ ይወልድ ኢሉ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኢየሱሳዊ ተቍዋም፡ ካብ ምጅማር’ቲ ሰብኣዊ ግህሰት ጀሚሩ፡ ፖሎቲከይናታት’ቲ ሃገር ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ብሓላፍነት ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ገለ ህቡብነት ዘልዎም ዘይሓላፍነታውያን ፖሎቲከይናታት ግን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተይናታት ዝተፈጸመ ጎነጻዊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንኽጎሃሃር ክዓዩ ከምዝጸንሑ ኣቃሊዖም።

ንሶም ʽቃላት፡ ጸላውን ተጽዕኖ ክገብር ዝኽእልን ሓይሊ ኣለዎም፡ ዝተጋነኑ ጸረ ወጻእተይናታት መደረታት፡ ናብ ጸረ ወጻእተይናታት ተግባራት ይመርሑʼ ብምባል ከምዘጠንቀቑ ተሓቢሩ።

እየሱሳዊ ተቍዋም ኣስዒቡ ʽነቲ ኣብ’ዚ ሃገር ዝተፈጸመን፡ ንሕና እንምስክረሉ ዘሎናን ሰብኣዊ ግህሰታት፡ ብመራሕቲ ሃገር ምኹናን ጥራሕ እኹል ኣይኮን፡ መራሕቲ፡ በቲ ዘርኣይዎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ወሪዶም ይቕሬታ ክሓቱ ኣለዎምʼ ድሕሪ’ሎም ʽንስኹም መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓልፍነትን ተሓታትነትን ናይ ዘይሓላፍነታዊ ቃላትኩምን መደረኹምን ክትስከሙ ትብዓት ይሃልኹምʼ ብምባል ንመራሕቲ’ታ ሃገር ጥፍኣት ሓላፍነቶም ንኽእመኑ ከምዝጸውዑ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 September 2019, 18:33