ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርትይ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርትይ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ 

ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርትይ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ

ዕለት 8 መስከረም 1943 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ተበጽሔ ስዒቡ ዕለት 4 ሰነ 1944 ዓ.ም. ሮማ ናጻ ምስ ወጸት ብፁዕ ኣቡነ ኦፍላሀርትይ ሕይወቶም ንሓደጋ ክሳብ ምቅላዕ በሸሓት ዝቑጸሩ ናይ ውግእ እሱራትን ኣይሁዳውያንን ናይ ሓሶት ናይ መንነት ወረቐት እናስርሑ ካብ ኢድ ናዚ የድሕኑ

ዕለት 4 ሰነ 1944 ዓ.ም. ምሕራር ሮማ ካብ ኢድ ስርዓት ናዚ ምኽንያት ዝበዓል ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ናጽነት ሮማ ኣብቲ እዋን ቅድሚ ሓርነት ከተማ ሮማ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ ኣየርላንዳዊ ካህን ኣባ ኦፍላሀርትይ ዝሃብዎ ብሩህን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ናይ ዝለዓለ እምነት ምስክርነት በቲ ብስምሞ ዝጽዋዕ ትካል ደገፍ ዝክረ ኦፍላሀርትይ ኣብ ሮማ ምስ ሓርነት ሮማ ተተሓሒዙ ክዝከር ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርት ብዘቖምዎ ብኣኦም ኣወሃሃድነት ብሕቡእ ዝዓዪ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓቁፍ ስርሒት ልዕሊ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ከምዘድሓኑ ክንገር እንከሎ፡ እዞም ኣብ 1898 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ ዝተወልዱን ኣብ 1925 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ማዕርገ ክህነት ዝተቀበሉን ኣብቲ እዋን ናይቲ ኣስፍሆተ እምነት ተባሂሉ ዝግለጽ ተቕዋም ምኽትል ኣመሓዳሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ኣብ ፍልስጥኤምን ደሓር እውን ኣብ ሃይቲን ሳን ዶምንጐን ኣብ ነበር ቸኮስላቪያ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ከምዘገልገሉን፡ ካብ 1938 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ቅዱስ ቤት ጽሕፈት ዝብል መጸውዕ ኣብ ዝነበሮ ናይ ዓንቀጸ እምንት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ንኸገልግሉ ተመዲቦምን ዝነበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቢይ ሓላፍነት ዕርዲ ገይሮም ብዙሓት ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ ምዃኖም ናይ ታሪኽ ማህደሮም ዝጠቐሱ ኣባል ናይቲ ብስሞም ዝጽዋዕ ትካል ምትሕብባር፥ ኣየርላንዳዊ ካይራን ትሮይ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

“ከም ሰብ ሓላፍነተይ እየ ዝፈጸምኩ”

ዕለት 8 መስከረም 1943 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ተበጽሔ ስዒቡ ዕለት 4 ሰነ 1944 ዓ.ም. ሮማ ናጻ ምስ ወጸት ብፁዕ ኣቡነ ኦፍላሀርትይ ሕይወቶም ንሓደጋ ክሳብ ምቅላዕ በሸሓት ዝቑጸሩ ናይ ውግእ እሱራትን ኣይሁዳውያንን ናይ ሓሶት ናይ መንነት ወረቐት እናስርሑ ካብ ኢድ ናዚ የድሕኑ ከምዝነበሩ ካብቶም ዝደሓኑ ምስ ተሰምዔ ኣብቲ እዋን ስለምንታይ እዚ ፈጺምኵም እንታይ ኣለዓዒልኩም ዝብል ዝቐርበሎም ዝነበረ ሕቶ፥ ከም ሰብ ሓላፍነተይ እየ ዝፈጸምኩ እንክብሉ ይምልሱ ከምዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማሕደር ይሕብር። ሕይወት ሰብ ካብ ኢድ ናዚ ንምድሓን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከብ ቅዱስ ሓወልቲ እመ ምሕረት ፊት መብጽዓ ከምዝኣተዉን ነዚ ቃል እውን ብሓልዮት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብጽንዓት እምነትን ከምዝፈጸምዎ ካይራን ትሮይ ሓቢሮም፡ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ናጽነት ሮማ እቲ ማሕበር ምትሕብባር ዝኽረ ኦፍላሄርትይ ኣብ ሮማ ዝተፈላለዩ ናይ ባህሊ መደባት ከምዘሰናደው ኣፍሊጦም።

ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርትይ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ

Photogallery

ኣባ ሁግህ ኦፍላሀርትይ 6,500 ሕይወት ካብ ኢድ ናዚ ዘድሓኑ
28 May 2019, 17:35