ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ወርሒ መስከርም ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ “ዶብ ኣልቦ ሰላም” ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ወርሒ መስከርም ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ “ዶብ ኣልቦ ሰላም” 

ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ወርሒ መስከርም ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ “ዶብ ኣልቦ ሰላም”

ጭቡጥ ናይ ሰላምን ዘተን መልሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘሎ ውግእን ዓመጽን ጥራሕ ዘይኰነ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ቅቡል ንዝርእዮ ዘሎ ቀዋሚ ናይ ቃላት ጐነጽን ክስተት ኣፋላላይ ብዘርእን ዓሌትን ጽልእ መጻእተይናን ንምብዳህ እውን

ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ዶብ ኣልቦ ሰላም  ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ካቶሊካዊ መንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘዳለዎ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ልዕሊ 300 ዝግመቱ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ክሳተፉ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎን፡ ሰላምን ዘተን ኣብቲ ውግእን ምስሕሓብን ኣብ ዘለሉ ስፍራ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብቲ ቀዋሚ ናይ ቃላት ጐነጽን ኣፋላላይ ብዘርእን ዓሌትን ጽልእ መጻእተይናታን እውን ንምብዳህ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘብርህ ዓውደ ጉባኤ መዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጭቡጥ ናይ ሰላምን ዘተን መልሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘሎ ውግእን ዓመጽን ጥራሕ ዘይኰነ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ቅቡል ንዝርእዮ ዘሎ ቀዋሚ ናይ ቃላት ጐነጽን ክስተት ኣፋላላይ ብዘርእን ዓሌትን ጽልእ መጻእተይናን ንምብዳህ እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሸቶ ዘለዎ ዶብ ኣልቦ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣካላትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ክሳተፉ ምዃኖም ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡  

ናይ ዘተ መርበብ

ከምቲ በቢ ዓመቱ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘሰናድዎን ብድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ከተማ ዝተበገሰ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ርክብን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ናይ መላእ ሃይማኖታት መራሕቲ መደብ ብምሕዳስ፡ እቲ ናይ ዘተ መርበብ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንምዝርጋሕ ሃቂኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ንዝርአዩ ሃይማኖታዊ ውግእን ምስሕሓባትንን ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽን ግብረ ሽበራን ዝኣመሰሉ መጋበርያ ህልቂት ንምውጋድ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኰይኑ ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ርክብ ካብ ኣቢያተ ክርስቲያንን ቤተ እስላምን ኣሁድን ካብ ዝተፈላለያ ባህልታትን ዝተዋጽኡ ዘራኽብን ዝተፈላለዩ ልዕሊ ሳላሳ ዝዀኑ ናይ ክቢ ጠረጰዛ ናይ ዕዮ ርክባት ዘጠቓልል ከምዝኸውን ገሊጾም።

ኤውሮጳን ጸኣት ስደተይናታትን

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ውግእን ግጭትን ኣቐዲምካ ንምውጋድ ኣብ ዝብል ጉዳይ ጥራሕ ዝመክር ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋርን ህጹጽ ኣገዳስነት ዛዕባ ጥዕና ምህዳርን ናይ ኤውሮጳ መጻእን ክስተት ስደትን ዛዕባ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት እውን ዝመያየጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ ዓበይቲ ኣካላት ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ካርሎስ ኦሶሮ ሲየራን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊ ፊሊፖ ግራዲን ኣመሪካዊ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ጀፍረይ ሳችስን ናይ ረፓብሊካዊት ማእከለይ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንገ ቱዋደራን ናይ ተልኣቪቭ ዓቢይ ናይ ሃይማኖት ኣይሁድ መምህር ኢስራዔል ማይር ላውን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዋሃ ኣመሓዳሪ ሞሓማድ ኣል ማህራሳዊን ናይ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ከምዝርከብዎም ሎሚናኰ ሓቢሮም።

ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኣብ ወርሒ መስከርም ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ “ዶብ ኣልቦ ሰላም”
23 July 2019, 16:50