TOPSHOT-BRAZIL-FIRE-AMAZON TOPSHOT-BRAZIL-FIRE-AMAZON 

ኣብ ኣማዞን ሳይበርያ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ሓደጋ ባርዕ ብምቁጽጻር ተፈጥሮ ንዓቅብ! ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ

ብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ፡ ኣብ ኣማዞን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሳይበርያን ኣፍሪቃን ወሲካ፡ ካብ ዝኽሰቱ ባርዓት ሓዊ ስዒቡ፡ ኣብ ላዕለዋይ ንፍቀ-ክቢ ዓለምናን ኣላስካን ክፍጠሩ ካብ ዝኽእሉ ዓለም-ለኻዊ ምውሳኽ ሙቐት ኣተኲሮም፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣብ ምዕቃብ ተፈጥሮ ክነጥፍ ጸዊዕም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ዝኾኑ ብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለምና፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ግዝያት ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡን ዝቖሰሉን ግዳያት ኣብ ጸሎቶም ብምዝካር፡ ንነፍስወከፍ ኣማኒን ደላይ ጽቡቕን፡ ኣነባብርኡ ክምርምርን፡ መዓልታዊ እንታይ ከምዘህልኽን፡ ኣብ ሕይወትና ቀዳምነት ክንህቦም ዘሎና ነገራትን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ኣተኲሮም ብጥንቃቐ ከነድህበሎም ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ‘ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዛዕባ ናይ ዓበይቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዓለምና ኣመልኪቱ፡ ኣብ ፕላኔትና ዝብሃል መጽሐት ዝተጻሕፈ ሓቤሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ ኮይኑ፡ ካብ ፑሉቭያሊ ናይ ኣማዞንን ምድረበዳታት ኣፍሪቃን፡ ክሳብ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብበረድ ዝሽፈኑ ከባቢታት ናይ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ዓለምናን ኣላስካን ከምኡ`ውን ነተን ከም በዓል ስፓኛን ሳይበርያን ዝኣመሰላ ኣዝየን ርሑቓት ሃገራት ከይተረፈ ዘጠቓልል’ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዓለማዊ መጽናዕቲ-ሥነከባቢ ኣብ ሓደጋ ይርከብ

ብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ፡ ንናይ ቀጻሊ ምቅይያር ኣየር ኣመልኪቶም ‘ኣብ ነፍስወክፍ ወርሒ ዝምዝገቡ ዘለዉ ምውሳኽ ሙቀት፡ ምኽንያት ህልቂትን ጥፍኣትን ናይ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ሕይወትን ኣነባብራን ናይ ደቂ ሰባት ብቐጻሊ ብዙሕ ለውጢ ብምግባር፡ ንሥርዓት ሥነከባቢ ዓለምና ናብ ኣዝዩ ሓደገይና ኩነታት ኣውሪድዎ ከምዘሎ’ ገሊጾም።

ኣገዳስነት ናይ ኣግራብ

ኣብ መብዝሕትኡ ኩርናዓት ዓለምና ይብሉ፡ ብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ፡  ‘እቶም ብዝያዳ፡ ብሰሪ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምብራስ ዝርከቡ ኣግራብ ዓለምና እንክኾኑ፡ ኣብ ቀጻልነት ሕይወትና ነፍስናን ኣዝዮም ኣገድስቲ ምዃኖም ንምግላጽ፡ ኣገዳስነቶም ክንዮ ኣብ ጽባቐን ቁጠባን ዘበርክትዎ ጥቕሚ፡ ኣብ ምስትኽኻል ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዘበርክትዎ ተራ፡ መተካእታ ዘይርከቦ ብሉጽ ኣስተዋጽኦ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ነዚ ተረዲእና ኩላትና ኣግራብ ናይ ምዕቃብን ምትካልን ዓበይቲ ተበጉሶታትን ባህልን ብምጥራይ ንዘሎና ዓቢ ሽግር ናይ ዓለምና ምውሳኽ ሙቐት ክንቆጻጸሮ ኣሎና’ ኢሎም።

ሓባራውያን ተበግሶታት

ብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ፡ ነት ብሰንኪ ምውሳኽ ናይ ምትፋእ ካርቦንዳዮክሳይድ ዝስዕብ ጉድኣት ኣመልኪቶም’ውን፡ ቀሊል ጉዳይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ‘ኣብ ምዕናው ናይ’ዚ ውሱን ዝኾነ ተፈጥሮን ናይ ፕላነትናን፡ ብማንም ዘይግሃስ ክብሪ ግርማ ባህርያዊ ጽባቔኡን ሃስያ ከምዘለዎ ተገንዚብና፡ ኣብ`ቲ ካብ ዕለት 1 መስከረም ናይ 2019 ጀሚሩ ብዛዕባ ምዕቃብ ተፈጥሮ ዝካየድ ጉባኤ ናይ ሓድነት ቤተክርስትያን፡ ብቅድስነቶም ብዕለት 10 ነሓሰ 2015 ዝተመስረተ እንክኸውን፡ ንመበል 5ይ ግዜኡ ይበዓል ከምዘሎ ተፈሊጡ።  ኣብ`ቲ ዝግበር ጉባኤ ብዙሓት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዛዕባ ምዕቃብ ተፈጥሮ፡ ብብፁዕን ቅዱስን ፓትሪያርክ በርጠለሜዎስ ዝተኻየዱ፡ ዝተፋላለዩ ንጥፈታት ክቐርቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣፍሪቃ`ውን ትነድድ ኣላ

ሽሕ’ኳ ቅድስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 25 ነሓሰ ኣብ ናይ መልኣከ እግዚኣብሔር ጸሎቶም፡ ንሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናይ ኣማዞን ኣልዒሎም እንተተዛረቡ፡ ኮይኑ ግን ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣብ መልእ ኩርናዓት ዓለምና ብሰፊሑ ይክሰት ከምዘሎ እንክገልጹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ጥራሕ 6902 ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ ኣንጎላ፡ 3395 ተመሳሰልቲ ክስተታት ኣብ ደሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ዛምቢያ ከምዝተመዝገቡ እንከዘኻኽሩ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሳይበርያ ብዝተከስተ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጥራሕ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሀክታር ስፍሓት ዘለዎ ጫካ ከምዝነደደ እንክፍለጥ፡ ብፍላይ ኣብ ደሴት ካናሬ ከልል ሞንቱዎሳ ዝርከብ ክሩዝ-ደ-ተጀዳ ዝተባህለ ቦታ ብዝያዳ ከምዝተሃስየ ተፈሊጡ። ብዘካኡ’ውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ግሪንላንድን ኣላስካን እቲ ክስተት ከምዝተመዝገበ ተሓቢሩ።

ብድምጺ ንምክትታል
26 August 2019, 18:11