ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ካብ ማድሪድ፥ ዓለም ናይ ሓባር ቤት ምዃኑ ክስትውዓል ጻውዒት የቕርቡ

ንኽላቐቕን፡ መላእ ሃብቲ ተፈጥሮ ንዅሉን ናይ ኵሉን ናይ መጻኢ ትውልዲ እውን ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ ዝተሓደሰ ኣገባብ ክነቓቓሕ

ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 15 መስከረም ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብመሰረት ናይ ኣሲዚ መንፈስ ምንቅስቓስ ቕዱስ ኤጂዲዮ ምስ ናይ ማድሪድ ርእሰ ሰበኻ ብምትሕብባር “ዶብ ኣልቦ ሰላም - ሃይማኖታትን ባህልታን ኣብ ዘተ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ቀጻሊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንኽካየድ ብዅሎምም ተጋባእያን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ከምእተወሰነ ተመልኪቱ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መላእ ተጋባእያን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ናይቲ ካብ ሰናይን ርኹብን ሕይወት ተነጺሉ ኣብ ድኽነት ናይ ዝነብር ሰብ ድምጺ ናቶም ገይሮም፡ ኵሉ ነቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ካብኡ ሓሊፉ እውን ዓለም ከም ውዳቕ ዝሓስቦን ኣደዳ ዓመጽን ኣሳዶን፡ ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ ስለ ዝዀኑ ውርደትን መከራን ንዘጋጥሞም ቅርበቶምን ደገፎምን ኣረጋጊጾም፡ እንነብረሉ ዓለም-ምህዳር እዋናዊ ሰብ ብስስዔ ብዝምራሕ ዓይነት ኣነባብራ ንመጻኢ ትውልዲ ብዘይሓስብ ኣገባብ ሕይወት ካብ ምንባር ንኽላቐቕን፡ መላእ ሃብቲ ተፈጥሮ ንዅሉን ናይ ኵሉን ናይ መጻኢ ትውልዲ እውን ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ ዝተሓደሰ ኣገባብ ክነቓቓሕን እቲ ማእለያ ዘይብሉ ማህሰይትን ውድመትን ዘስዓበን ዘስዕብን ዘሎ ግብረ ሽበራን ሓደ ሃገር ኣብ ልዕሊ ካእል ሃገር ምልልዓልን ወይ ውን ብሔርተይናነትን ብጠቕላላ እቲ ናይ ሰላማ ሕሊሚ ዝሓክኽ ክወገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዘተን ምትሕብባርን ነቲ ኵሉ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸገም መፍትሒ እዩ፡ ስለዚህ ኵለን ሃይማኖታት ተጋባእያን ዓውደ ጉባኤ ማድሪድኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምን ዓለም ሰብኣዊ ስድራ ቤትን መላእ ተፈጥሮ እትሓቁፍ ናይ ሓባር ቤት ምዃና ዝኣምንን ዘተን ምክብባርን ዝብልን እዩ፡ ናይ ፖለቲካ ዓለም ነዚ ኣስተውዒሉ ነዚ ጻውዒት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክቕበልን ብጥምየት ንዝሳቐዩን ህሙማንን ዝተነጸሉን ቆላሕታ ገይሩ ናይ ኩሉ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ምሰል ክኽበር ኣብ ዝብል መሰረታዊ ዕላማ ክተግሁ የተሓሳስቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ፥ ንሕዝብታት ኣማዞን ኣብዚ እዋን ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ኣግራብን ሓምላይ ሃብቲ ዘባድም ዘበለ ኵነት ኩሉ ክብድህ ቅርበቶም ገሊጾም ክንክን ምህዳር ናይ ኩሉን ንዅልን ረብሓ ኣለዎ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መክፈቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእን ሓደስቲ ፈላላይ መናድቕን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ዝዀነ ሰላም የሳቕይ ገሊጾም፡ ሰላም ዝኣመተ ጸሎትን ዘተን ኣገዳሲ ከምዝዀነን፡ ውፅኢቱ ይቐልጥፍ ይደንጉይ ርጉጽ እዩ ቢሎም፡ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላለፈ ናይ ዘተን ናይ ምርኻብን ባህሊ ክቕጽል ሓደራ ከምዝበሉ ይዝከር።

ንናይ ሕዝብታት ሰናይ መጻኢ ብዝብል ምስምስ ኣሕዛብ ምግምማዕ ዶባት ምዕጻው፡ ሓደ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሕዝቢ ዘለዓዕልን ድጋፍን እንገዳን ንዘድልዮም ኣሕዋትን ኣባይቲ ስድራን በራትካ ንምዕጻውን ንዘይ ምእንጋድን ዝዳርግ ዘበለ ኵሉ ጸረ ሰብኣዊ ኪደት ክውገድን፡ ስለዚህ ናይ ሓባር ቤትና ፍቕርን ምክልኻልን ምኽባርን ይሓትት ቢሎም፡ ልክዕ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ፍጥረት ሰላምን ሕውነትን ይምሕጸን ኣሎ ከምዝበሉ ይዝከር።

ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ካብ ማድሪድ
19 September 2019, 09:59