ድለ

ምስሪ፡ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያናቶም ሕጋዊ መሰል ክወሃበን  ይጽበዩ ምስሪ፡ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያናቶም ሕጋዊ መሰል ክወሃበን ይጽበዩ 

ምስሪ፡ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያናቶም ሕጋዊ መሰል ክወሃበን ይጽበዩ

120 ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን 20 ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳውያን ማሕበራት ኣባይትን ሕጋዊ መሰል ክረኽባ ኣብ ምጽባይ ከምዘለዋን፡ እዘን ኣቢያተ ክርስቲያን ሕጋዊ መሰል ክወሃበን

ኣብ ምስሪ ልዕሊ 900 ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ መንግስቲ ሕጋዊ መሰል ክወሃበን ይጽበያ ከምዘለዋን፡ ብፍላይ መብዛሕቲኤን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዘይ ዘድሊ ፈቓድ ዝተሓንጻ ምዃነን ይንገር፡ እዚ ዜና’ዚ ኣብ ምስሪ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ናይ ካልእ ሃይማኖት ሰዓብትን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ዝፍጽምዎ ዓመጽን መጥቃዕትን ርኢኻ ብሓቂ ዓቢይ እዋናውን ኣገዳስን ምዃኑ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ትኵረት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ምስሪ ሕጋዊ መሰል ዝተወሃበን ማለት ካብተ ብዘይ ፍቓድ ዝተሓንጻ ዝበዝሓ ኦርቶዶክሳውያን ከምኡ እውን ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ክዀና እንከለዋ፡ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን እዚ ዕድል’ዚ ከምዘይተወሃበን ኣብ ምስሪ ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣባ ቡሎስ ጋራስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ 120 ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን 20 ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳውያን ማሕበራት ኣባይትን ሕጋዊ መሰል ክረኽባ ኣብ ምጽባይ ከምዘለዋን፡ እዘን ኣቢያተ ክርስቲያን ሕጋዊ መሰል ክወሃበን ነዚ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ ሰዓቢ ቆጵጣዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ጠበቓ ይካትዑ ከምዘለዉን፡ ቅድሚ ሕንጸት ፍቓድ ንኽወሃበን ሕቶ ዘቕረባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምዃነን እውን ገሊጾም፡ እዞም ጠበቓ ምስ ናይ ምስሪ መራሔ መንግስቲ ሙስታፋ ማድቡልይ ከምእተራኸቡን፡ እተን ኣቢያተ ክርስቲያን ብዘይ ፍድቓድ ዝተሃንጻ ስለ ዝዀና ይታዓጸዋ ዝብል ውሳኔ ከምዘይወሃብ ዘረጋግጽ ሓበሬታ እውን ከምእትወሃቦም፡ እዚ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ብታሕጓዝ ዝተቐበለኦ ሓበሬታ እዩ ኢሎም።

ኣባ ጋርሳ ይብሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያንን ክርስቲያን ማሕበረሰብን ኣብ ምስሪ ዝተፈላለዩ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ወሪዱ እዩ፡ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ኣብ ምስሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ምሕናጽ ዝቃወሙ እያቶም ስለዚህ እዩ ድማ ዝተፈላለየ ጸረ ክርስቲያን ዝሃቀነ ግብረ ሽበራ ዝፍንዉ፡ መንግስቲ ብዘይ ፍቓድ ዝተሓንጻ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕጋዊ መሰል እውን እንተሃበን እዚ ውሳኔ’ዚ ነቲ ጸረ ክርስቲያን ግብረ ሸበራ ደው ዘብሎ ከምዘይኰነ ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ክታም ዝተነብሮ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ መርሕነት ኣካላት ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ተራ ዜጋታት ክሰርጽ ምግባር ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት ምስ በሉ፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሓንጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማዕዝን እምን ዝዀነ ባዕሉ እዩ ቤቱ ዝሕልው፡ ስለዚህ ንቤት ኣቡኡ ቀናእ ስለ ዝዀነ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ምስሪ፡ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያናቶም ሕጋዊ መሰል ክወሃበን ይጽበዩ
17 April 2019, 16:32