ድለ

2019.03.04 መንግስቲ ኤርትራ ኣመንቲ ክርስትያን ከምዝኣሰረን፡ ትካላት ቤተክርስትይና ከምዝሃገርን ገና ክህግር ከምዝኽእልን ብምሕሳብ ብጸሎት ይነቕሑ! 2019.03.04 መንግስቲ ኤርትራ ኣመንቲ ክርስትያን ከምዝኣሰረን፡ ትካላት ቤተክርስትይና ከምዝሃገርን ገና ክህግር ከምዝኽእልን ብምሕሳብ ብጸሎት ይነቕሑ! 

መንግስቲ ኤርትራ 150 ክርስትያን እንክኣስር፡ ካቶሊካውይን ቤትትምህርታት ከይህገር’ውን ይስጋእ!

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 2 ኣዋርሕ ጥራሕ ብሰንኪ እምነቶም 150 ክርስትያን ከምዝኣሰአረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ጎድን- ጎድኑ’ውን ኣብያተ ጥዕና ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝሃገረን፡ ሕጅ’ውን ገና ምህጋር ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊከካዊት ቤተክርስትያን ከይቅጽል ስግኣት ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ የመልክቱ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ኣስታት 150 ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ከምዝተኣስሩ እንክሕበር፡ እቶም 70 ካብኣቶም ብዕለት 23 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ከረን ከምዝተኣስሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ 80 ክርስትያን ድርሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ብዕለት 18 ነሓሰ 2019ዓምፈ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ጎዳይፍ ዝተባህለ ከባቢ ተወሲዶም፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከምዝተላእኩን እንክፍለጥ፡ ብድሕሪኡ ግን ኣበይን ከመይን ከምዘለዉ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተሓቢሩ።

ክርስትያንዊ እምነቶም ንክኽሕዱ ከምዝተሓተቱ

ብዕለት 16 ነሓሰ፡ 6 ኣመንቲ ከርስትናን ናይ መንግስቲ ሰራሕተይናታትን ዝኾኑ ምእመናን ብሰንኪ እምነቶም ብሓይሊ ተኣሲሮም ናብ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤትፍርዲ ከምዝቐረቡን እንክፍለጥ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ብምፍርራሕ እምነቶም ንኽክሕዱ ከምዝሓተቶምን፡ ብዝህብዎ መልሲ መሰረት ኣብ ልዕሌኦም ውሳኔ ከሕልፍን ምዃኑ ከምዝገለጸሎምን ተፈሊጡ።

ብዕለት 23 ነሓሰ 70 ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ውሽጢ መሬት ኣብ ዝርከብ ገለረያ ከምዝተኣስሩ እንክፍለጥ፡ ካልኦት 70 ኣባላት ቤተክርስያን-ተልእኾ እምነት(Faith Mission) ዝኾኑ ኣመንቲ ኣብታ ብዕብየታ ካልኣይቲ ዝኾነት ከተማ ከረን ከምዝተታሕዙን ተመልኪቱ። 35 ካብኣቶም ደቀንስትዮ፡ 10 ከኣ ሕጻናት ከምዝነበርዎም እውን ተሓቢሩ። ነቶም አመንቲ ምስ ሓዝዎም ናብ ሓሽፈራይ ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሓንጸ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ይግለጽ።

5 መነኮሳት ካህናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ተኣሲሮም

ብዘይካኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ 5 መነኮሳት ካህናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብሓይሊ ከምዝኣሰረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኾና ዳኒኤላ ክራቨዝ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ገለ ክገብራ ዝደፋፍአን እንክኸውን፡ ኩሎም ብሰንኪ ሃይማኖቶምን እምነቶምን ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ብህጹጽ ክፍትሑ ከምዝጽውዐ ይዝከር።

ኩሎም ሃይማኖታት ኤርትራ ይሳደዱ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ነተን ኣብ’ቲ ሃገር ነዊሕ ሱር ዝጸንሐን ሃይማኖታት ጥራሕ ኣፍልጦን ተዛማዲ ተጻዋርነትን ከምዝህበን እንክሕበር፡ ነተን ድሒረን ናብ’ቲ ሃገር ዝኣተዋን፡ ውሑዳት ተኸተልቲ ዘለዉወንን፡ ማለት ከም ተኸተልቲ እምነት ጰንጠቆስጣልን፡ መጥምቓውያን ወይ ባፕቲስን ግን፡ ብኣዋጅ ኣብ 2001ዓምፈ፡  ከም ዘይሕጋውያን እምነታት ጌሩ ከምዝቖጽሮምን ከምዝፍለጠ፡ ግዝያዊ ወኪል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ንቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እንክሕብሩ፡ ኣስዒቦም’ውን ኣብ’ቲ ሃገር ብዙሓት ናይ ትሕቲ መሬት ቤትማእሰርትታን ኮንተይነራትን ከምዘለዉ፡ ብዙሓት ኣብ’ቲ ቦታ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብምዝርራብ ከምዘረጋገዝጹ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ምህጋር ኣብያተ ጥዕና ናብ ቤትትምህርታት ከይልሕም ይስጋእ

ኣባ ሙሴ ዘርአይ ንምህጋር ኣብያተ ጥዕና ኣመልኪቶም፡ ኣብ ዝሓለፉ ወርሓት ሰነን ሓምለን፡ መንግስቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኣፍልጦ፡ 29 ብካቶሊካውት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዓበይትን ናእሽቱን ኣብያተ ጥዕና ብሓይሊ ከምዝሃገረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ናብ ምህጋር ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ኣብያተትምህርቲ ከይቅጽል ስግኣት ኣሎ እንክብሉ ስክፍትኦም ከምዝገለጹ እንክሕበር፡ እቶም ቤትትምህርታት ብቁጽሪ ክሳብ 150 ዝበጽሑ ኮይኖም፡ 50 ካብኣቶም ናይ መባእታን፡ ማእከላይን፡ ካልኣይን ደረጃታት ኣገልግሎት ትምህርቲ ዝህቡ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 100 ዝኾኑ ከኣ መዋዕለ ሕጻናት ከምዝኾኑ ክቡር ኣባ ሙሴ ኣፍሊጦም።

ኣብ መወዳእታ ክቡር ኣባ ሙሴ፡ ኣብ`ቲ ሃገር ንዘለዋ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣመልኪቶም ‘’እተን ኣብ’ቲ ሃገር ዘለዋ ትካላት ኣብያተ ጥዕናን ትምህርትን፡ ንመላእ ሕዝቢ’ታ ሃገር ዓቢ መስተርሖት ዝፈጠራ እንክኾና፡ መብዛሕትአን ኣብ ገጠራትን ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታትን’ቲ ሃገር ዝተደኮና ኮይነን፡ ብዘይከአን ኣብ`ቲ ከባቢ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ኣግለግሎት ዝህባ ትካላት ዘይርከባሉ ናይ ድኻታት ሓረስቶትን ጓሶትን ስፍራ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 August 2019, 19:42