ነቶም ንፍርዲ ሞት ዝተመሓልለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጽኵ አሰንይ ነቶም ንፍርዲ ሞት ዝተመሓልለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጽኵ አሰንይ 

ነቶም ንፍርዲ ሞት ዝተመሓልለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጽኵ አሰንይ

ፍርዲ ሞት መፍትሒ ኣይከውንን ኣብ ዓለም ገበን ክንክይ ኣይገበረን፡ ዝበደለ ተኣሪሙ ተነሲሑ ተጣዒሱ ምስ ሕብረተሰብ ተዋሂዱ ናይ ምንባር ዕድል ክወሃቦ ዝቃለሱ

ቤተ ክርስቲያን ፍርዲ ሞት እትቃወምን ፍርዲ ሞት ኢኣምኮንዮኣዊ ምዃኑ ዘብርህ ትምህርታ መሰረት ገይሮም ጓስጓስ ጸረ ፍርዲ ሞት ዘነቓቕሑን ኣብ ፍሎሪዳ ነቶም ንሞት ፍርዲ ዝተመሓላለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጹን ኢየሱስ እናበሰሩን ዘሰንዩ ትውልደ ኢጣሊያዊ ዜጋ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ዳለ ሪቺነላ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ ክሕበር እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዎል ስትሪት ፍሉጥን ውሩይን ናይ ስነ ቁጠባ ሕግን ፍትሕን ጠበቓ ኣብ ኖትረ ዳመ መንበረ ጥበብ ብሕጊ ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ ማያሚ ዓቢይ ሃብቲ ዝነበሮም ነዚ ዅሉ ሓዲጎም ኣብ ፍሎሪዳ ናይ ሞት ፍርዲ ንዝተፈርዱ ቀረባ ብምዃን ብዛዕባ ኢየሱስ እናነገሩን እናበሰሩን ዘስንዩ፡ ናይ ቤተ ማእሰርቲ ዓለማዊ ኣበ ንፍስ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦም ካብ ስደተይናታት ኢጣሊያውያን ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዝተወልዱ ትውልደ ኢጣሊያዊ ተወላዲ ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ካሊፎርንያ ስዒባ እታ ዝለዓለ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ዝትግበረላ ፍሎሪዳ ዘበርክትዎ ዓቢይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከቢድ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ኣብ ኣፈ ሞት ንዘሎ ቀረባኡ ኰይንካ ብዛዕባ ኢየሱስ ክትዛረብ ቀሊል ኣይኰነን፡ ፍርዲ ሞት መፍትሒ ኣይከውንን ኣብ ዓለም ገበን ክንክይ ኣይገበረን፡ ዝበደለ ተኣሪሙ ተነሲሑ ተጣዒሱ ምስ ሕብረተሰብ ተዋሂዱ ናይ ምንባር ዕድል ክወሃቦ ዝቃለሱ፡ ኣባይቲ ማሕቡስ ኣባይቲ ሕዳሴን ሕንጸትን መአረምን ክኸውን ይቃለሱ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋን፥ ኣብ ቤት ማሕቡስ ንኢየሱስ ኣብ ምብጻሕና ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቤት ማሕተም በነዲክታውያን ዘሕተምዎ መጽሓፍ ንንባብ ክምዝበቕዔ ይሕበር።

ገበነይና ፍርዲ ሞት ምስ ተበየኖ ክሳብ እቲ ዝተበየኖ ፍርዲ ዝፍጸሞ ዘሰንዩን፡ ብዙሓት ንስኻ እቲ ዘይነበረንን ዘይተላለኽዎን ኣብ ጐድነይ ዘይነበረን ዘየሎን ወላዲይን ሓወይን ዘይተላለኸዋ ኣደይን ሓብተን ተካኢ እንክብሉ ዝገልጽዎም ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡፡ ፍርዲ ሞት ተበይኑ ክሳብ እቲ ፍርዲ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ከቢድን ናይ ጭንቂ እዋን እዩ። ስለዚህ ኣብዚ ከቢድ እዋን ምርኻብ ቀሊል ኣይኰነን፡ ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቅል ከም ምዃን ማለት እዩ፡ ዓቢይ ጽንዓትን ፍቕርን ዝሓትት ስለ ዝዀነ ብዘይ ናይ እግዚኣብሔር ድጋፍ ዘይፍጸም ተልእዀ እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ፍርዲ ሞት ዝትግበርሉ ቤት መቕተልቲ ምብጻሕ ከካይዱ ተስፋ እግብር፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ጨሪሹ ከይህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኵሉ ሱታፌ ይሓትት፡ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ኣተኩሮ ዝገብሩሉ ጉዳይ እውን እዩ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ይኹን ኣብቲ ሕይወተ ኣብ ሓደጋ ዝቃልዓሉ ቦታ ተረኺብና ነቶም ናይ ሞት ፍርዲ ዝተመሓላለፎም ክንበጽሕ እንከለና ንኢየሱስ ኢና ንበጽሕ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ነቶም ንፍርዲ ሞት ዝተመሓልለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጽኵ አሰንይ

Photogallery

ነቶም ንፍርዲ ሞት ዝተመሓልለፉ ብዛዕባ ኢየሱስ እናገለጽኵ አሰንይ
20 June 2019, 16:47