ኣብ በሃማስ ብዶርያን ዝወረደ ዕንወት! ኣብ በሃማስ ብዶርያን ዝወረደ ዕንወት! 

ሓድነት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንብህቦብላዊ ዝናም ዝተጎድአት በሃማስ!

ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ካሪታስ፡ ነቶም ብዶርያን ዝተባህለ ህቦብላዊ ዝናም ዝተጠቕዑ ሕዝብታት ንምሕጋዝ፡ ምስ ካሪታስ ኣንቲለንን፡ ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝነጥፉ ዓለምለኻዊ መርበብን ሓቢሮም፡ ኣብ ናይ ግዝያዊ ህጹጽ ረዲአትን፡ ኣብ ዳግም ምሕናጽ’ቲ ዝዓነወ ንብረትን ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ዶርያን ዝተባህለ ህቦብላዊ ዝናም፡ ኣብ ሰዓት 350 ኪ.ሜ. እናተወንጨፈ ኣብ ዝሓለፈሎም ከባቢ፡ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ከምዘውረደ ተፈሊጡ።

እቲ ሓደገይና ዝናም ብፍላይ ኣብ ዓባይ ባሃማስን ኣባኮን፡ ብውሕዱ 50 ሰባት ግዳይ ከምዝኾኑ እንክፍለጥ፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕዝብታት ከኣ ገና ብዘይ ዝኾነ ሓበረታን ረዲአትን ዝተረፉ ከምዘለዉን፡ ግዳያት፡ ካብ ተረኺቡ ዘሎ ሓቤሬታ ከዛይድ ከምዝኽእልን ተሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደገይና ህቦብላዊ ዝናም፡ ብውሕዱ 70 ሽሕ ሕዝቢ ብዘይ ዝኾነ ነገር፡ ባዶ ኢዶም ብምትራፍ፡ ተጸበይቲ ረዲአት ናይ ግብረ ሰናይ ዝነጥፉ ኣካላት ኮይኖም ኣለዉ ክብሉ ምኽትል ዳይረክተርን ቪካርን፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ግብረ ሰናይ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝኾኑ ፓውሎ በቸጋቶ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ ገሊጾም።

ናይ ʽንድኻታት ክሕግዝ ዘለዎ መን’ዩʼ ዝብል ሕቶ መልሲ

ካሪታስ ኣንቲለ፡ ምስ ሊቀ-ጳጳስ ናይ ናሳው ዝኾኑ ሞንሱኞር ፓትሪክ ፒንደርንን፡ ዓለምለኻዊ መርበብ ግብረ ሰናይን ቀጥታዊ ርክብ ብምጋብር ኣብ ምሕጋዝ ግዳያት ከምዝተሰለፉ ተፈሊጡ።

ብካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረዲኤት ዝተላእኩ ሰባትን፡ ካብ ካሪታስ ኣንቲለን ናብ ናሳው ብምኻድ፡ ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኣካላት ብምትሕብባር፡ ነቲ ኩነታት ብምጽናዕ ንዝተጠቕዑ ሕዝቢ ዘድሊ ረዲአት ናብ ተሓጋገዝቲ ወገናት ብምልኣኽ ዓቢ ናይ ምውህሃድ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝካይድ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ብሃገራዊ ትካል ህጹጽ ሓደጋ (National emergency management agency) ምስ ትካል ህጹጽ ሓደጋ ካሪብያንን (Caribian disaster emergency management agency)፡ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣካላትን ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ጎድኒ ጎድኒ’ቲ ምግዓዝ ናብ ውሑስ ቦታታት ናይቶም ገዛ ዘይብሎም ግዳያት፡ ዕሹግ መግብን ማይን፡ ናይ ሕክምና ረዲኤትን ክወሃቦም ከምዝለዎ እንክሕበር፡ ብፍላይ ንሕጻናት ናይ ስነኣእምሮኣዊ ሓገዛት  ከምዘድልን፡ ብፍላይ ኣብተን በቲ ሓደጋ ኣዝየን ዝተሃስያ ከባቢታት ዝርከቡ ሕዝቢ ፍሉይ ኣተኩሮ የድልዮም ከብል ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ በቸጋተ ተላብዮም።

ንሶም ኣስዒቦም፡  ኣብ ግዜ ሓደጋ’ውን እንተኾነ፡ ንከም በዓል ደቂ ሃይቲ፡ ኣብ ሻርዓትን ፍርስራሳትን ኣባይቲ ዝቕመጡ፡ ኣዝዮም ዝተወጽዑን ድኹማትን ሕዝቢ ፍሉይ ሓገዝ ከምዘድልዮም ድሕሪ ሓቢሮም፡ እቶም ብቑጽሪ ውሑዳትን፡ ርሱዓትን፡ ድኻታትን ዝኾኑ ሕዝቢ ዝያዳ ተጠቃዕቲ ናይ’ቲ ሓደጋ ከምዝኾኑ’ውን ኣስሚሮምሉ።

ካብ’ዚ ኣስዒብና፡ ምስ ሊቀ-ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ በቸጋቶ ዝተገብረ ቃል-ምልልስ ነቅርበልኩም፥

ብፁዕነቶም፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይ’ቶም ብሓደጋ ዝተጠቕዑ ሕዝቢ እንክገልጹ ʽብሓፈሻ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብጣዕሚ ዘሻቕልን ዘሰንብድን ከስተት’ዩ ኔሩ፡ ብፍላይ ኣብተን ዶርያን ዝተባህብለ ህቦብላዊ ዝናም ዝሓለፈን ደሴታት፡ በልማማ ከምዝተጥቕዓን፡ ኣብአን ዝቕመጡ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ግዳይ ብምግባር፡ ብውሕዱ 70 ሽሕ ዝኾኑ ሕዝቢ ብዘይ ዝኾነ ነገር ጥራሕ እዶም ብምትራፍ፡ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲአት ከምዝኾኑ ምግባሮም ጥራሕ ከይተርፍ፡ ካብ’ታ ደሴት ወጽዮም ክዕቆቡ ብምግዳዶም፡ ኣብ መጻኡ እታ ደሴት ከም ሃገር ኮይና ንኽትቅጽል ኣብ ሕቶ መልክት ዘእተወ ክስተት’ውን እዩʼ ኢሎም።

ንሶም ኣስዒቦም፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝግበር ሓገዝ ኣመልኪቶም፡ ካብቶም ግዳያት ብፉሉይ ኣቃልቦ ክግበረሎም ዘለዎ፡ ከም ደቂ ሃይቲ ዝኣመሰሉ ስደተይናታት፡ ኣብ ሻርዓት ዝነብሩ፡ ብምሒር ድኽነት ኣዝዮም ዝተበደሉ፡ ውጹዓትን ድኹማትን ሕዝቢ፡ ብዝያዳ በቲ ሓድጋ ከምዝተሃስዩን፡ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዘድልዮምን ብምግላጽ፡ ነቶም ብኣዝዩ ዘሕዝን ከስተት ዝተሃስዩ ሕዝቢ ንምሕጋዝ፡ ናይ ህጹጽን፡ ንቀጻሊ ሕንጸት ዝዓነወ ኣባይቶምን ከምዘድሊ ብምሕባር፡ ኩሉ ክሕግዝ ዝኽእል እጃሙ ከበርክት ጸዊዖም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶʽናይ ካሪታስ ኣወሃሃድቲ ኣብ’ቲ ቦታን ህጹጽ ረዲኤት ዝህቡን መነመን’ዮም፧  ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ʽናትና ስራሕ ህጹጽ ረዲአት ናብ ዘድልዮም ቦታታት ምብጻሕ’ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ናይ ሓደጋ ቦታታት ኣዝዮም ርሑቓት ብምዃኖም፡ ነቲ ዝተረኽበ ስብኣዊ ሓገዛት ንምዝርጋሕን፡ ብቐሊሉ ሓገዝ ክረኽቡ ምግባርን ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ናይ ሓደጋ ውጥን፡ ንቐዳሞት 3-6 ኣዋርሕ ጥራሕ ዝቕጽል’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ሓደጋ`ዚ ግን፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ብምስዓቡ፡ እቲ ሓገዝ ብሓድሽ ውጥን ብምኽላስ፡ ኪኖው’ቲ ልሙድ ናይ ሓደጋ ሰሌዳ ግዜ ክቕጽልን፡ ኣብ ሃፈሻዊ ዳግመ ሕንጸትን ምዕባለን’ታ ሃገር ኣበርክቶ ከገብርን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ንሕና ብፍሉይ ይብሉ ብጽዕነቶም ʽንሕና ምስ ናይ ዓለምለኸ መርበብ ካሪታስ፡ ብፍሉይ ኣብ`ዚ ናይ ውጹዓት ቦታ ተረኺብና፡ ኣብ ጎድኒ ናይ`ቲ ከባቢ ካሪታስ ብምቛም፡ ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩን ጸግዒ ዘድልዮም ወገናትና ከሳብ ን10 ዓመታትን ልዕሊኡን፡ ኣብ ምትሕግጋዝ ሕዝብን፡ ዳግመ ሕንጸትን ሓፈሻዊ ምዕባለ ሃገርን፡ ክንሳተፍ መደብ ኣሎናʼ ብምባል መሊሶም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ʽቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራቸስኮስ’ውን ምስ ናይ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዓለምና ተተሓሒዙ ንዝሰዓበ ሓደጋ ንምሕጋዝ ዝበልዎ ናይ ሓድነቶምን ቅርበቶም መግለጺ እንታይ ትብል፧ʼ  ዝብል ሕቶ ንምምላስ ʽብዙሓት መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብፍላይ ኣብቶም ዳሕረዎት ዓመታት፡ ወድሰብ ሓላፍነት ክወስደሎም ዘለዎ ባህርያውያን ሓደጋታት እንዳበዝሑ ከምዝመጹ ኩላትና እንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ናይ ስርዓት ስነ-ፍጥረት ፕላኔትናን፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየርን ፍሉይ ርክብ ከምዘሎ ዝገልጽ ከምዝኾነ፡ ናይ ቀረባ ኣብነት ዝኾነና፡ ከስተት ናይ’ዚ ሓዳጋ ንርአ፡ ፍጥነት ናይ’ቲ ምስ ዝናም ዝተሰነየ ህቦብላዊ ንፋስ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩን ተመዝጊቡን ዘይፈልጥ ምዃኑ፡ ሓደ ፍሉይ ምልክትን ሓድሽ ተርእዮን ናይ ግዜና ኢዩʼ ብምባል፡ ወድሰብ ኣብ ምክንኻን ተፈጥሮ ሓላፍነቱ ክስከም ከምዘለዎ ብምልባው፡ ምምላስ ናይ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 September 2019, 18:56