ድለ

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ድጋፍ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ድጋፍ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ 

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ድጋፍ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ

ካብ 2011 ዓ.ም. ብጋሴ ውግእ ኣብ ሶሪያ ክሳብ 2018 ዓ.ም. ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ልዕሊ 30 ሚሊዮን 400 ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ዘውጽእ ናይ ሓገዝ መደብ ከምዘቕረበ

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ እቲ ናይ ምርኰን ዘይተገዳስነትን ተህዋስ ንምውጋእ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ዝርከብ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሶሪያ ውግእ ኣየቋረጸን፡ ነዚ ምኽንያ ብምግባር እውን ነቲ ብውግእን ዓመጽን ንዝሳቐይ  ዘሎ ሕዝቢ ሶሪያ ዘቕርቦ ኵለ መደያዊ ድጋፍ ብምቕጻል፡ ብፍላይ ነቶም ኣደዳ ኣሳዶን ዓመጽን ንዝዀኑ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶሪያ ቀረባ ኰይኑን ዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝ መደባት የሳልጥ ከምዘሎ ናይቲ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሶሪያ ማሕበረ ክርስቲያን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክኸውን እንከሎ ንድኽነትን ዓፈናን ጸቕጥን ተቓሊዑ ከምዘሎን፡ ነዚ ሕዝቢ’ዚ ንምድጋፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብተን ከቢድ ማህይሰቲ ኣብ ዝወረደን ከተማ ኣለፖን ደማስቆን ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ድጋፍ ክቐርብ ኣብ ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጊዮርገስ ኣቡ ክሓዘን ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ንድኻታት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሶሪያ መደባት ሓገዝ የሳልጥ ከምዘሎ ሞንተዱሮ ገሊጾም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶሪያ ናጽነት ዘይኰነ መግብን ኣፋውስን ጽሩይ ዝስተይ ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሓገዝ እዩ ዘድልይ፡ እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ’ዚ ንምቕራብ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ሶሪያ ናይ ድጋፍ ጐስጓስ ከምዘበገሰን ኣብዚ መደብ ኵሎም ገብርቲ ሰናይ ክሓብሩ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጻውዒት የቕርቡን።

እቲ ካልኣይ መደብ ንደማስቆ ዝምልከት ከምዝዀነን፡ ኣብ ኣገግሎት ክንክን ጥዕና ዘተኰረ እውን እዩ፡ ዋጋ ኣፋውስ ኣዚዩ ክቡር ብምዃኑ ነዚ ግምት ብምሃብ ነቶም ድኻታት ክፍሊሕብረተሰብ ዘድልዩ ኣፋውስ ንምቕራብን ኣገልግሎ ክንክን ጥዕናን ኣብ ኣባይቲ ስድራ ብምዃድ ንምቕራብ ዝሓቀነ መደብ ኣብ ሶሪያ ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ግሪክ መልኪጣዊት ካቶሊኣዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ዩሰፍ ኣብሲ ንዘቕረብዎ ናይ ተሓባበሩና ጻውዒት ዝምልስ እውን ምዃኑ ገሊጾም።

ካብ 2011 ዓ.ም. ብጋሴ ውግእ ኣብ ሶሪያ ክሳብ 2018 ዓ.ም. ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ልዕሊ 30 ሚሊዮን 400 ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ዘውጽእ ናይ ሓገዝ መደብ ከምዘቕረበን፡ ሎሚ እውን ነቲ ንዝተፈላለየ ማሕበራውን ሰብኣውን ሓደጋ ዝተቓልዔ ናይታ ሃገር ውሁድ ማሕበረ ክርስቲያን ቀረባ ኰይኑ ነቲ ጸንፈይናውያንን መኽረርትን ዝነዝሕዎ ተህዋስ ንምብዳህ ዘኽእል ኵለ መደያዊ ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ድጋፍ ንማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ
18 July 2019, 17:09