ዕለት 18 ሓምለ መዓልቲ ኣብ ኣሰር ነልሰን ማንደላ ዕለት 18 ሓምለ መዓልቲ ኣብ ኣሰር ነልሰን ማንደላ 

ዕለት 18 ሓምለ መዓልቲ ኣብ ኣሰር ነልሰን ማንደላ

ጸለምትን ጸዓዱን ኩሎ ብሓባር ርእሶም ኣቕኒዖም ንሓቲ ምስገዛእ ርእሳን ምስ ዓለምን ዝተዓረቐት ሃገር ኣብ ምሕናጽ ብሓባር ይጓዓዙ (ማንደላ)

ሕቡራት መንግስት መንግስታት ዓለምትነልሰን ማንደላ ከይተሓለለ ን 67 ዓ.ም. ምእቲ ፍትሒ ተቓለሰ፡ ንስኻ ን67 ደቓይቕ ጥራሕ ምእንቲ ፍትሒ ንኽትቃለስ ፈትን፡ ዝብል ቃል መርሕ ዝገበረ ዕለት 18 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ ተዘኪሩ ክውዕል ከምዝገበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ነልሰን ማንደላ ቀዳማይ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸሊም ርእሰ ብሔር፡ ኣቲ ዘይሕለል ጸረ ኣፓርታይድ - ዓሌታዊ ፍልያ ስርዓት ቃልሲ ዝወለዶም ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ዕለት 18 ሓምለ በቢ ዕለቱ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ልደቶም ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ማንደላ ምልስ ቢሉ ሎሚ ድሕሪ ዕለት 5 ታህሳስ 2013 ዓ.ም. ሕልፈቶም ከም ትማሊ ብሕይወት እንከለዉ ቃሎምን ኣብነቶም ምዕዳኖም ዝስትንተነሉን ብፍላይ ዘተን ሰላምን እንገዳን ምትሕብባርን ፍትሕን ዝብሉ ዝነበርዎ ዕሴታት ሕዝብታት ዓለም ንኽነብርዎ ዝተባብዓሉ ዕለት ምዃኑ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነስሎን ማንደላ ባዕሎም ን 27 ዓመት ኣብ ደሴት ሮበን ዝተኣሰሩን እዚ ዅሉ ዝወረዶም ግፍዒ ካብ ቤት ማሕቡስ ምስ ተለቁ ንሕነ ምፍዳይን ምቕርሓም ስንን ክይደረዀም በንጻሩ፥

ጸለምትን ጸዓዱን ኩሎ ብሓባር ርእሶም ኣቕኒዖም ንሓቲ ምስገዛእ ርእሳን ምስ ዓለምን ዝተዓረቐት ሃገር ኣብ ምሕናጽ ብሓባር ይጓዓዙ (ማንደላ)

ዝበሉ እዮም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማንደላ፡ ነልሰን ማንደላ ን67 ዓመት ምእንቲ ፍትሒ ካብ እተቓለሱ ነፍሲ ወከፍና ን67 ደቓይቕ እውን እስከ ምእንቲ ፍትሒ ደው ንምባል ንፈትን ዝብል ጻውዒት ዝቐረበሉ ዕለት ከምዝነበረን፡ ነልሰን ማዴላ ዕለት 18 ሓምለ 1918 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ኡምታታ ዝተወልዱን መላእ ሕይወቶም ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምንእቲ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረ ናጽነት ዝተቓለሱን እዮም።

         ኣብቲ ድኻታትን ህሙማንን ዘለውሉን ኣብቲ ብዙሕ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተወጽዕሉን ከባቢ ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና

ድምጺ ጸረ ዓሌታዊ ፍልያ

ለምዘበን መዓልቲ ማደላ ፍሉይ ዝገበሮ ብምኽንያት እቶም ጻዕዳ ዙሉ ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦም ዘይጸሊም ዜጋ ደብብ ኣፍሪቃዊ ብዛዕባ ጸረ ዓሌታዊ ፍልያን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ማዕርነትን በስነ ጥበባዊ ሙያኦም ኣቢሎም ዝመስከሩን ብፍላይ ኣሲምቦናጋ እተሰምየት ደርፎን ንማንዳሊ ዝደረስዎን ዘድመጽዎን ናይ ማንደላ ናይ 27 ዓመታት ሕይወት ማእሰርቲ ዘዘትው ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ዘቕረቡ ህቡብ ከያንን ድምጻውን ጆንይ ክለግዝ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብሮ ዘላ ሓዘን እዩ፡

ፍትህን ናይ ሓባር ጥቕምን

ማንዴላ ናጽነት ኣብ ፍትሕን ካብ ፍትሕን ዘናደዩን ቅስዱስ ኣቦና ገሊጾም ናጽነት ኣብ ፍትሓዊ እውነተይና ሰብኣዊ ምዕባለ ንድለያ ቢሎም፡

ናይ ነልሰን ማንደላ ኣብነት፡ መላእ ትውልዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕምን ከቐድምን ናይታ ሃገር ፖለቲካ ኣብነት ማንደላ ኣስተንፎ ይኹን

ከምዝበሉ ይሕበር።

ዕለት 18 ሓምለ መዓልቲ ኣብ ኣሰር ነልሰን ማንደላ
19 July 2019, 18:14