ር.ሊ.ጳ. ናይ ኖበል ተሰላሚ ስተፋን ዋልተር ሀል ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከም ር.ሊ.ጳ. ናይ ኖበል ተሰላሚ ስተፋን ዋልተር ሀል ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ኖበል ተሰላሚ ስተፋን ዋልተር ሀል ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከም

ፕሮፍፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ዕለት 23 ታሕሳስ 1962 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ዝተወልዱን ካብ 1978 ዓ.ም. ምስ ናይ ስነ ህንደሳ ሊቕ ኣብኦምን መምህር ኣዲኦምን ናብ ጀርመን ዝተሰዱን ጀርመናዊ ፕሮፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ኣብ 2014 ዓ.ም. ብስነ ቀመም ናይ ኖበል ተሰላሚ

ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ቀመም ኖበል ተሰላሚ ፕሮፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎምን፡ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብ ናይ ስነ ምርምር ኪደት ዓቢይ ተፈላጥነት ዘለዎም ሊቃውንቲ ዝሓቁፍ ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሰምዩ ፕሮፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ዝተሰምዖን ሓጐስ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ሃይደልበርግ ናይ ዝርከብ ናይ ስነ ሕይወትነት ኣካላውን ስነ ቀመም ተቕዋምን ናይ ስነ ሕክምናዊ ስነ ምርምር  ተቕዋም ማክስ ላንክ ዋና ኣመሓዳሪ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ፕሮፍፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ዕለት 23 ታሕሳስ 1962 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ዝተወልዱን ካብ 1978 ዓ.ም. ምስ ናይ ስነ ህንደሳ ሊቕ ኣብኦምን መምህር ኣዲኦምን ናብ ጀርመን ዝተሰዱን ጀርመናዊ ፕሮፈሰር ስተፋን ዋልተር ሀል ኣብ 2014 ዓ.ም. ብስነ ቀመም ናይ ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ከምዝበቕዑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከም ዝሰመይዎም ምስ ተሓበሮም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንኣኦም እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ዘይጽቡይ ከምዝነበረን ዓቢይ ሓጐስ እውን ከምዝፈጠረሎምን፡ ካብቶም ኣብ ዓለም እቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ጸገም ብጥልቂ ብምልላይ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ካብ ዘቕርቡ ውሩያን ናይ ስነ ምርምር ተቕዋማት ሓደ ምዃኑ ናይ ዝፍለጥ ናይዚ ውሩይ ጳጳሳዊ ናይ ስነምርምር ተቕዋም ኣባል ምዃን ዕድልን ክብርን እዩ ኢሎም።

እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት ዘይሓሰብዎ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ከሳልጦ ዝደልዮ ዝሓንጸጽክዎ ናይ ስነ ምርምር መደባት የብለይን ይኹን ደኣ እምበር ምስ ኣባላት ናይቲ ጳጳሳዊ ተቐዋም ብምትሕብባር ዝርአይን ዝጽናዕን መደብ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ናይ ኖበል ተሰላሚ ስተፋን ዋልተር ሀል ናይ ጳጳሳዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም
24 July 2019, 17:55