ድለ

ፖሎቲካዊ ከይዲ ናይ ህገረ ኣይቮሪኮስት ፖሎቲካዊ ከይዲ ናይ ህገረ ኣይቮሪኮስት  

ብዝሒ ወተሃደራት ዘሰከፎም ኣቡናት ኣይቨሪኮስት ግህሰታት ንምውጋድ ይዘራረቡ

ፕረሲደንት ካቶሊካውያን ጉባኤ ጳጳሳት ኣይቨሪኮስት፣ ብጹዕ ኣቡነ ኢግናሰ በሲ ዶግቦ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ፣ ናይ ቅደሚ 10 ዓመት ድሕሪ ፕረስደንታዊ ምርጫ ዚሰዓበ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ግዳይ ሞት ክኾኑ ዝገበረ ዕግርግር ብምዝካር፣ ኣብ ዚመጽእ ናይ 2020 ዝግበር ምርጫ’ውን ካብ ተመሳሳሊ ኲናትን ሞትን ዜስዕብ ጌጋታት ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ፖሎቲካዊ ከይዲ ናይ ህገረ ኣይቮሪኮስት ንናይ 2020ዓምፈ ሓፈሻዊ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንምግባር ምድላዋት ጀሚሩ’ኳ እንተሃለወ፣ ነዚ ምርጫ ብኣሉታ ክጸሉ ዚኽእል ብዙሕ ተርእዮታት ይቀላቐል ምህላዉ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት’ታ ሃገር ስክፍትኦም ግሊጾም። ድሕሪ’ቲ ናይ 2010-2011 ዚተገብሪ ምርጫ’ሞ ልዕሊ 3 ሽሕ ሒወት ዝወሰደ ግጭት፣ ብሰንኪ ዘይምቕባል ፕረስደንት ነበር ላውረንት ግባግቦ ንሓድሽ ፕረሲደንት ኣላሳነ ኣውታራ ዝሰዓበ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ’ውን ፕረሲደንት ነበር ላውረንት ግባግቦ፣ ኣብ ምጅማር ናይ’ዚ ዓመት ብዓለም ለኸ ቤት-ፍርዲ ካብ’ቲ ኣብ 2010 ዚሰዓበ ጉድኣት ተሓታትነት ናጻ ከምዚኾነን፣ ኮይኑ ግን ብመሰረት ናይ ውሽጢ ሃገር ቤትፍርዲ ኣጃ ንሃገሩ ኪኣቱ ከምዝተከልከለን ተገሊጹ። ነዚ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረሲደንት ዳግም ንሳልሳይ ጊዜ ኪምረጽ ከምዝኽእልን፣ ካልእ ፕረሲደንት ነበር ሄንሪ ኮናን ቦዲ፣ ሓደ ካብቶም ሕጹያት ብመዃን ምስ መራሒ ትቓዋሚ ጉጅለ ወይ ፕሪሲደንት ነበር ግባግቦ ናይ ልፍንቲ ኪዳን ብምእታው ናብ ምርጫ ክቐርቡ ከምዝኽእሉን፣ ነዚ ዘመላኽት ኣብ ዚሓለፈ ሳምንታት ኣብ ከተማ በውሚ ኣብ መንጎ ዝተፋላለዩ ማሕበረ-ሰባት ዝተኸስተ ግጭት ሒወት 14 ሰባት ዝወሰደን ኣማኢት ዘቝሰለን ከምዚነበረ ይሕበር።

ናይ ፍርሕን ምጥምማትን ጊዜ

ጉዳይ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣብ’ቲ ህገር ዓቢ ብድሆ ከምዝኾነ ዚገለጸ ኣቡን ናይ ህገረ-ስብከት ካትዮላ፣ ፖሎቲከይናታት እቲ ሃገር ኣብ’ዚ ጉዳይ ዘለዎም ሓሳባት ክሳብ ሕጂ ብዘይምግላጾም፣ ብዙሕ ፍርሕን ጥርጠራን ከምዘለዎም ዘመላኽት ኢዩ ክብሉ ስክፍታኦም ከምዝገለጹን፣ ዚፍለጥ ኮይኑ፣ ንኣብ’ቲ ሃገር ብብዝሒ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት ዝካየድ ዘሎ ብምኹናን፣ እዚ ግዜ’ዚ ንዕርቅን ሰላምን እንንቀሳቕሰሉ ወቕትን ህሞትን እምበር፣ ነጋሪት ኲናትን ሞትን እንወቕዓሉ ግዜ ኣይኮነን ብማለት፣ ፖሎቲከይናታትን ሕዝብን ኣብ ጣውላ ወሪዶም ብቅኑዕ ልቢ ብሰላማዊ መንገዲን ብምርድዳእን ከም’ቲ ጸዋዕታ ንቕድስና (ጋውደተ ኤት ኤክሱልታተ) ዝብል ሓዋርያዊ ምዕዶ ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ከምዝብሎ፣ ኩሉ ሰብ ውልቃዊ ጥቕምታት ወጊድ ኢሉ፣ ንረብሓ ናይ ኩሉ ወዲ-ሃገር ብምቕዳም ተጊህካ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምጽዋዕ፣ ፕረሲደንት ካቶሊካውያን ጉብኤ ጳጳሳት ኣይቮሪኮስት ነዚ ቅዱስ ዕላማ ናይ ሰላምን ዕርቅን ንምትግባር ክሳብ መጠረሽታ ክሰርሕሉ ምዃኖም ግሊጾም።

ምፍራይን ምሻጥን ካካዎ

ብጹዕ በሲ ዶግቦ ቀጺሎም፣ ኣብ ኣይቮሪኮስት 72 ዝተፋላለየ ቋንቋታት ኣደ’ኳ እንተሃለዉ፣ ብዘይ ዝኾነ ሽግር ተኸባቢሮምን ተሓባቢሮምን ንሓባራዊ ረብሓን ምዕባለን ናይ ሃገር ይሰርሑ ከምዝነበሩን፣ ኮይኑ ግን ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፣ ካብ ዓለምና ዝበዝሐ ካካዎ ዘፍርያ ሃገራት ጋናን ኣይቮሪኮስትን ብዝገበርኦ ስምምዕ መሸጣ ካካዎ ንሓደ ቶን ካካዎ ብሕሳብ 2600 ዶላር ኣመሪካ እንተዘይኮይኑ ማንም ኣፍራዪ ንኸይሸይጥ ኣብ ሃገራቶም ብምኽልካል፣ ኣብ ኣፍረይቲ ዓቢ ሽግር ተኸሲቱ ከምዘሎ ብምሕባር ፣ ብቐንዱ ኢቲ ስጉምቲ ንረብሓ ኣፍረይትን ሃገርን’ኳ እንቲኾነ፣ ንብዙሓት ኣፍረይትን ብዓብኡ’ውን ንሃገር ኣብ ድኽነት ሸሚሙ ከምዘሎ ብምግላጽ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 June 2019, 17:34