ኣብ መክሲኮ ብኢድ ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ወርሒ 2500 ዜጋታት ንሞት ኣብ መክሲኮ ብኢድ ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ወርሒ 2500 ዜጋታት ንሞት 

ኣብ መክሲኮ ብኢድ ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ወርሒ 2500 ዜጋታት ንሞት

ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታት መክሲኮ ዝቕመጥ ሕዝቢ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተነጸለ ብምዃኑ እዚ ዝነብሮ ማሕበራውን ሰብኣውን ድኽነት መጋበርያ ናይ ገበን ጉጅለታት ንኽኸውን ከምዝድርዀን

ናይ መስክሲኮ ማሕበራዊ ጸጥታን ደሕንነት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣብ 2019 ዓ.ም. ቀዳማይ ሰለስተ መፋርቕ ናይ ህዝቢ ጸጥታን ደሕንነትን ኣደጊፉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ 8,493 ዜጋታት ከማተቐትሉ ከመልክት እንከሎ፡ ኣብ ዝቐጸለ ሰለስተ ኣዋርሕ እውን ናይ ዝቕተሉ ዜጋታት ቍጽሪ ክብ ከምዝበለ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ሊቅ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጠይና ጋዜጠይና ሉቺያ ካፑዚ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብዛዕባ ህልው ኩነታት መክሲኮ ኣመልኪትን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መክሲኮ ናይ ገበን ጉጅለታትን እቶም ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ከባብታትን ክፍል ከተማታትን ዝቆጻጸሩ እዮም ዝመስሉ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጽምዎ ግብረ ቕትለት እውን ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ፡ ምኽንያት መቕተልቲ ድማ፡ ብጠቕላላ ናይ ገበን ጉጅለታት መክሲኮ ናብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ እትቀራረበሉ እዋን ናይቲ ከባቢ ዳግም ውዳቤ ንምክንያድን ነዚ ንምፍጻም ምስቶም ኣብ ምግባረ ብልሽውና ዝተኣልኵ ሰበ ስልጣናትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብምትሕብባር እቲ ዝሕረይ ወይ ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ ብዓንተውኡ ምስኦም ብምትሕብባር ክዓይን ንዳግመ ውደባ ከባቢታት ፍቓደይና ክኸውን ጸቕጢ ንምግባር ዝጥቀምሉ ኣገባብ ምዃኑ የብርሃ።

ቤተ ክርስቲያንን ላልኡካንን

እቲ ሰላማዊ ሕዝቢ የዕንቱ ናብ ቤተ ክርስቲያንን ጓሶትን ልኡካነ ወንጌልን እዩ ዘቕንዕ፡ ኣብ ኣቶም ድጋፍን ጽንዓትን እውን ይረክብ፡ ኣብ ፖለቲካን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ዘለዎ ኣመኔታ ብዙሕ ኣይኰነን፡ መክሲኮ ኣብ ዓለም እታ ብቑጽሪ ብዙሕ ካቶሊክ ምእመን ዘለዋ ሃገር እያ፡ ስለዚህ ናይ ገበን ጉጅለታት ካህን ወይ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ምቕታል ዓቢይ መልእኽቲ እዮም ዘመሓላልፉ ንማሕበረሰብ መክሲኰ ዓቢይ ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ ዝፍንዉ።

መንእሰያት መጋበርያ ናይ ገበን ጉጅለታት

ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታት መክሲኮ ዝቕመጥ ሕዝቢ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተነጸለ ብምዃኑ እዚ ዝነብሮ ማሕበራውን ሰብኣውን ድኽነት መጋበርያ ናይ ገበን ጉጅለታት ንኽኸውን ከምዝድርዀን መብዛሕቲኦም እውን ንናይ ገበን ጉጅለታት ኣይፋል ምስ ዝብሉ ይቕተሉ፡ ስለዚህ እዚ መቕተልቲ’ዚ ንተቐማጢ ደጋዊ ክፍለ ከተማታት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ምዃኑ ይሕብራ።

ርክብ በርገሳውያን ማሕበራት

በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ምቅዋም ናይ ገበን ጉጅለታት ጽኑዓት እያተን፡ እንተዀነ ኣብዚ ማሕበራዊ ገድሊ’ዚ ካብ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ድገፍ ስለ ዘይረኽባ ብቐሊሉ በቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ይህደና፡ ርእሰ ብሔር ኦብራዶር መንእሰያት ኣብ ናይ ገበን ጉጅለታት መጻወዲያ ንኸይኣትዉ ማሕበራዊ ኣቀራርባ ዘለዎ ፖለቲካ ንምርግጋጽ ክዓዩ ምዃኖም ዝኣተውዎ ቃል ኣይተግበርዎን፡ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምብዳህ ዝቖመ ሓለዋ ሃገራዊ ሓይሊ ኣሎ፡ እዚ ሓይሊ እዚ ጸዓት ስደተይናታት ንምዕጋት ስለ ዝዋፈር እውን ኣብ ናይ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ሓላፍነቱ ብዙሕ ክጐድል ይረአይ እንክብላ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት ዛዚመን። 

ኣብ መክሲኮ ብኢድ ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ወርሒ 2,500 ዜጋታት ንሞት

 

02 July 2019, 17:02