ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ትሪፖሊ ታጁራ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ትሪፖሊ ታጁራ 

ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ኣየር 40 ስደተይናታት ተቐቲሎም!

ኣብ ትሪፖሊ ታጁራ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ስደተይናታት ቤት ማእሰርቲ ብዝወረደ ናይ ኣየር ደብዳብ ብውሕዱ 40 ስደተያናታት ድሕሪ ሙማቶም፣ እቲ ብድጎማ ናይ ውድብ ሕቡራት ህገራት ዝምወልን ከም ማእከላይ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎን፣ ነቲ ብትእዛዝ ጀነራል ሃፍታር ዝተገብረ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝኾነኖ ኣፍሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝተገብረ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ማለት፣ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ውሑድ ርሕቀት ዝረከብ ታጁራ ዝተባህለ ናይ ስደተይናታት ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾነን፣ ብዓሰርተታ ካብቶም ግዳያት ናይ’ቲ መጥቃዕቲ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ መብዛሕትኦም ሱዳንውያን ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ከምዝነበርዎ ተሓቢሩ።

ዝተበታተኑ ሬሳታት

ንተለቪዥን ኣልጀዚራ ብዝተሓበረ መሰረት፣ እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ዘሕዝን ከምዝነበረን፣ ገና ሬሳታት ግዳያት ተበታቲኑ ከምዘሎን ብምግላጽ፣ ኣብ’ቲ ቤትማእሰርቲ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታትን ሊብያውያንን ከምዝነበሩ ክሕበር እንከሎ፣ ቁጽሪ ናይ ግዳያት ብውሕዱ 40 ዝሞቱ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብዙሓት ከምዝቖሰሉን፣ ወሃቢ ቃል ናይ’ቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ብዘመሓላለፎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ 120 ሰባት ከምዝነበሩን፣ ካብኣቶም በቲ ደብዳብ 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 35 ውን ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ደብዳብ ነፈርቲ

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል መንግስቲ ሊብያ፣ ተሓታቲ ናይ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፣ ጀነራል ሓፍታር ከምዝኾነ ዘረጋግጽ ማለት፣ ቅድሚ’ቲ ደብዳብ ን48 ሰዓታት ዝኣክል፣ ኣብ ፍሉይ ቦታ መጥቃዕቲ ኣየር ክገብር ከምዝኾነ ክጋዋሕ ድሕሪ ምጽንሑን፣ ከገብሮ ንዝመደቦ መጥቃዕቲ ብፕረሲደንት ኣልሰራጅ ምስ ጸደቐ፣ ነቲ መጥቅዕቲ ከምዝፈጸሞን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ 30 ሰባት ንግዳይ ሞት ከምዘቃልዐን፣ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ፍጻሜ ንቴለቭዥን ኣልጀዚራ ከምዘመሓላለፎ ከፍልጥ እንከሎ፣ ኮይኑ ግን ቴለቭዥን ኣልጀዚራ ምስ ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ ጀነራል ሓፍታር ኣብ ዝገበረቶ ቃለ ምልልስ፣ እቲ መጥቃዕቲ ንሱ ከምዘይፈጸሞን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይደብደበን ብምግላጽ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ብማልሻ ናይ መንግስቲ ትሪፖሊ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ብምባል ኣሉታዊ መልሲ ከምዝሃበሉ ተፈሊጡ።

ስክፍታታት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተይናታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተይናታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገርት በቲ ዝተገብረ ፍጻሜ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነን፣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምብራቕ ትሪፖሊ ዝርከብ ታጁራ ዝበሃል ናይ ስደተይናታት ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተይናታት ግዳይ ሞትን መጉዳእትን ዝገበረ ኢሰብኣዊ ፍጻሜ ብምኹናን፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃዋህው፣ ‘ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ክኾኑ ኣይግባእን’ ድሕሪ’ሉ፣ ኣብ’ቲ ናይ ግጭት ኣከባቢ ልዕሊ 3600 ስደተይናታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሓደገይና ኩነታት ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ንስደተይናታት ናብ ውሑስ ቦታ ምግዓዝ

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ኣብ ሓደገይና ኩነታት ዘለዉ፣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም፣ ኣብ’ቲ ናይ ግጭት ቦታታት ዘለዉ፣ ብህጹጽ ሲቪላዊ ናይ ጸጥታ መሰሎም ክሕለወሎም ኣለዎ ብምባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤንዞ ሞዋቬሮ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ጊዜ ሊብያ ውሑስ ሃገር ከምዘይኮነ ዝገልጽ ብልኡኽ ኤውሮጳ ተሓቢሩ ከምዝነበረ’ውን ይፍለጥ።

ወደባት ሊብያ ውሕስነት ስለዘይብሎም ኣብ ውሽጢ3 ወርሒ 780 ስደተያናታት ሞይቶም

ፕረሲደንትን መስራትን ናይ ሕብረት ትካል ጥዕና ዶክተር ፎኣድ ኦዲ፣ ንጸጥታዊ ኩነታት ናይ ወደባት ሊብያ ኣመልኪቱ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፣ ወደባት ሊብያ ውሕስነት ከምዘይብለን ካብ ዝግለጽ ጀሚሩ፣ ኣብ መንጎ ሊብያውያን ናይ ሰልጣን ግጭት ገና ይቅጽል ከምዘሎን፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ 780 ስደተይናታት ከምዝሞቱ ባዕሉ ብዝሒ ናይ’ቲ ኣሃዝ ዘረጋግጾ ሓቂ እንክኸውን፣ ድሮ’ውን ቁጽሪ ናይቶም ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ ስደተይናታት ካብ 40 ናብ 45 ክብ ከምዝበለ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቁጽሪ ቚሱላት’ውን ካብ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝዛይድ ከምዝኾነ ትፈሊጡ። ኣስዒቡ’ውን ዶክቶር ፎኣድ፣ እቲ ሃገር ክረጋገኣሉ ዝኽእል መንገዲ ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ህጹጽ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኩነታት ዓበይቲ ትካላት ጥዕና ሊብያ፣ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ተሓከምቲ ተላባዕቲ ሕማማት ከይክሰቱ’ውን ስግኣቱ ገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 July 2019, 18:41