ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ዛዕባ ጥምየት ኣብ ዓለምን መግለጺ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ዛዕባ ጥምየት ኣብ ዓለምን መግለጺ ቅድስቲ መንበርን 

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ዛዕባ ጥምየት ኣብ ዓለምን መግለጺ ቅድስቲ መንበርን

ጠንቂ ጥምየት ዘበለ ሰብኣዊ ምኽንያት ዘበለ ኵሉ ኣለሊኻ፥ ዓመጽ ድዩ ግጭት ውግእን ዝኣመሰሉ ምውጋድ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ልዕሊ 820 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ዓለም ብቑዕ ዕለታዊ መግቢ ከምዘይረኸበ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ መግብን መግባውን ውሕስነት ኣብ ዓለም ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ጉዳይ ዝከታተል ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቺካ ኣረላኖ፥ ሕብረተሰብ ዓለም ድኻታት ኣሕዋት ንምድጋፍን ካብ ድኽነት ንኽላቐቑ ብቑዕ ጻዕሪ ከምዘይገበረ ዝግልጽ ሰነድ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ወድብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ መደብ ልምዓት መዋሊ ውድብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግባዊ መርሓ ግብሪ ውድብን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቺካ ኣረላኖ ዕለት 15 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ነው ዮርክ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ወድብን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ መደብ ልምዓት መዋሊ ውድብን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግባዊ መርሓ ግብሪ ውድብን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮን ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕናን እቲ ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ናብ ባዶ ንምውራድ ዝብል ካብ 2030 ዓ.ም. መግብን ዝተመጣጠነ መግብን ውሑስ ምግባር ዝብል ናይ ዓለም ሓቆፍ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዘጠቓልሎ ሸቶ ከይዱን ምዕባለታቱን ዝሕብር ናይ መግብን መግባውን ውሕስነት ኣብ ዓለም ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ብወግዒ ዝቐረብኦ ጸብጻብ 2019 ዓ.ም. ኣደጊፎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡

ናይ ጥምየት ጭካነ መግለጺ ጸብጻብ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥምየትን ስእነት መግብን ኣብ ዓለም ከም ዘይወረደን ኣብ 2018 ዓ.ም. 820 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብቑዕ መግቢ ከምዘይረኸበን እዚ ብዝሒ’ዚ ምስ ናይ 2017 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብትሽዓተ ሚሊዮን ክብ ከምዝበለን ኣብ ዓለም ዝውለዱ ሕጻናት ክብደተ ሚዛኖም ትሕቲ ወግዓዊ መስፈር ኰይኖም ናይ ዝውለዱ ብዝሒ 20.5 ሚሊዮን ከምዝዀኑን፡ እዚ ከኣ ካብ ሸውዓተ ሓደ ሕጻን ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዀኑ ብስእነት ዝተጠማጠነ መግቢ ዝሳቐዩ 148,9 ሚሊዮን ከምዝዀኑን፡ ብክቱር ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ 49,5 ሚሊዮን ከምዝዀኑን ብፍላይ ጥምየትን ስእነት መግብን ኣብተን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ደንጓዪ ኣብ ዝዀነለን ሃገራትን ኣብቶም ብማእከላይ እቶት ኣብ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረትሰብን ኣብቲ ካብ ዓለም ሓቆፍ ንግድ ወይ ቀረብ መባእታዊ ሃብቲ ተፈጥሮ ጽግዕተይና ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጥምየትን ስእነት መግብን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ቀጥዒ ኣልቦ ክብደት ሰብነት እውን ይሰፍሕ ከምዘሎን፡ ብፍላይ ኣብ ሕጻናት ክፍሊ ሕብረተሰብን መንእሰያትን። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብስእምነት መግቢ ኣዚዩ ዝጥቕዓ ክፍሊ ሕብረተሰብ ደቀንስቶ ከምዝዀናን እዚ ብዓቢዩ ኣብ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ዝረአይ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣደጊፎም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቺካ ኣረላኖ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን መታን ክንክይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘካይዶ ጻዕሪ ከበራትዕ እዩ ዘለዎ፡ ብፍላይ እቲ ኢደ ሰብ ምኽንያት ዝገበረ፡ ማለት ዓመጽን ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ብከላ ከባቢ ኣየርን ምሕዳርን ዝኣመሰሉ፡

ሓገዝ ዝጸውዕ ገዓር እስያን ኣፍሪቃን

እቲ ብስእነት ዝተመጣተመ መግቢ ዝሳቐ ኣብላጺ ሕዝቢ ልዕሊ 500 ሚሊዮ ዝግመት ኣብ እስያ ዝነብር እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ደብባዊ ዞባ እስያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ስእነት ዝተመጣተነ መግቢ ኣዚዩ ኣብ ዘሰንብድ ድረጃ ከምዝበጽሔን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ እቲ 30.8 ሚእታዊ ብስእምነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዔ እዩ፡ ክንየው ምዝባዕ ኣየርን ውጥረትን ውግእን፡ ሕዝቢ ዓለም ብሓባር እቲ ኣብ ዓለም ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ንምውጋድ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምብኻን ብምውጋድ ኣስተዋጻኦ ከበርክት ይኽእል፡ ስዒቡ እውን ናይ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ባህሊ ምብርታዕ፡ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዓቕምን ሃብትን ምውፋይ፡ እዚ ጥምየት ንምውጋእ ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት እዩ ኢሎም።

እቲ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ንምውጋድ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይካየድ ምዃኑን ድኻታት ኣሕዋት ንምድጋፍ ዘድሊ ምትሕብባርን ይካየድ ከምዘየሎ ዘረጋግጽ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘጓንፍ ብድሆ ኣዚዩ ዓቢይ ምዃኑ የመላኽት፡ ከም ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍን ብውልቅን ጥምየት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እጃምና ከነበርክት ዝሓትት ጸብጻብ እውን እዩ፡ ኣብ እስያ 513,9 ሚሊዮን ብስእነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃ 256,1 ሚሊዮን ኣብ ላቲን ኣመሪካ 42,5 ሚሊዮን ብጥምየት ይሳቐይ፡ ልዕሊ 672 ሚሊዮን በጽሒ ወለዶ  ብሩግዲ ሰብነት ዝተጠቕዔ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ዓለም በቲ ሓደ ሸነኽ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ብኻልእ መዳይ እውን ዘይጥዑይ ኣመጋግባን ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ፡ ስለዚህ ምስ መግቢ ዝተሓሓዘ ሽግር ንምውጋድ ጠንቂ ጥምየት ዘበለ ሰብኣዊ ምኽንያት ዘበለ ኵሉ ኣለሊኻ፥ ዓመጽ ድዩ ግጭት ውግእን ዝኣመሰሉ ምውጋድ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ብውልቅን ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብኣዊ ደረጃ እቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ክሳብ 2030 ዓ.ም. ምርግጋጽ ዝብል ሸቶ ንምርግጋጽ ዝሕብር እዩ፡ ዝዀነ ጸገም ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዘክእል ሓበሬታ ብውሽጡ ዝሓዘ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓፈሻዊ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፡ ናይ ሓደ ሰብ ሽግር ናይ ኵሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣይምልከተንን ዝብል ዓይነት ከይዲ ክውግድ ከምዘለዎን ግቡእን ሓላፍነት ዝዓሰሎ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ማያትን ሃብቲ ተፈጥሮን ብጠቕላላ ኣብ ምምራት መግብን ዝርጋሔኡን ምክፍፋሉን ቅኑዕን ፍትሓውን ከይዲ ምትግባር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራ መግቢ ክጓሓፍን ኣብ ካልኦት ሃገራት ከኣ ብስእንነት መግቢ ሕዝቢ ይሳቐይ፡ እዚ ኢማዕርነታዊ ጉዳይ’ዚ ብሓቒ ዓቢይ ጭካኔ እዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምትሕልላይን ዕሴት ብትብባዕ ካብኡ ንላዕሊ ፍትሓውነት ምሕያልን የድሊ እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ጠቒሶም ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቺካ ኣረላኖ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ዛዕባ ጥምየት ኣብ ዓለምን መግለጺ ቅድስቲ መንበርን
17 July 2019, 16:48