2018.10.15 ካርዲናል ናፔር 2018.10.15 ካርዲናል ናፔር 

ፖሎቲከይናታት ኣንጻር ዘይደቂ-ሃገር ጽልኢ ምልዕዓል ከቋርጹ ንጽውዕ! ካርዲናል ናፔር

ሕጂ’ውን እንደገና ካብ ዝሓለፈ 2 ሳምንቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ጆሃስንስ በርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይደቂ ሃገር ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይካይድ ከምዘሎን፡ ናብ ዋና ከተማ ናይ’ቲ ሃገር ዝኾነት ፕሪቶርያን ከምስለሓመን ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ዱርባን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፔር ኦ.ኤፍ.ኤም፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ኣመልኪቶም ʽናይ ነፍስ-ወከፍ ሕይወት ክብርቲ ኢያ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተይናታት ዜጋታትን ስደተይናታትን መጥቃዕትታት ምፍጻም፡ ጌጋን ክኹነን ዘለዎን እዩʼ እንክብሉ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደሉ፡ ኣብ ሉምኮ ዝርከብ፡ በኖኒ ኖርዝ ዝተባህለ ተቊዋም ናይ ሱባኤ ማእከል ከም ዝተሓሳሰቡ ተሓቢሩ።

ካርዲናል ናፔር ኣስዒቦም፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተይና ምብዳል ጌጋ ዝኸውን፡ ሓደ መዓልቲ ኣነ’ውን ከምኡ ወጻእተይና ክኸውን እኽእል’የ ብምባል ዘይኮነ፡ ሰብ ልክዕ ከማይ፡ ብባህሪኡ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ክቡር ፍጥረት ስለዝኾነ እዩ ክብሉ፡ ንሸላ ፒረስ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ራድዮ ቨሪታስ ቃሎም ሂቦም።

ንሶም ʽካብ ዝኾነ ቦታን ብዝኾነ ኣገባብን ይመጻእ ብዘየገድስ፡ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ክሳብ ዝተፈጥረ፡ ኩሉ ሰብ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ሕይወት ኣለዎʼ ብምባል ኣትሪሮም ገሲጾም።

ኩነታት ቀስ ብቀስ  ንሓጺር ግዜ ከምዝሃድኤ

ኣብ ዝሓለፈ 2 ሳምንታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ግዳም ሓደር ኣንጻር ወጻእተይናታትን ስደተይናታትን ብምልዕዓል፡ ከጥቅዕዎምን ንድኳውንቶም ከቃጽሉሎም ከምዝቐነዩ እንክሕበር፡ እቲ ጠንቂ ብምኽንያት ቅትለት ናይ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ታክሲ ኣመሳሚሶም ከምዝጀመርዎን፡ ኣብ ግዜኡ ከምዝሃድአን’ኳ እንተተነግረ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ምውዳእ ናይ’ቲ ሰሙን፡ ኣብ ወሰናስን ናይ ከተማ ፕሪቶርያ ሓሓሊፉ መጥቃዕትታት ይፍጸም ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

ሓለውቲ ጸጥታ ብዙሕ ግዜ ኣብ’ቲ ከተማ ብርቱዕ ናይ ሓለዋ ምክትታል’ኳ እንተካየዱ፡ እቶም ግዳም ሓደር ግን ነቲ ናይ ጸጥታ ምክትታል ግዲ ከይገበሩሉ ምንዓቦም ክቕጽሉ ከምዝጸንሑ ተሓቢሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነቲ ጉዳይ ብዓይኒ ጸቢብ ረብሓኦም ዝጠመቱ ፖሎቲካውያንን ኅብረት ነጋዶን’ቲ ሃገር፡ ኣንጻር ወጻእተይናታትን ስደተይናታትን መጥቃዕቲ ክቕጽል ከጓሃህሩ ምርኣዮም ዝተዓዘቡ ካርዲናል ናፔር፡ ‘ንእከይ ተግባራቶም ደው ከብሉ’ ብትሪ መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉ ተፈሊጡ።

ንሶም ኣብ መልእኽቶም፡ ‘‘ነቲ ብገለ ፖሎቲከይናታትን ኅብረት ነጋዶን’ቲ ሃገር ኣንጻር ወጻእተይናታት ዝገበርዎ ጸለመ፡ ብሰንኪ ገለ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ደቂ ዓዲ ዝተላዕለ ‘ብዙሓት ፋብሪካታት ንደቂ ዓዲ ገዲፎም፡ ንወጻእተይናታት ከም መራሕቲ መካይን ኮይኖም ክሰርሑ ስለዝቖጽሩ ብዘይ ስራሕ ተሪፍናʼ ዝብል ዘይተጸንዐን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ስምዒታዊ ሓሳብ እዩ፡’’ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ቅኑዕን ሓቀይናን ዝኾነ ዝርርብ የድሊ

ሓደ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጨንፈር መራኸቢ ብዙኀን ንመንግሥቲ’ቲ ሃገር ኣመልኪቱ ʽመንግሥቲ፡ ካብ’ቲ ከማልኦ ዝግብኦ`ሞ ዘይገበሮ ዕዮ ምብጽጻሕ ቀረብን፡ ምኽፋት ናይ ስራሕ ዕድልን ንምህዳምʼ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነቶም ንመጥቃዕቲ ዘለዓዓሉን፡ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞምን ዘይሃሲ፡ ቅኑዕን ሓቀይናን ዝርርብ ክግበር ጸዊዖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 September 2019, 18:56