ሶሪያ፥ ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ኣብ ቃሚሽሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዝወረደ መጥቃዕቲ ሶሪያ፥ ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ኣብ ቃሚሽሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዝወረደ መጥቃዕቲ 

ሶሪያ፥ ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ኣብ ቃሚሽሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዝወረደ መጥቃዕቲ

ብፁዕ ወቅዱስ ማር ኢግናዚዩስ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን ክተርፍ ኣለዎ፡ ካብቲ ከባቢ ህላዌ ክርስቲያን ንምሕኻኽ ዝግበር መጥቃዕቲ ንቤተ ክርስቲያን ኰነ ንማሕበረ ክርስቲያን ጽንዓትን ኣብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንዘካይዶ ጻዕሪ ዘበራትዕ እዩ

ኣብ ሶሪያ ኣብቲ ምስ ኩርዲ ብይግብኣኒ ሕቶ ምኽንያት ውጥረት ኣብ ዝዀነ መብዛሕቲኡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዝክርቦ ስሚናዊ ምዕራብ ሶሪያ ከተማ ቓሚስሊ ኣብ ኣትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ድንግል ማርያም ከባቢ ቦምብ ብዝተጸምዳ ማኪና ብዝወረደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝፈነዎ ሓብሬት የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበለ ከምዘየሎን፡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቲ ካባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣባይቲ ንዋታዊ ውድመት ዘስዓበ ክኸውን እንከሎ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ይንገር። ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብቐጥታ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣል ዋስታ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብብዝሒ ዝርከበዎን ቅርብ ኢሉ እውን ናይ ኣርመን ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ዝቕመጥሉን ከባቢ ብተደጋጋሚ ዒላማ ግብረ ሽበራ ምዃኑ ይሕብር።

ተመሳሳሊ ግብረ ሽበራ ብዙሕ ግዜ ዝፍጸም በቶም ኣባላት እሳላምዊ መንግስቲ ዕጡቓት ሓይሊ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ በታ ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራ ተሓታቲ እየ ቢሉ ዘፍለጠ ጉጅለ ከምዘየለ ዝሓበረ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትሪያክ መግለጺ

ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ መግለጺ ጠቒሱ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ኢግናዚዩስ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን ክተርፍ ኣለዎ፡ ካብቲ ከባቢ ህላዌ ክርስቲያን ንምሕኻኽ ዝግበር መጥቃዕቲ ንቤተ ክርስቲያን ኰነ ንማሕበረ ክርስቲያን ጽንዓትን ኣብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንዘካይዶ ጻዕሪ ዘበራትዕ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ፡ ተስፋ ነቲ ኹሉ ኣብ ልዕሊማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንዘስዕቦ ማህሰይትን ፍርሕን ፈውሲ እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ፡ ኣብቲ ብኩርዳውያን ዝመሓደር ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ከባቢ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍነውን ዕለት 10 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ሰለስተ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ ሓቢሩ።

ሶሪያ፥ ቦምቢ ብዝተጸምዳ ማኪና ኣብ ቃሚሽሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዝወረደ መጥቃዕቲ
12 July 2019, 17:39