ሩዋንዳ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓሌታዊ ህልቀት ሩዋንዳ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓሌታዊ ህልቀት 

ሩዋንዳ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓሌታዊ ህልቀት

ናብ ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ስምዒት ሓደራ ከይተብሉ እምሕጸነኵም፡ ዘተን ምሕረትን ብትብዓት ከተሳልጡ እላብወኵም፡ ኣብዚ እታ ሃገርኵም እትነብሮ ዘላ ጽንኵር እዋን ኵላትኩም ናይ ፍቕርን ሰላም መጋበርያ ኲይንኵም ክትርከቡ እጽልይ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 8 ሚያዝያ 1994 ዓ.ም.

ኣብ ሩዋንዳ ካብ ዕለት 6 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 1994 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ልዕሊ 800 ሺሕ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ከምዚ ዓይነት ዓሌታዊ ህልቀት ዳግም ኣብ ዓለም ከይኽሰት ምጥንቃቕ የድልይን ክይፍጠርን ንሓዋሩ ከይህሉ ናይ ምግባር ጻዕሪ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ  ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናብ ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ስምዒት ሓደራ ከይተብሉ እምሕጸነኵም፡ ዘተን ምሕረትን ብትብዓት ከተሳልጡ እላብወኵም፡ ኣብዚ እታ ሃገርኵም እትነብሮ ዘላ ጽንኵር እዋን ኵላትኩም ናይ ፍቕርን ሰላም መጋበርያ ኲይንኵም ክትርከቡ እጽልይ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 8 ሚያዝያ 1994 ዓ.ም. ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እታ ናይ ሩዋንዳን ብሩንዲን ርእሳነ ብሔራት ናይ ሁቱ ዓሌት ዝዀኑ ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣየር ብተወንጫፊ ተወቒዓ ናይ ሞሞት ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ናብ ናይ ሩዋንዳ ብፁዓን ጳጳሳትን ምእመናንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም፡

ጽልእ ሁቱ ንዓሌት ቱትዚ

ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ርእሳነ ብሔራት ዝተፈጸመ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ጽልእ ሁቱ ኣብ ልዕሊ ቱትዚ ዘጓሃሃረን ልዕሊ 800 ሺሕ ዝግመቱ ቱትዚ ከምእተቐትሉን፡ ብታሪኽ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሕልቂት ስዒቡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝተራእየ ሕልቂት ዘርኢ ሰብ ተባሂሉ ዝንገረሉ ክኸውን እንከሎ፡

እቲ ክርስቲያናዊ ሃገር ንውልቃዊ ኢጐነት ኢዱ ሃበ

ጳጳሳዊ ናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኮምቦናዊ ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ ምስ ቫቲካን ኣገልግልት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እዚ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተፈጸመ ሕልቂት’ዚ ኣብታ 65 ሚእታዊ ካቶሊክን 15 ክኣ ፕሮተስታንት ምእመን ዝዀነላ ሃገር እዩ፡ እዚ ዅሉ ዓሌታዊ ህልቀት ኣብታ ብዙሃን ክርስቲያን ምእመን ዝዀነላ ሃገር ዝተፈጸመ እዩ፡ ፍቕርን ዕርቅን ዝኸሓደ ነቲ ናይ ሕይወት ልዑል ክብሪ ዝገሃሰን ተግባር ዝተፈጸመሉን እቲ ክቡር ሕይወት ኣብ ናይ ኢጐነት መንበረ ታቦት መስዋዕቲ ዝዀነሉ እዩ። ክርስትና ምሕረትን ፍቕርን ይቕረ ምብህሃልን ዕርቅን እዩ፡ ነዚ ዘይነብር ክርስትያን ክርስቲያን እየ እንተበለ ሓሳዊ እዩ ኢሎም።

ድሕሪ 25 ዓመት ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 7 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ናብራ ስንብራት ሕዲጉ ዝሓለፈ ዝኽሪ ዓሌታዊ ህልቀት ክሳብ እታ ዕለት 4 ሓምለ 1994 ዓ.ም. ናይ ዓማጽያን ሓይሊ መራሒ ዝነበሩ ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ፓውል ካጋመ ናብ ኪጋሊ ዝኣተውሉ ዕለት  ምኽንያት ብምግባር ናይ ሚእቲ መዓልቲ ሓዘን ከም እተኣወጀን ክንገር እንከሎ፡ መጻኢ ኣብ ኢድ ሓድሽ ትውልዲ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ዓለም ሕልቂት ከይኽሰት መታን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዕርቅን ሰላምን ዝተሓንጸ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ኣባ ኣልባነዘ ኣስዒቦም፡

ነዊሕ ጐደና ዕርቂ

ንዝበደለካ ይቕረ ምባልን እውነተይና ዕርቅን ድሕሪ ዝወረደካ በደልን ዓመጽን ብዓይኒ ሰብ ክረአይ እንከሎ ፈጺሙ ዘይከኣል ክመስል ይኽእል፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብ ክርስቶስ ዝጽገው ጸጋ እዩ፡ ዋላ’ኳ እቲ ናይ ዕርቂ ጐደና ነዊሕን ዘድክም እውን እንተመሰለ ትዕግስቲ ዝሓትትን ዘተን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝብል ብሕይወት እምነትን ጸሎትን ዝከኣል እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሓዋርያዊ ምብጻሕን መንፈሳዊ ንግደትን ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሩዋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ክኽውን እንከሎ፡ ሩዋንዳ ብዘካየደቶ ኣድካምን መስዋዕትነትን ዝሓትት ጐደና ዕርቒ ብዙሕ ፍጻሜታት ከዊና እያ፡ ንኣብነት ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ፍረንሳ ርእሰ ብሔር ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓሌታዊ ህልቀት ኣብ ኪጋሊ ክርከቡ ዕድመ ክቐርበሎም ምርኣይ ክሳተፉ እውን ኣይኽኣሉ እዚ ውሳኔ’ዚ ሓደሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ እንክብሉ መግለጺ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፡

ሳዕቤን ዓሌታዊ ህልቀት

እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ሕልቂት ክድገም እዩ ቢልካ ዘይሕሰብ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሩዋንዳ ካብ ዕለት 4 ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ሓምለ 1994 ዓ.ም. ተሓጹሩ ዝተርፍ ዘይኰነስ ክሳብ 1997 ዓ.ም. ዝቀጸለ እዩ ዝመስል፡ ከምዚ ብምዃኑ ዳግም ከይኽሰት መታን ሓቅታት ኩሉ ክገሃድን ነዚ ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ኵሉ ፈሊኻ ምሕዋይን የድሊ፡ ኣብ ረፓብሊካዊት ደሞክራሲያዊት ኰንጐ ዘሎ ኩነታት ተመዛበልቲ ሁቱ …. ብሓጺሩ ካብት ዝተነግረን ዝተጻሕፈትን ክንየው ምኻድ የድሊ፡ ሓደ ሕማም ካብ ሱሩ ንምፍዋስ ናብቲ ናይቲ ሕማም ሱር ምብጻሕ የድሊ፡ እንክብሉ ኣባ ኣልባነዚ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሩዋንዳ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዓሌታዊ ህልቀት
09 April 2019, 17:43