ናጽነት መሰረት መንነት፡ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ኣብ ፊረንዘ ናጽነት መሰረት መንነት፡ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ኣብ ፊረንዘ 

ናጽነት መሰረት መንነት፡ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ኣብ ፊረንዘ

ዝዀነ ይዅን ሃይማናት ንጸሎት ግዜን ቦታን ኣለዎ፡ ነዚ ግዜ እዚ ብሓባር ንምንባር ካብቲ ዝፈላልይ መሰረተ እምነት ወይ ሃይማኖት ምንቃል የድሊ

ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ Ora – te - ጸልዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኩሉ ንናይ ሓባርን ብሓባራውን ንጸሎት ቦታን ግዜን ክወሃበሉን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቀዳምነት ኣብ እዋናዊ ሕይወት ካብ ጸሎት ዝነቐለ ትውሳአ ክህልዎ ዝዕድምን ካብ ጸሎት ዝነቐለ ትውሳኤ ዘተሓሳስብ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ሃይማኖታት ዓውደ በዓል ዕለት ዕለት 25 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቪረንዘ ክፍለ ከተማ ሳን ሚኒያቶ ከምእተኸፍተን ዕለት 27 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይ ቅዱስ ሚኒያቶ በነዲክታዊ ገዳም ምስረታ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብኡ ተረኺቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝዀኑን እቲ ዓውደ በዓል ዕለት 28 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዝዛዘም ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሉካ ኮሎዲ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፥ ዕለት 27 ሚይዝያ 2019 ዓ.ም. ናይቲ በነዲክታዊ ገዳም ምስረታ መበል 100 ዓመት ንምብዓል ቅድሚ ሓደ ዓመት ብናይ ፊረንዛ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ዝተኸፍተ ቅዱስ በሪ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓጽዉ እዮም።

ብዛዕባ ሃይማኖታትን ሃይማኖታት ኣብ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብ ዘለዎ ጽልዋን ዝመያየጥ ዓውደ በዓል ብምዃኑ፡ ኣመንትን ኢኣማንያንን ውሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናንን ዘሳተፈን፡ እዚ መደብ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ካብ ዝተበገሰሉ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዙ፡ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ናይ ስነ-ማሕበርን ናይ ስነ ታሪኽን ሊቃውንትን ደራስያንን ናይ ስነ ጥበብ ኣካላትን ጋዜጠይናታትን ኣሳቲፉ ዝካየድ ከምዝዀነ ይፍለጥ።

ናይ ገዳመ ቅዱስ ሚኒያቶ ኣበምኔት ኣባ በርናርዶ ጃኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ሃይማኖታት ዓውደ በዓል፥ ሃይማኖት ማሕበራዊውን ፖለቲካውን ረቛሒ ኣድማስ  ቅድሚ ምዃኑ እቲ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ግብረ ሽበራ ንኤውሮጳን ንዓለምን ዓቢይ ሕቶን ብድሆን ከይኑ ኣሎ፡ እዚ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት’ዚ፡ እቲ ዝፈላልይ ዝልለየሉን እቲ ዝፈልየካ ፍሉይ ዘብለካ ምፍላጥ ብሓባር ተራኺብባ ንምዝታይን ንምልላይን ዘብቕዕ ባይታ ፈጣሪ እዩ፡ ዝፈላልየካ ዘይምፍላጥ ነቲ ዘራኽብ ንዘይምልላዩ የድርኽ፡ ስለዚህ ዝተፈላለየ ጨንፈር ስነ መጽናዕቲ ዘቕርቦ መሰረተ ሓሳብ ፍልልያት ሃይማኖታት ብዕምቆት ዝትንተነሉ ምዃኑ የመላኽቱ።

ሉተር ከምዝብሎ፡ ዘይምጽላይ እምነት የጥፍእ፡ ዝዀነ ይዅን ሃይማናት ንጸሎት ግዜን ቦታን ኣለዎ፡ ነዚ ግዜ እዚ ብሓባር ንምንባር ካብቲ ዝፈላልይ መሰረተ እምነት ወይ ሃይማኖት ምንቃል የድሊ፡ ብሓጺሩ እቲ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ኩሉ ናብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መሰረት፥ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ምምላስ ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናጽነት መሰረት መንነት፡ ዓውደ በዓል ሃይማኖታት ኣብ ፊረንዘ
26 April 2019, 16:42