ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ 

ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ

ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ካብ ጠቕላላ 191 ድምጺ 108 ድምጺ ብምርካብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምእተሰምዩ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ሓልዮ ሕርሻን መግብን ጠቕላሊ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ንዘገልግሉን ናይ ተልእዀ ዘመኖም ንዘብቕዑ ብራዚሊያዊ ኾሰ ግራዚያኖ ዳ ሲልቪያ ንኽትክኡ ወዲ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ስነ ሕይወት ሊቅ ናይ ቻይና ናይ ሕርሻ ጉዳይ ተራዳኢ ምንስትር ኰይኖን ዘገልገሉ ኵ ዶንግዩ ተሓርዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ተልእዀ ዘመኖም ንዘብቅዑ ብራዚሊያዊ ኾሰ ግራዚያኖ ዳ ሲልቫ ንኽትክኡ ካብ ካመሩን ንዝሓጽዩ መዲ ሙንግዩን ቻይናዊ ኵ ዶንግዩን፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተደገፋ ፈረንሳዊት ካተሪነ ገልሳኢን ላንለን ካብ ጆርጂያ ዳቪት ኪርቫሊድዘን ካብ ህንዲ ራመሽ ቻንዳን ካብ ዝቐረቡ ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ካብ ጠቕላላ 191 ድምጺ 108 ድምጺ ብምርካብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምእተሰምዩ ተገሊጹ።

ዳ ሲልቫ ካብ 2011 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ወድብ ጠቕላሊ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንኣኦም ንኽትክኡ ዝተሓርዩ ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 31 ሰነ 2023 ዓ.ም. ዘገልግሉ ክምዝዀኑን ንኻልእይ ግዜ እውን ክሕረዩ ከምዝኽእሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኵ ዶንግዩ ምሕራዮም ታሪኻዊ ኵነት እዩ ክብሉ ገሊጾም ካብ ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ኣብ ምውጋድ ጭቡጥ ጻዕርታት ንኸረጋግጹ ቃል ከምዝኣተዉ ይንገር።

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ውድብ ሓላፍነት

ቀንዲ ሓላፍነት ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ውድብ፡ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ መላእ ዓለም ናይ ሕርሻን ምህርትን ከይዲ ንምምሕያሽ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝስዕቦ ትግባረን መካየዲ ሕርሻን ብሉጽ ንዝበለጸ ፍርያምነት ዘተሓባብር ክኸውን እንከሎ፡ ምሕርቲ ምግባውነት ብኹሉ ተበጻሕን ናይ ኵሉ ዓቕሚ ግምት ዝህብ ምግባር ዝብልን፡ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ሕርሻ ምንቕቓሕን ብዅሉ ተፈላጥነት ክህልዎ ዝዓዪ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ሓድሽ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ
24 June 2019, 16:35