ድለ

ዕለት 8 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዕለት 8 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ  

ዕለት 8 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ጓለንስተይቲ ዘለዋ ኣገዳስነትን ከመላኽቱ፥ ናይ ሕብረተሰብ ማእከልን ናይ ሕብረተሰብ ስኒትን ስነ ግጥምን ውህበትን ውበትን እያ

እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝሓቍፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ካብቲ ዘበርክቶ ኣገልግሎት ሓደ ኣብ ዓለም መሰልን ክብርን ደቀንስትዮ ኵለንተናዊ ተኸባርነት ክህልዎ ዝብል ምዃኑ ይፍለጠ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መላእ ሃገራት ዓለም እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም. ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ የብዕላ፡ እዚ ኸኣ ኵነታትን ቃልስን ደቀንስትዮ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ እውን እንተዀነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ደቀንስትዮ ሰብኣዊ መሰለንን ክብረንን ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ክኸውን ኣብ ቃልሲ ከምዝርከባን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም እውን ደቀንስትዮ ኣብ ተመሳሳሊ ምስብ ስራሕ እውን እንተዀነ ካብ መሳርሕተን ደቂተባዕትዮ ዝተሓተ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ከምዝረኽባን ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድለን ድሩትን ኣብ ማሕብራዊ መዳይ ትሑት ተሳታፍነት ክህልወን ዝግደዳን ኣብ ሓላፍነት እውን እንተዀነ ድሕሪ ደቂተባዕትዮ ዝስርዓ ኰይነ ከምዝርከባ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳትን ደቀንስትዮን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ጓለንስተይቲ ዘለዋ ኣገዳስነትን ከመላኽቱ፥ ናይ ሕብረተሰብ ማእከልን ናይ ሕብረተሰብ ስኒትን ስነ ግጥምን ውህበትን ውበትን እያ፡ ሕብረተሰብ ሰብኣውን ብሉጽ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ክኸውን ናይ ምሕናጽ ብቕዓት ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለት እያ እንክብሉ ይገልጽዋ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብሓድሽ ጊልያነት ካብ ዝሳቐይ ጠቕላላ 40 ሚሊዮን ሕዝቢ ዓለም እቲ 71 ሚእታዊ ብደቀንስትዮ ዝሽፈን ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ክውንታ ብኣሃዝ ጸብጻብ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ኢጣሊያ ውልዲ ሕጻናት ኣዚዩ ትሑት ምዃኑን ኣብ 2018 ዓ.ም. 449 ሺሕ ሕጻናት ጥራሕ ከምእተወልዱን ምስ 2017 ዓ.ም. ከነጻጸር እንከሎ ብ 9 ሺሕ ከምዝነከየን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድለን እውን ካብ ብጾተን ደቂተባዕትዩ ኣዚዩ ትሑት ምዃኑ ይሕብር።

08 March 2019, 17:23