ቡርኪና ፋሶ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሎዕሊ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቡርኪና ፋሶ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሎዕሊ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 

ቡርኪና ፋሶ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሎዕሊ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ካብ መወዳእታው ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ኣርባዕተ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝወረደን እቶም ከምዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘውርዱ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዋና መንበሮም ኣብ ማሊ

ዕለት 26 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪና ፋሶ ሰሜናዊ ዞባ ኣብ እትርከብ ከተማ ፉልፈ ሸሞንተ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝፈጸምዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክልተ ምእመናን ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶምን ካልኦት ኣርባዕት ከምእተቐትሉን ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ወርሒ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ኣርባዕተ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸ ናይ ካያ ጳጳስ ገሊጾም፡ እቶም ኣሸበርቲ ነቲ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተን ሕንጸት ሰላምን ንምስንኻል ዝኣመቱ ምዃኖም ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶ ኣብ እትርከብ ዞባ ሎሩም ካብ ማእከል ከተማ ቲታኦ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቱልፈ ከተማ ኣብ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ እናዓረገ እንከሎ ዕጡቓት ሓይሊ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ብተደጋጋሚ ዒላማ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ እኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝዀነ እውን ክሕበር እንከሎ፡ በቲ ዝውረደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ምእመናን ከም እተቐትሉ ናይ ሰበኻ ኡሁጉያ ጳጳስ ብፅዕ ኣቡነ ጁስቲን ካንተጋ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽሪ ዝጠቐስ ፌደስ ናይዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ እውን እቶም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸሙ ሸሞንተ ኣጽዋር ዝተዓጥቁ ሰባት ምዃኖም ከፍልጥ እንከሎ፡ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ጠያይት ብምትኳስ ዘውረድዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይሕብር።

ካብ መወዳእታው ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም.  ኣብቲ ከባቢ ኣርባዕተ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝወረደን እቶም ከምዚ ዓይነት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘውርዱ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዋና መንበሮም ኣብ ማሊ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ 2015 ዓ.ም. ሰለስተ ሽበርዊ መጥቃዕቲ ከምዝወረደን ኣብ 2016 ዓ.ም. 12፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. 19 ኣብ 2018 ዓ.ም. 137 ሸበራዊ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸመን ነዚ ግምት ብምሃብ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ቡርኪና ፋሶ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክብ ይብል ምህላዉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቡርኪና ፋሶ ምስ ማሊን ኒጀርን ኣብ ዘዳብው ከባቢ ብተደጋጋሚ ግብረ ሸበራን ምጭዋን ዝፍጸመሉ  ኣብ ሰሜን ከባቢ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2018 ዓ.ም. ንነጀው እውን ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ እታ ሃገር ዘይምርግጋእ ይተኣታተው ምህላዉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ኣስዒቡ፡ ኣብ ከባቢ ሳሐል ጸረ ጂሃዳውያን ስርሒት ቡርኪና ፋሶን ማሊን ማውሪታኒያን ኒጀርን ጫድን ብውህደት ከምዝንቀሳቐሳ የዘኻኽር።

ቡርኪና ፋሶ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሎዕሊ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
28 May 2019, 17:32