ድለ

ኣባ ኪየራ ድምጺ ናይቲ ኣብ ብራዚል ብዓመጽን ድኽነትን ዝነብዕ ዘሎ ሕዝቢ ኣባ ኪየራ ድምጺ ናይቲ ኣብ ብራዚል ብዓመጽን ድኽነትን ዝነብዕ ዘሎ ሕዝቢ 

ኣባ ኪየራ ድምጺ ናይቲ ኣብ ብራዚል ብዓመጽን ድኽነትን ዝነብዕ ዘሎ ሕዝቢ

ዓመጽን ድኽነትን ብፍቕርን ብስድራ ቤታውነትን ብሕንጸትን ኣቢልካ ብእትህቦ ግብረ መልሲ ጥራሕ እዩ ዝስነፍ፡ ዓመጽ ሕጊ ብምጽናዕ ጥራሕ መልሲ ንምሃብ ምፍታሕ ወይ ብምቕታል ንምስናፍ ዘይከኣል ምዃኑ ናይ መላእ ዓለም ተመክሮ እዩ

ናይ ድኻታት ገዓር ድኽነትን ስቓይን ዛይዱ ናብ ሰማይ ይትንስእ ምህላዉ ኣብ ብራዚል ወንጌላዊ ልኡኽ ኢጣሊያዊ ዜጋ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዘገልግሉ ብፍላይ ነቶም በቢ ዕለቱ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ዕጸ ፋርስን ኣብ ንኡስ ዕድመአን ጽንሲ ዝሕዛን ፈቐዶ ጐደና ዝተደርበያን ዝተደርበዩን ግዳም ሓደር ሕጻናት ዝኣልዩ ኣባ ረናቶ ኪያራ ኣብ ብራዚል ንብዓትን ገዓርን ድኻታት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ከባቢ ሪዮ ደ ጃነይሮ ንልዕሊ 41 ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ረናቶ ኪያራ፥ ኣብ ብራዚል ወንጌላዊ ልኡኽ ኰይኖም ነቶም ብናይ ብራዚል ቋንቋ መኒኖስ ደ ሩዋ ማለት ግዳም ሓደር ሕጻናት ንኽጣበቑን ስለኤም ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ክነብሩ ዘይሓሰብዎ መደብ ኣማልኽ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ብራዚል ዓመጽን ማሕብራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ድኽነት ንብዙሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣጸቢቑ ከንቆልቁል ይድርዀ ከምዘሎን፡ ድኽነት ንዝተፈላለየ ሓደገይና ምርጫታት ዘቃልዕ እውን ብምዃኑ ንናይ ገበን ጉጅለታት ልሙዕ መሬት ኰይኑ ብዙሓት ንናይ ገበን ጉጅለታት መጋበርያን ደቀንስትዮ ሕጻናት ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኰይነን ከምዝርከባን፡ ግዳም ሓደር ሕጻናት ብጉጅለ ቐተልቲ ዝህደኑን፡ ሓደገይና ናይ ገበን ጉጅለታት ኣባላት ናይ ምዃን ዕቝር ሓይሊ ኣለዎም ብዝብል ብሓይሊ ጸጥታ ዝተጸልኡን ኣክንዲ ንምድሓኖም ዝህደኑን ከምዝዀኑን ነዚኣቶም ኣሕዋት ኣብ ምእላይ ከምዝርከቡ ይሕብሩ።

ዓመጽን ድኽነትን ንምውጋእ

ነቶም ግዳም ሓደር ሕጻናት ካብቲ በስገዳድ ክቱር ድኽነት ዝወደቕሉ መነባብሮ ግዳም ሓደርነትን መጋበርያ ዓመጽን ሞትን ንኽላቐቑ መታን ናይ ሕጻናት ቤት ዝብል ዘቖምዎ መእለዪ ግዳም ሓደር ሕጻናት ዝተፈላለዩ መደብ ሕንጸት የቕርቡን፡ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት እውን ብምቕራብ ካብ ዕጸ ፋርስን ገበነይናነትን ኣብ ምእላዮም ከምዝርገቡ ምስ ገለጹ ብራዚል ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍኤ ሃዋሁ ተብል ከምዘላን ድኽነትን ዓመጽን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ገዓርን ንብዓትን ድኻታት ብዝገደደ ዝውሕዘላ ኰይና ኣላ ይብሉ።

ንዓመጽ ብፍቕርን ብስድራ ቤታውነትን ብኣባይቲ ትምህርትን ግብረ መልሲ ምሃብ

ዓመጽን ድኽነትን ብፍቕርን ብስድራ ቤታውነትን ብሕንጸትን ኣቢልካ ብእትህቦ ግብረ መልሲ ጥራሕ እዩ ዝስነፍ፡ ዓመጽ ሕጊ ብምጽናዕ ጥራሕ መልሲ ንምሃብ ምፍታሕ ወይ ብምቕታል ንምስናፍ ዘይከኣል ምዃኑ ናይ መላእ ዓለም ተመክሮ እዩ፡ ቤት ማእሰርቲ መአረሚ እምበር መነጸልን ተደርቢኻ እትነብረሉ ዕጹው ግቢ ክኸውን የብሉን፡ ዝኣበሰ ዘይሕነጸሉ ሃገር እቲ እዚዩ ዝደኸየ ሃገር እዩ፡ ንሶም በቲ ዘካይድዎ መደብ ሓልዮ ንግዳም ሓደር ሕጻናት ማሕበራዊ ሰላም ንምርግጋጽ ይድግፉ፡ ሰላም ድኽነት ብምውጋእ ምስ ዝረጋገጽ ጽኑዕ ይኸውን።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብስም ወንጌል ኣብ ጐድኒ ድኻታት

ብራዚል ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን መሰረታዊ መሰልን ክብርን ዘዕትር ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተመክሮ ገይሮም እዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ድኻታት ድምጺ ክስማዕ ከይተሓለለት ኣገልጊላ እያ ተገልገል እውን ኣላ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ህያው እያ እዚ ኸኣ ድኻን ወንጌላዊትን ስለ ዝዀነት እዩ፡ ምስቲ ፈቐዶ ጐደና ዝርከብ ድኻ ሓቢራ ትጓዕዝን ኣብቲ ድኻ ወጅሂ ኢየሱስ እተለልይ ብምዃና እዩ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ሕዝብን ናይ ሕዝብን ኣክንዲ ሕዝቢ ኰይኖም ኰነታት ዓመጽን ድኽነት ይኹንኑ፡ ምስ ድኻታትን ኣብ መንጐ ድኻታትን ኰይኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓመጽን ቂምን ቅርሕንትን ሕነ ምፍዳይን ዝብል ስርዓት ኣይትቕበልን ምስ በሉ ኣተሓሒዞም እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝረአይ ሰብኣውን ምህዳራውን ቅልውላው ንምብዳህ ቤተ ክርስትያን ኣበኪራ ከምእትዓዪ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ይምስክሮ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም፡ ብዛዕባ እቲ ዘካይድዎ ኣገልግሎት ዘዘንትው ፊልም እውን ይቕረጽ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣባ ኪየራ ድምጺ ናይቲ ኣብ ብራዚል ብዓመጽን ድኽነትን ዝነብዕ ዘሎ ሕዝቢ
27 June 2019, 17:36