ኣብ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና መሬቱ ኣብ ምክልኻል ኣብ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና መሬቱ ኣብ ምክልኻል   ታሪኽ

ኣብ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና መሬቱ ኣብ ምክልኻል

ማዕድን ንምውጻእ ዝግበር ዕዮ ኣብ ሕይወታውያን ሃብትታት ከባቢ ኣማዞናዊ ብራዚል ዘንብሮ ማህሰይትን ብከላ ምህዳርን ሃብቲ ማያትን ወሓይዝን

መሬትና ኣዚዩ ንሓደጋ ዝተቓልዔን ናይ ማዕድን ኣውጸእቲ ዓበይቲ ኢንዳስትሪ ሸውሃት ክብ ዘብል እውን ብምዃኑ እዚዩ ንዝተፈላለያ ህብረ ትካትላት ወረራ ዝተቓልዔን እዩ፡ እዘን ትካላትን ንኽኣትዋ እንተድኣ ተፈቒዱን ስቕ ቢልና ደሓን ይኹን ንብል ኣንተድኣ ኰይና ነቲ ከባቢ ሕዝብን መሬት ሕልፈት ንፈርድን እንክብላ ኣካል ናይ ከባቢ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና ኣብ ብራዚል ዞባ ደቀባት ዝቕመጣ ሲሞነ ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሲሞነ ኣካል ሕዝቢ ካሪፑና ኣብ ዞባ ቀዳሞት ደቀባት ሕዝብታት ኡካ ኹሚኛ ጋሊቢ ኣብ ዝነብርሉ ኣብ ብራዚል ዞባ ኦያፖኵወ ኣብቲ ብራዚል ምስ ጉያና ፈረንሳ ዘዳብው ከባቢ ግዝኣት ኣማፓ ዝቕመጣ ክዀና እንከለዋ፡ እዘን ኣባል ደቀባት ከባቢ ብራዚል ድምጺ ሕዝቢ ኣማዞን ምስ ዝብል ብናይ መላእ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስትያን መረብታዊ ርክብ ማሕበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ምስ ቨርቦ እተሰምየ ናይ ፊልም ቀራጽን ኣከፋፋልን ምስ ልኡካነ ወንጌል መለኰታዊ ቃል ርክብ ምስ ዘለዎን ምስ ናይ ኢየሱሳውያን ሰብኣውነት ምስ ኣተሰምየ ተቕዋም ብምትሕብባር ምስ ዘካይዶ መደብ ድምጺ ኣማዞን ኣብ ዘካየደኦ ዘተ፡ ናይ ብራዚል ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ካባቢ ተቐማጦ ደቀባት ድልያን ምውጻእ ማዕድን ዝፈቕድ ዘጽደቖ ሕጊ ንተቐማጦ ከባቢ ኣማዞን ሕዝብን መሬት ሕልፈት ምዃኑ ይሕብራ።

ኣብ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና መሬቱ ኣብ ምክልኻል

ማዕድን ንምውጻእ ዝግበር ዕዮ ኣብ ሕይወታውያን ሃብትታት ከባቢ ኣማዞናዊ ብራዚል ዘንብሮ ማህሰይትን ብከላ ምህዳርን ሃብቲ ማያትን ወሓይዝን ዝብክል ኣሉታዊ ማሕብራውን ምህዳራውን ሳዕቤን ዘለዎ እዩ፡ እቲ ዝጠልቦ ሳዕቤን ሞት እዩ ይብላ።

ሲሞነ መንግስቲ ንዘመሓላልፎ ዘሎ ውሳኔ ብምቅዋም፡ ንህዝቢ ኣማዞን ዘየማኸረ ናይቲ ህዝቢ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ግምት ከይሃበን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብዝመጽእ ውሳኔ ዘሳልጦ ዘሎ መደብ ምጥቃምን ምውጻእን ማዕድናት ተጠቃሚ ሕዝቢ ኣማዞን ወይ ሃገር እውን ኣይኰነን መን ከምዝጥቀም ፍሉጥ እዩ፡ ምህዳር እውን ይህሰይ፡ ስለዝህ ሕዝብን ተፈጥሮን እዩ ዝሳቐይ፡ ስለዚህ ሕዝቢ ኣማዞናዊ ብራዚል ብሓባር ቆይሙ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ዝወርድ ሓደጋ ብምቅዋም ድምጹ ኣወሃሂዱ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን መንግስቲ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ውሳኔ ምስ ሕዝቢ ኣማዞን ክመክርን ክመያየጥን ኣለዎ ይብላ።

ኣብ ኣማዞን ሕዝቢ ካሪፑና መሬቱ ኣብ ምክልኻል
10 July 2019, 17:54