ግብረ ሽበራን ኣልቦ ፍልቀታውነቱን ግብረ ሽበራን ኣልቦ ፍልቀታውነቱን 

ግብረ ሽበራን ኣልቦ ፍልቀታውነቱን

እቲ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ጉጅለ ሽብርተይና ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገር ብዘስድዖም ናይ ወጻኢ ሰዓብቲ ኣቢሉ ዝፍጽሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጭቡጥ እዩ

ብመንጽር እቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ” ፍልቀት ኣሸባርነት ዘማእከለ ጥልቂ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ኣነ እየ እንክብል እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ሽብርተይና ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝገለጸን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሽበራን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ካልኦት ሃይማኖታትን ጉዳይ ዝምልከት ፍልዩ መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣብ ልዊስ መንበረ ጥበብ መምህር ኣለዳንድሮ ኣርሲኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ርኢኻ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሽበራ ተመሳሳልን ኣልቦ ፍልቀትን ምዃኑ የመላኽት፡ ነዚ ዝበሉ ኣብ መንበረ ጥበብ ልዊስ ውግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሽበራን ጸጥታን ደሕንነትን ዝምልከት ክፍሊ ዋና ኣሰናዳኢ ፕሮፈሰር ኦርሲኒ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣሸበርቲ ዝጥቀምሉ መጥቃዕታዊ ስልቲ ተመሳሳሊ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ብትኽክል እቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ሽብርተይና ጉጅለ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ሕታም ኢድ ዘለዎ መጥቃዕቲ ዘመላኽቶ ሓቂ ምዃኑ የብርሁ።

እቲ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ጉጅለ ሽብርተይና ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገር ብዘስድዖም ናይ ወጻኢ ሰዓብቲ ኣቢሉ ዝፍጽሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጭቡጥ እዩ፡ ስለዚህ ናብቲ ኣብ ኣመሰራርታኡ ዝነበሮ ኩነት እዩ ዝምለስ ዘሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር ኣቑይሙ ልክዕ ከምቲ ዓልቃይዳ ክውለድ እንከሎ ካብ ሓንቲ ሃገር ዝተበገሶ ዓይነት ብጋሴኣዊ ከይዲ ብምስዓብ ገዛእ ርእሱ ከስፍሕ ዝብል ሕልሚ ዝነበሮ እዩ፡ እዚ ዕላማ’ዚ ግና ኣብ ሶሪያ ኰነ ኣብ ዒራቕን ስለ ዝፈሸለ ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ኵነት እዩ ዝምለስ ዘሎ፡ ስለዚህ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ብዝተፈላለየ መገዲ እናስደዐ መጋበርያ ግብረ ሽበራ ከውዕሎም እዩ፡ እዚ እቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ የረጋግጾ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ዛዚሞም። 

ግብረ ሽበራን ኣልቦ ፍልቀታውነቱ
26 April 2019, 16:36