ክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ብሓባር ምእንቲ ስሪላንካ ክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ብሓባር ምእንቲ ስሪላንካ 

ክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ብሓባር ምእንቲ ስሪላንካ

ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ስሪላንካ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ኵለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ነቲ ሸበራዊ መጥቅዕትን ኣኽራርነትን ዘውግዝን ነቶም ዝተጐድኡ ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋግጽ መልእኽቲ

ዓመጽ ዓመጽ ክወልድ የብሉን፡ ሕነ ምፍዳይ መውጽኢ ናብ ዘይብሉ ዒንኪላሎ እዩ ዘእትው፡ እዚ ካብ ናይ ክርስቲያንን ኣይሁድን ኣስላምን ዓለም ብሓባር ነቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ዝኹንን፥ ማሕበረሰብ ዓለም ምእንቲ ሰላም ኣበርቲዑ ክጽሊ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ካብ ኩለን ሃይማኖታት መራሕትን ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ 45 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎ ንልዕሊ 359 ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ስሪላንካ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ኵለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ነቲ ሸበራዊ መጥቅዕትን ኣኽራርነትን ዘውግዝን ነቶም ዝተጐድኡ ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰፒያ ኣስዒበን፡ ኰለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስሪላንካ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትን ጸሎትን ንማሕበረ ክርስቲያን ስሪላንካን መላእ ሕዝባን ቅርበቶም ጸሎቶምን ኣብ ዘረጋገጽሉን ኩሉ ምእንቲ ስሪላንካ ክጽልይ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኩለን ሃይማኖታት ከምዝሓበራ ኣመልኪተን፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራን፡ ግብረ ጽልእን ዓመጽን ኣኽራርነትን ካብ መን ይንቀል መን ተሓታቲ ብዘየገድስ ብዘይ እንተን ብዘይ እንተዀነ ግና ውጉዝን እዩ ቢሎም፡ ኩሉ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምሕናጽ ብዘተን ብሓድ ሕዳዊ ምክብባር ክሓንጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ናይ ሞስኰን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናብ ናይ ስሪላንካ ርእሰ ብሔር ማይትሪፓላ ሲሪሰን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ እቲ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልቦም ብሓዘን ክምዝመልኦ ገሊጾም መንግስትን መርማሪ ሓይሊ ጸጥታን ነቲ ኣረመናዊ ተግባር ዝፈጸመን ዝወጠኖን ተሓታቲ ዘበለ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከወዕሉን ዳግም ተመሳሳሊ ኣድማዪ ገበን ከይኽሰት ክዓዩ ተስፋ ከዘለዎም እውን ይገልጹ፡ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕነቶም ጁስቲ ወልባይ እውን ብወገኖም፡ እቲ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕት ክዘርኦ ዝደልይ ምግምማዕን ሕንፍሽፍሽን ዕዉት ከይኸውን ኩሉ ብሓባር ሓድነቱ ኣጽኒዑ ጸረ ጽልእን ምግምማዕን ክተግሁ ኣተሓሳሲቦም ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንስቱ ክቕበሎምን ንዝተሃሰዩ ቅልጡፍ ፈውሲ ከምእተማሕጸኑ ሰፒያ ገሊጸን።

ናይ መደምደምታ ቃል ጽልእን ሞትን ኣይኰነን

ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ክቡርነቶም መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም እቲ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ባህላውን ስኒት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘበለ ተግባር ኩሉ ኣብ ምቃዋም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክጸንዑን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ ሕይወት ቅዱስ ክብሪ ዝቃወም ጸረ ናይ ሕይወት ተግባር፡ እቲ ቅዱስ ዝዀነ ዘርክስ ጸረ ህልውና እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣባል ኣብ ስሪላንካ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ክቡርነቶም ድሂሎራጅ ቻናጋሳበይ፥ ነቲ ግብረ ሸበራን ሞትን ሕልቂትን ጽልእን ምግምማዕን ዘተኣታትው ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንኹንን ነቶም ዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ስድራ ኣባይቲ ሙታንን ከጸናንዕን እቶም ዝተሃሰዩ ፈውሲ ካብ እግዚኣብሔርን ተማሕጺኖም፡ ተሓታቲ ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብ ዝካየድ መርመራ ጽኑዕን ጥልቅን ክኸውንን መንግስቲ ናይ ሃይማኖት መግለጺ ስፍራን ናይ ስግደትን ኣምልክዀን ስፍራ ኵሉ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ኣብ ምግባርር ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብ ሃይማኖትን ምፍርራሕንን ዓመጽን ከይተዃቶኽ ብዓንተውኡ ኣብ ምክልኻል ክነቕሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ኣሸበርቲ ናብ ምልዋጥ ከብሉ መታን እግዚኣብሔር ልቦም ይተንክፍ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዳኒኤል ዲ ናርዶ፥ እቲ ግብረ እከይ ነቲ ካብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ዝተዓደለና ተስፋ ኣየቕህም፡ ማሕበረ ክርስቲያን ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ኣብ ዘብዕለሉ ዕለት ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ብምዃኑ ከመሓላልፎ ዝደልይ መልእኽቲ ንጹር እዩ፡ ጸረ ሕይወት እዩ፡ ናይ ሞት ባህሊ ኣምላኽያን ዝፍጽምዎ ተግባር እውን እዩ ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ንዝሞቱ ኣብ መንግስቱ ክቕበል ስድራ ቤቶም ከጸናንዕን ዝተሃሰዩን ቅልጡፍ ምሕዋይ ከምእተመነዩ ሰፒያ ገሊጸን፡ ናይ ቅድስቲ መሬት ጉባኤ መደበይና ካቶሊካውያን፥ ኣሸበርቲ ናብ ምልዋጥ ከብሉ መታን እግዚኣብሔር ልቦም ይተንክፍ ዝብል ጸሎት ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ የመልክታ።

ኣልቦ ተጻዋርነት ንግብረ ሸበራ

ግብረ ሽበራ ክንጻወሮ ዘይግብኣና ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ክዀኑ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዅንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ግብረ ሽበራን ኣሸበርትን መኽረርትን ንናይ ኵለን ሃይማኖታትን ዝዀነ ይኹን ኑዛዜ እምነትን ዝጻረሩ እያቶም፡ ኣሸበርትን ኣኸረርትን ግብረ ሽበራን ኵለን ሃይማኖታት ብሓባር ሓይለንን ዓቕመንን ኣዋዲደን ክቃወማ ይግባእ ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣይሁድ እምነት ጉባኤ ኣቦ መንበር ሮናልድ ላውደር እውን ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስግደትን ኣምልዀን ዝፍጽሙ ኣብ ዝነበሩ ምእመናን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣረመናዊ ተግባር እንክብሉ ገሊጾም፡ ካብዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ጸረ ግብረ ሽበራን ዝካየድ ምንቅስቓስ ኩሉ ዘበርትዕ ሓይሊ ዝጽውዕ ይኹን ምስ በሉ፡ ብዘይ ይጽንሓለይ ኣብ ልዕሊ ኣሸበርቲ ጽኑዕ ክትልልን ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብ ዝድግፍ ዓለም ሓቆፋዊ ጥምረት ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሊ ሰፒያ የመልክታ።

ናይ ኣምልዀን ስግደት ናጽነት ምክልኻልን ምኽባርን

ጳጳሳዊ በዓል ስልጣን ዘለዎ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ዝርከብዎ ካብ ዝተፈላለያ ዘይ መንግስታውያን ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ነቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኹንን ምሉእ ምትሕብባርን ደገፍን ንሕዝቢ ስሪላንካ ዘተባብዕ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልዮ ማሕበር፥ ነቶም ብበዓለ ፋሲካ ምኽንያት ኣብ ስግደትን ኣምልዀን እንከለዉ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሃለቑ ኣሕዋት ዝተሰምዖ ሓዘን ከቢድን መሪርን ምዃኑ ገሊጹ፡ ክርስቲያን ስለ ዝዀኑ ጥራሕ ዝቕተሉን ዝሳደዱ ምእመናን፡ ክርስትና ጐደና ሰላምን ሰላማውነትን ሕውነትን ምትሕብባርን ምቅርራብን ምቅብባልን ምዃኑ ይምስክሩ፡ ነዚ ስለ ዝነብሩ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣሕዋት ዝወረዶም ቅትለትን ከምዘቖጠዖን፡ ክርስትያን ጽልእ ብጽልእ ዘይምልስ እዩ፡ ንውሁዳን ሃይማኖታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምክልኻል ክተባባዕን ብፍላይ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብምልኣት ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ብእዋኑ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብኻልኣይ ደረጃ ዝቕመጥ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምዘይኰነ ዘስርጽ ባህሊ እንተዘይሰፈሔ ደሓር ምስ ደንጐየ ሸበድበድ ምባል ትርጉም ኣይክህልውን ኣዩ፡ ስለዚህ ናይ ሃይማኖት ናጽነት መሰረት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምዃኑ ሕዝብታትን መንግስታትን ከስተውዕሉ ይግባእ ከምዝበለ ኣፍሊጠን።

ክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ብሓባር ምእንቲ ስሪላንካ
24 April 2019, 16:33