ድለ

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ፥ ኤውሮጳ ናብቲ ንሕብረት ዘበገሳ ዕሴት ክትምለሰን ንሰባት ክትግደስን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ኢጣሊያ ሓሊፉ ዓለም ለኻዊ እወታዊ ተጽእኖ ዘለዎ እዩ፡ እወታዊ ተጽእኖ ዘሕድርን ፈጣሪ እወታዊ ተጽእኖ ምዃኑ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ

ናይ ረፓሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ብዛዕባ፥ ዘይምጽዋርን ዘይምቅብባልን ብዛዕባ ኢጣሊያን ሕብረት ኤውሮጳን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ኣልኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ዘውጽእዎ ናይ ጽልእ ስብከታት ንምውጋድ ዝድግፍ መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ሓባር ናይ ውሳኤ ሰነድን ኣብ ዝድህስሱ ሕቶታት ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳን ዕለት 17 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቃለመሕትት ከምዘካየዱን፥

(Andrea Tornielli e Andrea Monda)

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሕ ንናይ ካልእ ጸገማትን ጭንቅን ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን ዘይምጽውዋርን ዘይምቕባልን ዓመጽን ዝድርኹ ዝምባለታት ንምውጋድ ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ እውን እንተዀነ እቶም መሻኽላት ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ቅርጺ ከይሓዘ እንከሎ ብዓንተውኡ ምንቅሳቕስ የድሊ፡ ኣብ ኢጣሊያ ይብሉ፡ ኣሉታዊ ዝምባለታት ዝረአይ እውን እንተዀነ ብዝለዓለ ደረጃ ሓልዮትን ምትሕብባርን ማሕበራዊ መሻኽላትን ንምውጋድ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ክሳለጡ ትርይ፡ እታ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጻውዒትን ዕድመን ተቐቢላ ናብቲ ዘቖማ ዕሴታት ክትምለስ ዝበለጸ እዩ ኢሎም። እቲ ኣብ መንጐ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ናይ ክሌኣዊ ርክብ ተክለ ሰብነት ምሉእ ብምሉእ ዘዕግብ ምዃኑን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ዘለዋ ዓቢይ ግደ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሰላም መሰረት ዝዀነ እተነቓቕሖ ዘተን፡ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ኣብ ኣቡ ዳቢ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ብዛዕባ ናይ ኢጣሊያ ጉዳይ ዝምልከት እውን ንዝቐረበሎም ሕቶ፥

ብርግጽ ኢጣሊያ ምሉእ ዳግም ምዕታር ናይ ሕይወት ሕበረሰብነት ትርጉምን ክብርን የድልያ፡ እዚ ንምትሕልላይ ድዩ ንምቅርራብ መሰረት ካብ ምዃን ሓሊፉ ሕዝቢ ከም ማሕበረሰብ ዘበርትዕ እውን እዩ፡ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ብሓፈሻኡ ዝንጸባረቕ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ሓሓሊፉ ዘይምክእኣልን ዓመጽን ንናይ ካልእ ጸበባን ስቓይን ዕጹው ምዃን ዝኣመሰሉ ዝምባለታት ይረአይ፡ …  እዚ ኣብ ኢጣሊያ ጥራሕ ዝረአይ ማሕበራውን ሰብኣውን ኣሉታዊ ዝምባለ ኣይኰነን፡ ኣብ ኤውሮጳ ድዩ ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለም እውን ዝረአይ ዘሎ እዩ፡ ሃብቲ ካብ ጭቡጥ ኤኮኖሚ ናብ ተጻናጻናይ ኤኮኖሚ ምስግጋር ዘስዓቦ ክብ ምባል ፍልልያት ኣብ መንጐ ሃብታንም ድኻን ኣብላጺ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ዓውሎማነትን ምዕባለ እደ ጥበብን ካብ ዝህቦ ጥቕሚ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝፈጥሮ ምቅይያራት ስዒቡ ካብቲ ዘለዎ እወንታዊ ውጽኢት ክንየው ነቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገማትን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ከተእታትዎ ዝኽእል ዘይርጉጽነትን ንምብዳህ ቅሩብ ኰይኑ ክርከብ እዩ ዝግብኦ፡ ስለዚህ ንምስፋሕ ማሕበራውን ሰብኣውን ህልውናንውን ናይ ከተማታትን ደጋዊ ክፍልታትን ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ምሁራት ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ፡ … እዞም ኣሉታውያን መዳያት ተኣኻኺቦም ንብዙሕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ውጥረት ምኽንያት ከይኖም ናብ ዝገደደ ጸገም ከይትኣተወ እንከሎ ናይ ፖለቲካ ዓለም መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ይውዓል ይሕደር ክብል የብሉን…

ርክብ ሃገረ ኢጣሊያን ቤተ ክርስቲያንን?

ርክብ ኢጣሊያን ቤተ ክርስቲያንን ብኹሉ ተክለ ሰብነታዊ ጽፍሕታቱ ሰናይ እዩ፡ ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን፡ ብዙሕ ግዜ ሃገረ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ኣረኣእያ ክራኸቡ ኢኻ ትርእይ፡ ኣብ ብሔራዊ ድዩ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ኩሉ፡ …. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ኢጣሊያ ሓሊፉ ዓለም ለኻዊ እወታዊ ተጽእኖ ዘለዎ እዩ፡ እወታዊ ተጽእኖ ዘሕድርን ፈጣሪ እወታዊ ተጽእኖ ምዃኑ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ኢጣሊያ ማሕበረሰብ ኣብ መንፈሳዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ ቅዋም ዝተነብሩ ሸቶ ክብጽሑ ኣብ ዘኽእሉ መዳይ እውን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዋ፡ ኣብ ባህላዊ መዳይ እውን እንተረኣና፡ ኣብ ሕንጸትን ማሕበራዊ መዳያትን ኣብ ግብረ ሰናይን ንድኻታትን ዝተሓረጉን ክፍሊ ሕብረትሰብ ብቁምስናታት ኣቢላ እትህቦ ዓቢይ ድጋፍ እውን ጭቡጥ እዩ፡ …

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈጸምዎ ክልተ ሓዋርያዊ መገሻ ሰዓቢይ ሃይማኖት ምስልምና ኣብላጺ ኣብ ዝዀነለን ሃግራት፡ …

ሃይማኖት ኣብ ዓለም ለኻዊ ኣርአእያ ዘለዎ ሓላፍነት እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ኰነ ኣብ ኤውሮጳ እውን፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብፍላይ ዛይዱ ዝረአይ ዘሎ ከይዲ እዩ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ዓቢይ ክብረት እዩ ዝወሃቦም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ዘተን፡ ብዛዕባ ሰላምን ሕውነትን ዝዝትዩን ኰይኖም ምስ ዝርከቡ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኩነታትን ዝውክሉን ነቲ ዝረአይ ጽንፈይናውነትን ሃይማኖት ንጸረ ሰብኣውነት ንምጥቃም ንዝግበር ፈተነ ዘፍሽሉ ኰይኖም እዮም ዝርከቡ፡ ሎሚ ከም ቀደም ሃይማኖት ንናይ ፖለቲካን ስልጣንን ረብሓ መጋበርያ ክኸውን ምፍታን ዘረአይ እዩ፡ ካብ ቀደም ፍልይ ዘብሎ፡ ሎሚ ናይቲ ብስን ኣሓዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበባዊ ምዓባለ ተጠቃሚ ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዘሎ ህልው ኩነታትን ካብኡ ሓሊፍካ እውን ኣብ ኒው ዚላንድ ዝተፈጸመ ጸረ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መጥቃዕቲ ምጥቃስ ዝከኣል እዩ፡ ነዚ ምራኣይ እዅል ይኸውን፡ … ይዅን ደኣ እምበር እዚ ጸረ ማንም ዝዀነ ሃይማኖት ዝፍነውን ሃይማኖት መጋበርያ ውልቃውን ፖለቲካው ስልጣንን ረብሓታት ምጥቃም ዝብል ዝምባለ ንምውጋድ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕን ኣብነት ምቅርራብን ምክብባርን ኰይኑ ክርከብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ  ዝገበርዎ ናይ ሓባር ውሳኔ ንምጥቃስ ይከኣል፡ ኣብ ባንጉይ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብሓባር ኣብታ እናተዘዋወሩ ንሕዝቢ ሰላም ዝብሉላ ማኪና ብሓባር ምስ ናይታ ከተማ ዒማም እናተዘዋወሩ ንምኽፋት ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዘቕረብዎ ሰላምታ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ መንግስታት ጸረ ግብረ ሸበራን ኣሸበርትን ጽኑዕ ውሳኔን ተግባርን ክህልወዎም የድሊ፡ እቲ ዝበለጸ ግና ናይ ሕልናን ኣመለኻኽታን ሕንጸት እዩ፡ ስለዚህ ንናይ ሕልናን ኣመለኻኽታን ሕንጸት ብዙሕ ክስራሕእ ኣለዎ።

ክርስትና ንኤውሮጳ ከበርክቶ ዝኽእል ብሉጽን ዓቢይን ኣስተዋጽኦ፥ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ናይ ቁጽርን ፖለቲካዊ መዋቕራት ድምር ዘይከነስ ብሰብ ዝቖመት ምዃኑ ዘረጋግጽ ምስክርነት እዩ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዮም፡ ኤውሮጳ ማሕበረሰብ ምዃና ክተለልይን ንመጻኢ ወለዶ እዚ ዕሴት’ዚ ንምስግጋር …

ርእሰ ብሔር ማታረል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ናይ ጀርመን ርእሰ ብሔር ስታንማየር እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ናይ ዜጋታት ዝለዓለ ተሳትፎ ክህልዎ ኣብ ምትብባዕ ክንዓዪ ዝብል ዘመሕላለፍዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ርእሳነ ብሔር ከቲሞም ናቶም ገይሮም ክቃላሕ ገይሮም እዮም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምቕባልን ምሃብን ኣብ ዝብል ዓይነት ንግዳዊ ኣሰራርሓ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ዕሴታት ዝቖመ እዩ ክኽውን ዘለዎ፡ …. ኤውሮጳ ናይ ሓባር ቤት እያ፡ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ሓሳብ ኤውሮጳ ናብቲ ሕብረት ኤውሮጳ ክትከውን ኣብ መጀመሪያ ዓመታት ዝደረኻ ውዕዉዕ ተበግሶን መሰረት ሓሳባትን ምልስ ቢላ ክትነብሮን ዳግም ክትረኽቦን ዝጽውዕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ሰብኣውነትን ሰብን ዘማእከለ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውነትን፡ ባህላውን በርገስውን ግብረ ገባውን ምዕባለ።

ብመራኸቢ ብዙሓን እትግለጽን እትቐርብን ኢጣሊያ ኣሉታዊ ዝተመልኣ እያ? ብናትኩም ኣረኣእያ ኢጣሊያ እንታይ ትመስል?

ርእሰ ብሔር ማታረላ ብዘለዎም ሃገራዊ ሓላፍነት መሰረት ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኲይሪናለ ዝቕበሉን ንሶም እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብጻሕ ዘካይዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቶም ዘካይድዎም ርክባት ናይ ሓባር ስምምዕ ድዩ ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ብዙሕ ዝመያየጡን ብባህላዊ ብስነ ምርምራዊ ድዩ ብፖለቲካን ኤኮኖምን ሓይሊ ምክልኻልም ኣብ ዝብሉ ጉዳያትን ካልኦትን ዘካይድዎ ስምምዕ እውን ብዙሕ ምዃኑ ኣዘካኺሮም ኵሉ ንንናይ ሓባር ምዕባለን ምርግጋጽ ሰላምን ከምዝዀነ የብርሁ። ተሳትፎ ኢጣሊያ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ብዙሕ ዘይንገር እውን ይምሰል ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ከይተረፈ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ ተደናቕነት ዘለዎ እዩ፡ ኢጣሊያ ማእለያ ዘይብሉ ዕቑር ሓይሊ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ናይ ሓደ ሃገር ዕብየት ኣብ ምጥቃም ዕቑር ሓይሊ ደርጅ እዩ ዝምዘን፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኢጣሊያ ኣብ ተሓባባርነታ ብዙሕ እትጥቀስን እትድነቕን ሃገር እያ፡ ስለዚህ እዚ ንኢጣልያ ክብሪ ምዃኑ ኣብሪሆም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli e Andrea Monda)

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ፥ ኤውሮጳ ናብቲ ንሕብረት ዘበገሳ ዕሴት ክትምለሰን ንሰባት ክትግደስን
18 May 2019, 17:44