ድለ

ዘተ ውህበትን ውበትን ኣብ መንጐ ሮማን ሻንጋይን ብሽም ማተዮ ሪቺ

ጐደና ውህበትን ውህበትን ሮማን ሻንጋይን ዘራኽብ መገዲ ብዝብል ኣገላልጻ፡ ነቲ ኣሳእል ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጠርኒፎም ንሕትመት ዘብቅዑ ፍራንቸስኮ ኣስቲያሶ ግራሲያ

ትካል ረድኤት ማተዮ ሪቺ ዘተ ውህበትን ውበትን ኣብ መንጐ ሮማን ሻንጋይን ብዝብል ኣርእስቲ ኢታሎ ስፓንያዊ ናይ ስነ ጥበብ ሙያተይና ፋንቸስኮ ኣስቲያሶ ግራሲያ ኣስተርእዮ  ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደውዎ ብኽልተ ጥማተ ሓደ ጽባቔ ብዝብል ኣርእስቲ ቻይናዊ ሰኣልን ቀራጽን ያንግ ዶንግባይ ዝሰኣልዎ ኣሳእል ዘጠቓለለ ሰነዳዊ መጽሓፍ ኣሳእል ብወግዒ ከምተመረቐ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ እቲ ሰነድ ብወግዒ ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ጽባቔ ኣለሊኻ ናይ ምርኣይ ክእለት፡ ገዛእ ርእስናን እንነብረሉ ዓለምን ንኽንዕቅብ ዘብቕዕ ምስጢር እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዘድሕነና ጽባቔ ኣብ ልቢ ሰብን ንልቢ ሰብን ዝዛረብ እዩ፡ ጽባቔ ፍልልያት እምነትን እትኽተሎ ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንስልጣኔን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ኣበርክቶ ዘለዎ ልዑልን ክቡርን ኵላውን ቋንቋ እዩ፡ እቲ እታ መጽሓፍ ስእላዊ ሰነድ ብወግዒ ንምቕራ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ዓለም ሓቆፍ ትካል ኣባ ማተዮ ሪቺ ዘሰናደዎ ክኸውን እንከሎ፡ ጐደና ውህበትን ውህበትን ሮማን ሻንጋይን ዘራኽብ መገዲ ብዝብል ኣገላልጻ፡ ነቲ ኣሳእል ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጠርኒፎም ንሕትመት ዘብቅዑ ፍራንቸስኮ ኣስቲያሶ ግራሲያ ኣስተራዮ ብዝብል ኣርእስቲ 60 ሃገራት ኣርባዕተ ክፍለ ዓለማት ዘጠቓለለ ቻይናዊ ቀራጺ ሓወለትን ሰኣልን ያንግ ዶንግባይ ስራሕ ኣሳዅዑ ዝተደርሰ እውን ምዃኑ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም፡ ናይ ማተዮ ሪቺ ትካል ረድኤት ኣቦ መንበር ዳሪዮ ግራንዶኒ፡ እቲ ኣስተርእዮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰን ብስእሊ ዝተደገፈ ሰነዳዊ መጽሓፍ ብቋንቋ ጣልያንን ቻይናን ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ቻይናን ኤውሮጳን ኣዕጋቢ ርክብ ክህሉ ኣብ ምግባር ዓቢይ ግደ ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ዘተ ውህበትን ውበትን ኣብ መንጐ ሮማን ሻንጋይን ብሽም ማተዮ ሪቺ
08 June 2019, 17:07