ዕግርግርን ሁከትን ኣብ ሱዳን! ዕግርግርን ሁከትን ኣብ ሱዳን! 

ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ጎነጻዊ ወተሃደራዊ መልሲ ተዋሂብዎ

ትማሊ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓምፈ፣ ኣብ ሱዳን ኣንጻር ንውልቀ መላኺ ነበር ዑመር ኣልበሽር ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ወተሃደራዊ በዓልስልጣን፣ ስልጣን ንሕዝቢ ከረክብ ዝጠልብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብወተሃደራውን ጎነጻውን መንገዲ ምላሽ ብምሃብ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ሞት ኪኾኑ ከምዘቃልዖም፣ ኣልባንያዊ ኣባ ጁልዮ ሓቢሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ትማሊ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝተግብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብትእዛዝ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ብሰንኪ`ቲ ብጎነጽን ብጠመንጃን ዝተመለሰሎም ግብረመልሲ ሸውዓልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዘይካኦም 200 ሰባት’ውን ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ። እዚ ብሱዳናውያን ሰላማውያን ሰባት ዝካይድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣንጻር ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝተገብረ ሕዝባዊ ናዕቢ፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተረኽበ ምእላይ ናይ ውልቀመላኽነት ስልጣን ዑመር ሓሳን ኣልበሽር፣ ንዝነበረ ህሉው ኩነታት ኣምቢቡ ናብ ስልጣን ዝደየበን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎን ወተሃደራዊ ኪዳን ከዝኾነ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብዓብደል ፋታሕ ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን፣ ነቲ ዝነበር ሃጓፍ ናይ መሰጋገሪ ጊዜ መሊኡ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ስልጣን ናብ ሕዝቢ ከረክብ’ኳ ቃል እንተኣተወ፣ ኮይኑ ግን ካብ ግዜ ናብ ጊዜ ኣካይዳኦም ናብ ፍጹም ጎነጻውን ኣብ ስልጣን ምብሓትን እናተለወጠ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፣ ብፍላይ ኣብ ዕለት 3 ናይ ወርሒ ሰነ ብኣባላት ፓርላማ ዝተወደበ፣ ኣብ ቅድሚ ቤትጽሕፈት ናይ`ቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መሰጋገሪ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ሕዝቢ ክመሓላለፍ ዝጠልብ ብምንባሩ ብኢሰብእዊ ኣገባብ ግብረመልሲ ብምሃብ ንልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ሰልፈይናታት ግዳይ ሞት ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ። ትማሊ ብምኽንያት ዝኽሪ ናይ 30 ዓመት ምድያብ ናብ ስልጣን ናይ ዑመር ኣልበሽር፣ ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታት ሱዳንን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብዓብደል ፋታሕ ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን፣ ብዘይቅድመ ኩነት ስልጣን ንሲቪላዊ ሕዝቢ ከረክብ ዝጠልብ ምንባሩ ብምሕባር፣ ሱዳን ኣስታት 40 ሚልዮን ሕዝቢ ዝቕመጡዋ ሃገርን፣ ንነዊሕ ጊዜ ብዝነበረ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ብቁጠባ ኣዝያ ተሃስያ ምንባራን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ረብሓ ሃገራት ኣዕራብን ኣካይዳ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን`ውን ኣብ`ቲ ሃገር ብዙሕ ተጽዕኖን ሕልኽላኻትን ከምዝፈጠረ ናይ ኣፍሪቃ ሊቅን ዳይረክተር ናይ መጽሔት ሕዝብን ሓዋርያዊ ተልእኾን ዝኾነ ኣልባንያዊ ኮምቦናዊ ካህን ኣባ ጁልዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለምልልስ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ምስ ኣባ ጁልዮ ዝተገብረ ቃለምልልስ፣ ሱዳን ካብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019ዓምፈ ዝተፈጸመ ካብ ሥልጣን ምውራድ ናይ ኣልበሽር ጀሚራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገይና ኩነታት ከምዘላ ብምሕባር፣ ብፍላይ ንኩነታት ፖሎቲካ ኣመልኪቱ፣ ኣብ’ዚ ጊዜ`ዚ ሱዳን ብኽልተ ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ተወጢራ ከምትርከብ ገሊጹ።  ዝበዝሑ ሕዝቢ ሱዳን ንፍጹም ሲቪላውን ደሞክራሳውን ሥርዓት ምትካል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ኪዳን ግን ሱዳን ምስ ሃገራት ኣዕራብ ማለት ምስ ሱዕዲ ዓረብን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝነበራ ርክብ ክዕቀብን፣ ካብኣተን ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ቚጠባዊ ሓገዛት ከየቋርጽን ነቲ ቀዳማይ ሥርዓት ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲ ክኽተሉ ዝብሉ ምዃኖም ኣብሪሁ። እዚ ከምዚ እንከሎ እቲ ኣዝዩ ዘስግእ ግን ምስቲ ኣብ መሪሕነት ሥልጣን ዘሎ ሓዲሽ ጒጅለ ኣቀዲሙ ኣብ ዳርፉር ብዙሕ ሰብአዊ ግህሰት ዝፈጸመ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝበሃል ናይቶም ጃንጃዊት ዝበሃሉ መሊሻ ሓሊፋ ዝነበረስ ይኹን ካልኦት ኣብ ናይ ጸጥታ ጉዳያት ብዙሕ ዝሕመዩ ዓቃባዊ እስልምና ዘደንፍዑ ስለዝኾነ መጻኢ ናይ ሱዳን ብሩህ ኣይኮነን እንክብል ስኽፍታኡ ገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 July 2019, 16:13