2019.05.08 ለስቮስ፡ ክራጀውስኪ፥ ሆለሪሽ፥ ሮሶላቶስ 2019.05.08 ለስቮስ፡ ክራጀውስኪ፥ ሆለሪሽ፥ ሮሶላቶስ 

ሊቀ-ጳጳስ ኣቴንስ ኣብ ግሪክ ዝግበር ምርጫ፣ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሕዝቢ ግዱድ ቀረጽን ግህሰትን ከየስዕብ

ኣብ’ታ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ንድኽነት ዝተቓልዓት ሃገረ ግሪኽ፣ ጽባሕ 7 ሓምለ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ኣመልኪቶም፣ ሊቀ-ጳጳስ ኣቴንስ ብጹዕ ሳባስትያኖ ሮስላቶስ፣ ነቲ ብብልሽው ምሕደራ መሪሕነት’ታ ሃገር ዝሰዓበ ናይ ቁጠባ ሃስያ ንምኽሓስ ብብራስለስ ኣብ እንግድዓ ድኻታት ሕዝቢ ግሪኽ ዝተስገደደ ቀረጽን በደልን ካብ ዓቕሚ ሕዝቢ ንላዕሊ ከምስኾነ ሓቢሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ድሮ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ምርጫ ናይ ሃገረ ግሪኽ ኣብ ዘለናሉ እዋን፣ ብመሰረት ኣቐዲሙ ንምሕዳስ ፓርላማ ዝተገብረ ምርጫ፣ እቲ ካብ 2015 ዓምፈ ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ብኣሌሲስ ጺጵራስ ዝምራሕ ጸጋማዊ ፖሎቲካዊ ሰልፊ፣ ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ መኽራኽርቶም ዝኾኑ ብኪርያቶስ ማጾታኪስ ዝምራሕ የማናዊ ማእከላይ ሰልፊ ብ10 ነጥቢ ተመሪሖም ማለት ማእከላይ የማናውያን 38% ክረክቡ ከለዉ ጸጋማውያን ከኣ 29% ብምርካብ ውጽኢት ምርጫ ምምዝጋቡ ዝዝከር ኮይኑ፣ ተዓወቲ ነቲ ካብ 2015ዓምፈ ኣትሒዙ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐ ብትሮይካ ዝምራሕ ሰዓቢ ጸጋማዊ ጽንፊ ዝኾነ ሰልፊ ኣብ’ታ ሃገር ብዝፈጸሞ ቁጠባዊ ብልሽውና ተሓታቲ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ ካብ ማንም ዘይሕባእ ታሪኻዊ በደል ከምዝኾነ ኩሉ ሕዝቢ ክፈልጦ ይግባእ ብምባል ምስግርነቱ ሂቡ።

ኣብ ምምራጽ ዘለዉ ብድሆታት ብሓሳብ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ሮስላቶስ

ብጽዕነቶም ሕዝቢ ግሪኽ ኣብ’ዚ ምርጫ ዓቢ ትጽቢት ከምዘለዎ ብምምልካት፣ ካብ 2009ዓምፈ ጀሚሩ፣ ማለት ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ፖሎቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ፣ ሕጂ ን6ይ ግዜኡ ምርጫ ይካየድ ከምዘሎ ድሕሪ ሓቢሮም፣ ፕረሲደንት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገሪ ግሪኽ ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ሳቫስትያኖስ ሮስላቶስ ምስ ራድዮ ቫቲካን ንዝገበርዎ ቃለምልልስ ብፁዕነቶም ‘ሕዝቢ ንድሕሪ ምርጫ ክግበር ዝጽበይዎ ኣመልኪቶም፣ ንዝጸንሐ ናይ ቀረጽ ክፍሊት ክጎድልን፣ ነዚ ኣስታት 18% ዝበጽሕ ብሽቕለት ኣልቦነት ዝሽገር ዘሎ ሕዝቢ ግሪኽ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኽፈተሉ፣ ከምኡ’ውን እዚ ብሰንኪ ሕጊ ኣልቦነት ኣብ ብዙሕ ቦታታት`ዚ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ናይ ራብሻን ዕንወትን፣ ናይ ሓሽሽን ኣምባጋንነትን፣ ብፍላይ ብየማናውያን ዝተወደበ ኣብ ዩንቨርሲታት ዝፍጸም ዘሎ ግጭትን ግህሰታትን፣ ናብ ንቡርን ስሩዕን ኣገባቡ ተመሊሱ፣ ሕዝቢ ብዘይፍርሒ ብሰላም ኣብ ሃገሩ ክነብር ዘኽእሎ ሃዋህው ክፍጠር ትጽቢት ይግበር ብምባል ሕዝቢ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም።

መጀመርያ ዝቐረበት ሕቶ ‘ኣቐዲምኩም ከምዝጠቐስኩሞ፣ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብ ሕዝቢ ግሪኽ ዘስዓቦ ሃስያን ድኽነትን ኔሩ`ዶ ትብሉ᎒’ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ብርግጽ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፣ ኣብ ኩሉ ዜጋን፣ ተቝዋማትን ከምኡ’ውን ኣብ ቤተክርስትያናትን ሃገረስብከታትን ከይተረፈን ብቑጥባ ኣዚና ኣብ ሽግር ንርከብ። ንኣብነት ሎሚ ቅነ፣ ንዞሎና ናይ ቁጠባ ሽግር ክሕግዘና ብዝብል ሓሳብ ንሓደ ናይ ቤተክርስትያን ሕንጻ ኣካሪናዮ ኣብ ዘለናሉ ጊዜ፣ እቲ ክፍሊት ናይ ክራይ ገዛ፣ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ግዜኡ ኣይተቐበልናን። እዚ ድማ ኣብ`ዚ ናይ ምርጫ ጊዜ፣ እቲ ዝነበረ ገንዘብ ንምርጫ ምእንቲ ክሕግዝዎም ንድኻታት ከምዓደልዎ ኢዩ ዘመልክት’ ብምባል ንቅንዕና ዝጎደሎን ዘይቅርዑይን ኣካይዳ ናይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ነቒፎም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ‘ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፍላይ ዝተበደለትሉ ጉዳይ ኣሎ’ዶ᎒’ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ብርግጽ ንሕና ካቲሊካዊት ቤተክርስትያን ሓለፋ ኩለን ኣብ ግሪክ ዘለዋ ሃይማኖታት ተበዲልናን ንብደል ኣሎናን፣ መኽንያቱ ካልኦት ሃይማኖታት ማለት ከም ኦርቶዶግስን ኢብረይን ጻማ ኣገልግሎቶም ብመንግስቲ ይኽፈሉ ከንሶም ልክዕ ከም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብማዕሪ ቅረጽ ይኽፍሉ፣ ንሕና ግን ካብ መንግስቲ ዝወሃበና ዝኾነ ክፍሊት ብዘይምህላዉን ካብ ዘሎና ኣታዊታት 48%-50% ንቐረጽ ስለእንኸፍሎ፣ ንሓውርያዊ ተልእኾ ዝኸውን ስለዘይተርፈና ኣዚና ንሽገር’ ብምባል ዘሎዎም ጸገም ገሊጾም።

ስዒዛ ዝቐረበት ሕቶ ‘ብወገንኩም እዚ ኣብ ሃገረ ግሪኽ ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣብ ሕዝቢ ዘስዓቦ ሽግርን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝግባእ ኣተኩሮ ዝሰኣነ ኮይኑ`ዶ ይስመዓኩም᎒’  ትብል ኰይና ብፁዕነቶም እንክምልሱ ‘ብርግጽ ዝግባእ ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ኣይብልን፣ ብሓደ ወገን እቲ ኣብ ግሪኽ ዝወረደ ሽግር፣ ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራ ናይ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ በዓል ስልጣን`ኳ እንተኾነ፣ ንሓላፍነት ናይ`ቲ ሽግር ናብ እንግድዓ ሕዝቢ ብምውራዶም፣ ኣውሮጳዊ ሕብረት ግቡእ ተርኦም ተጻዊቶም ክብል ኣይክእልን፣ ልዕሊ ኩሉ፣ ልዕሊ 6 ሽሕ መናእሰይ ተማሃሮ ደቂ ሃገረ ግሪኽ፣ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ኤውሮጳ ተሰዲዶም ይመሃሩ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ እዞም ሰባት እዚኦም ትምህርቶም ኣጠናቒቖም፣ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዓዶም ዝሓንጽሉ ሃዋህው ብዘይምፍጣሩ’ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎም ገሊጹ።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ‘ብመሰረት መግሊጺኹም እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተገብረ ውሳኔታት ንሃገሪ ግሪኽ መሊሱ ጎዲእዋ’ምበር ኣይጠቐማን ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው፣ እዚ ሕጂ ናብ መሪሕነት ንምድያብ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓድሽ ዴሞክርስያዊ ሰልፊ፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ናይ ዘይምርግጋእ፣ መፍትሒ ይረኽበሉ’ዶ ትብሉ᎒’ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ብምሰረት ንሕዝቢ ዝህብዎ ዘልዉ ተስፋ፣ ማለት ንካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ዝቕመጡ ዘለዉን፡ ንስራሕ ድሉዋት ዝኾኑን መንእሰያት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ዓዶም ዝሓንጽሉ መንገዲ ክንፈጥር ኢና ዝበሉዎ ኣብ ተግባር ክንርእዮ ተስፋ ይገብር’ ብምባል መሊሶም።

ቀጺሉ ዝሰዓበ ሕቶ ‘ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዘይተፈልጡን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾኑ ክስተታት ክመጹ ይኽእሉ`ዮም ትብሎም`ዶ ምገለጽካልና᎒’ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ብዛዕባ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ክኽሰቱ ካብ ዝኽእሉ ነገራት ክትዛረብ`ኳ ቀሊል እንተዘይኮነ፣ ኮይኑ ግን እዘን ዘለዋ ሰልፍታት፣ ሕዝቢ ሓንቲ ክገብር ክምዘይክእል ስለዝመዝመዛኦ፣ ብዙሕ ተስፋታት ይህባን፣ ብዙሓት`ውን ንሰልፍታት ይምውሉ ምህላዎም ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፣ ነታ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐት ሰልፊ ክይተረፈ ከበራትዕዋ ይረኣዩ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ገለ ካብ ናይ የማናውያን ተፈንጪሎም ከም ዘለዉን፣ ኮይኑ ግን ኣብ ዝግበር ናይ ስልጣን ውድድር ከምዘይሳተፋ’ ገሊጾም።

ኣብ መተረሽታ ዝቀረበት ሕቶ ‘ምስ ኣብ ዝሓለ ሓጺር እዋን ዝቖመ ሓድሽ መሪሕነት ናይ ኤዎሮጳዊ ኅብረት ነዛ ሃገር ብኸመይ ክሕግዝዋ ከምዝኽእሉ ኣፍልጦ ኣለዎምዶ ትብል᎒ ንዝብል ንምምላስ ‘ኣብዚ ግዜዚ ዝረአ ናይ ምሕጋዝ ምልክት እኳ እንተዘይሃለወ ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ኣቋም ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብዘይ ሕጋውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣዚዩ ኣሉታዊ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ ንሕና ብወገንና ከም ማሕበር ግብረሠናይ ኣብ ሕብረተሰብ ኣቲና ንብዙሓት ሥራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ግሪኻውያንን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ኤውሮጳዊ ኅብረትን ሓገዝ ክንሓትት ንኽእለሉ ኣገባባት ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና’ ብምባል ቃለ መሕትቱ ደምዲሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 July 2019, 18:23