ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ህልቀት ሰረብረኒካ፡ ካብቲ ቁስሊ ንምሕዋይ ገና

ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 16 ሓምለ 1995 ዓ.ም. ብጀነራል ርትኮ ምላዲች ዝምራሕ ዝነበረ ብሰርቢያ ቦዝኒያዊ ሓይሊ ምክልኻል ኢድ ዝተቐትሉ

ዕለት 11 ሓምለ 1995 ዓ.ም. ሰርቢያ ቦዝኒያዊ ሓይሊ ምክልኻል 8 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ክሕለው ዝነበሮ ንሞት ዛዳረግሉ ሎሚ መበል 24 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቦስኒያ ልሂቅ ዓቢይ ሙፍቲ ቸሪች፥ ሎሚ እውን እንተዀነ ሰርቢያ ቦዝንያውያን እቲ ዝተፈጸመ ሕልቂት ይኽሕድዎ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ቦስናውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ነቲ ዝተፈጸሞም ግብረ ህልቂት ሕነ ንምፍዳይ ኣብቲ እዋን ኰነ ደሓር እውን ብዘይ ምልዕዓሎም ብሓቂ የሐብነና ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሰረብረኒካ ዝተፈጸመ ሕልቂት ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ተራእዩ ዘይፍለጥ ምንጻት ዘርኢ ሰብ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካብ 2003 ዓ.ም. ክሳብ 2018 ዓ.ም. 6,610 ዝተቐትሉ ተለልዩም ግብኡ ናይ ቀርቢ ስነ ስርዓት ከምእተፈጸመሎን ዓለም ሓቆፍ ስልጣን ከምዝሕብርዎ ግና ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 16 ሓምለ 1995 ዓ.ም. ብጀነራል ርትኮ ምላዲች ዝምራሕ ዝነበረ ብሰርቢያ ቦዝኒያዊ ሓይሊ ምክልኻል ኢድ ዝተቐትሉ ብጠቕላላ 8,372 ምዃኖም ይንገር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጀነራል ምላዲች ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ገብን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ጥረት ዘጻርይ ቤት ፍርዲ ንሕልፈት ከምዝፈረዶም ይዝከር።

ድሕሪ ክባ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብታ ከተማ 40 ሺሕ ተቐማጦ ከምዝነበሩ

ናይ ሎሚ 24 ዓመት ናይ ምላዲች ወተሃደራት ኣብ ሰረብረኒካ ከተማ ብምእታው ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ነታ ኣብ 1993 ዓ.ም. ብሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሕልውቲ ከተማ ተባሂላ ትግለጽን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ትሕለው ዝነበረ ክነሳ ብጠቕላላ ብጀነራል ምላዲች ዝምራሕ ዝነበረ ሓይሊ ምክልኻል ብሕቡእ ቅትለት እናፈጸመ ካብ 15 ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ እናፈለዩ ይቐትሉ ከምዝነበሩ ናይ ታሪኽ ሓቂ እዩ።

ኣንስትን ሕጻናት ናብ መዳጐኒ ሰፈር ደቂ ተባዕትዮን መንእሰያትን ንማሕረድቲ

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዝህብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ናይ ሓባር ናይ መቓብር ጉድጓድ ክልለይን፡ ዝተቐትሉ ኵሎም ኣብ ሓደ ዓቢይ ጉድጓድ ይቕበሩ ከምዝነበሩን በቲ ዝቐርብ ዝነበረ ምስክርነት መሰረት ኵሉ ተጻርዩን ዝተቐትሉን ዝተቐብሩን ተለልዮምን ግቡእ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምእተፈጸመሎምን ነዚ ጭቡጥ ምስክርነት ኣደጊፉ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ጸረ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት 20 ተኸሰስቲ ካልኦት 50 ብናይ ሳራየቮ ቤት ፍርዲ ብሰብኣዊ ፍጥረት ብናይ ምጽናት ገበን ተኸሲሶም ከምዝቐረቡን ካልኦት 13 ዓበይቲ ኣዘዝቲ ሓይሊ ምክልኻል ሰርቢያን ናይ ሰርቢያ ቦስኒያ ናይ ፖለቲካ መራሒ ራዶቫን ካራዲዚች ክሳብ ዕለተ ሞት ከምእተፈርዱ ይዝከር።

ቦዝንያዊ ዓሌት ንምጽናት

ኣብ 2007 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ፡ ቦዝንያዊ ዓሌት (ብዝንያዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና) ንምጽናት ዝተፈጸመ ግብረ ሕልቀት ክብል ነቲ ገበን ሰይሙ ዕለት 27 ሰነ 2017 ዓ.ም. ብከፊል እውን ኣብቲ እዋን ናይ ዓለም ሓቆፍ ዓቃቢ ሰላም ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ናይ ሃገረ ሆላንድ ሓይሊ ምክልኻል ነቶም ኣብቲ ናይቲ ሓይሊ ምክልኻል መዓስክር ክዕቀቡ ንዝሓቱ ዝነበሩ ሰርብያውያን ዕቑባ ብዘይ ምፍቃዶም ዳርጋ ንቐተልት ኣሕሊፉ ከምዝሃብዎምን ዑቕባ ሂቦምዎም ነይሩ እንተዝኸውን ብዙሓት ዳርጋ ክድሕኑ ምኽኣሉ ነይሮም እንክብል ከፊላዊ ተሓታትነት ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ከምዝሃበ ይፍለጥል።

ዕለት 31 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ናይ ሰርቢያ ሕዝባዊ ባይቲ በቶም ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔርብ ዝነበሩ ሚሎሰቪች ተመሪሑ ንሓይሊ ምክልኻል ሰርቢያ ቦስኒያዊ ናይ ቁጠባ ድጋፍ ምቕራብ ዝብል ውሳኔ ብምጽዳቕ ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅተለት ህልቀት ዘርኢ ሰብ ብዝብል ስም ክይገለጸ ብድብድቡ ውጉዝ ከምዝበሉን፡ ዕለት 25 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም.  ናይ ሰርቢያ ርእሰ ብሔር ቶሚስላቭ ኒኮሊች ብቐጥታ ናይ ቦስኒያ ቢኤችኣርቲ እተሰምየ ናይ ተለቪዥን መደብ ቃለ መሕትት ኣብ ዘቕረበሎም እዋን ተንበርኪዀም ነቲ ገበን ሕልቂት ጸረ ዘርኢ ሰብ እዩ ቢሎም ብምግላጽ ይቕረታ ከምዝሓተትቱ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ህልቀት ዓቢይ ሙፍቲ ዝነበሩ ሙስጣፋ ቸሪች ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ካብ 1993 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይ ቦስኒያ ቤት እስላም ዓቢይ ሙፍቲ ከምዝነበሩን፥ ብዛዕባ ዕርቂ ክዛረቡ እነከለዉ፥ ብዝፈጸሞ ገበን ተጣዒሱ ምሕረት ዝሓትት፡ ምሕረት ይኹን ዝብልን፡ እቲ ምሕረት ሓቲቱን ምሕረት ዝተወሃቦ ብሓቂ ተጣዒሱ ኣይድገመንን ክብል ኣለዎ፡ ኣብ ቦዝኒያ ኤርዘጐቪና ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰረብረኒካ ዝተፈጸመ ሕልቂት ፈውሲ ኣይተረኽበሉን፡ ካብቲ ሓዘንን ጓህን ህልቂት ሕይወትን ምጽንናዕን ገና፡ ዝገደደ እቲ ሕልቂት ዝኽሕዱ እውን ክትራይ ኣዚዩ የጉህይ፥ እቶም በቲ ገበን ተኸሲሶም ብናይ ኣያ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዕለተ ሞት ማእሰርቲ ዝተፈርዶም ምልክታ ዓወት ገይሮም ዝሓስብዎም እውን ኣለዉ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም መቕተልቲ ዝፈጸሙ ምልክታ ውድቀት ሰብኣዊ ፍጥረት እያቶም። እምነት ጥራሕ እዩ እውነተይና ፈውሲ፡ ድሕረ ህልቂት ስዕቡ ዝነበረ ኩነት፡ እቶም ግዳይ ዝዀኑ ካብቶም ተሓተቲ ንላዕሊ ዕርቂ ክወርድ ክሓቱ ትርእን ትሰምዕን፡ ኣብ ቦስኒያ ኤርዘጐቪና ሕነ ንፍዳይ ድላይ ብዘይምልዕዓሉ ብሓቂ እሕበን ቢሎም። ሕነ ምፍዳይ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትካ እዩ ዝሓክኽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ህልቀት ሰረብረኒካ፡ ካብቲ ቁስሊ ንምሕዋይ

Photogallery

ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ህልቀት ሰረብረኒካ፡ ካብቲ ቁስሊ ንምሕዋይ
11 July 2019, 18:01