ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ 

ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ

መላእ ዘርኢ ሰብ ሃረር ኣብቲ ዝብሎን ትጽቢታቱን ኩሉ ንዓኹም ዘለዎ ኣተኵሮ ዓቢይ ምዃኑ ክዝክር እፈቱ

ብምኽንያት ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናብ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕንቋዕ ሓጐሰኩም መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡ ስለ እቲ ዘይሕለል ሰናይ ጻዕሮም ኩሉ ነመስግን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ስለ እቲ ዘይሕለል ሰናይ ጻዕርታትኩምን ስሌዅም ሰናይ ምንዮት ንምግላጽን ኣብ ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየትኩም ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ብስመይን ብስም ሕዝቢ ኢጣሊያ ከመሓላልፈልኩም ሓጐስ ይስምዓኒ ዝበሉ ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣስዒቦም፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ሃረር ኣብቲ ዝብሎን ትጽቢታቱን ኩሉ ንዓኹም ዘለዎ ኣተኵሮ ዓቢይ ምዃኑ ክዝክር እፈቱ ቢሎም፡

ተስፋን ሰላም ሕውነትን

ናይ ቅዱስነቶም ጽዑቕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝፈጸምዎም ዓበይቲ ሓዋርያውያን መገሻታትን ኣብ ፓናማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ሱታፌኦምን ምዕዳኖምን ኣብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻታትኩም ናይ ሃይማኖትን ባህልን ዓሌትፍ ፍልልይ ከምዘሎ ኰይኑ ናይ ተስፋን ሰላምን ሕውነትን መልእኽቲ ንዅሉ ኣቃሊሕኩምን ናይ ብዙሓት ሕልና ኣነቓቒሕኩምን ትንኪፍኩምን ዘተን ምርድዳእን ዘተባቢዕኹም።

ር.ሊ.ጳጳሳትን ኢጣሊያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሮማ ጳጳስ ምስ ኢጣሊያ ዘለዎም ዓሚዩቕ ቅርበት ኣብ መልእኽቶም ዝዘከሩ ርእሰ ብሔር ማታረላ፡ ኣብ ፑሊያን ቶስካናን ሲቺሊያን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻታት እውን ጠቒሶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ኣብ መላእ ዓለምን ስለ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠበቕ ብምዃን ብቓልን ብግብርን እተቕርቦ ኩለ መደያዊ ድጋፍ ጠቒሶምን ጳውሎስ ሻድሻይ ቅዱስና ኣብ ዝተኣወጀሎም እዋን ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ እውን ዘኪሮም ደጊመ ስል ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሕርየትኩም ካብ መዓሙቕ ልቢ ብዝነቕል ሓጐሰይ እናገለጽኩ እንቋዕ ኣብጽሓኩም እብል ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን።  

20 March 2019, 17:19