ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሊቦኖስ፥ ንተመዛበልቲ ሶርያ ድጋፍ ምቕራብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሊቦኖስ፥ ንተመዛበልቲ ሶርያ ድጋፍ ምቕራብ 

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሊቦኖስ፥ ንተመዛበልቲ ሶርያ ድጋፍ ምቕራብ

ኣብ ሊባኖስ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ብጠቕላላ ምስ ተመዛበልቲ ስደተይናታት ዒራቓውያን ሓዊስካ ነቶም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ንዝግመቱ ተመዛበልቲ ስደተይናታት

ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፕተሪ ካብ ሶሪያ ተሰዲዶም ናብ ሊባኖስ ንዝኣተው ሶርያዊያን ዝቐርብ ግብረ ሰናይን ንእንገዳኦም ዝካየድ ህርኩት ጻዕሪ እንታይ ይመስል ገሊጾም፡ ኣብ ናይ ሃገሮም ሶሪያ ዳግማይ ሕንጸት ተዋሰእቲ ንኽዀኑ እዞም ተመዘበልትን ስደተይናታትን ሶሪያውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘለዎም ድላይ ግምት ብምሃብ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ከቕርብ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሊባኖስ ነቶም ተመዛበልትን ስደተይናታትን ተወለድቲ ሶሪያ ንምእንጋድ እተካይዶ ጻዕሪ ብሓቂ ዝነኣድ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ስፒተሪ፡ ሕዝቢ ሊባኖስን መንግስቲ እውን ብሓቂ ኣብ ምእንጋድ እቶም ተመዛበልቲ ዘርእዮ ሓልዮት ከም ኣብነት ዘግልጾ ምዃኑ ብስልኪ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና መደብ ቋንቋ ጣልያን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ሰብኣዊ ሓገዝን መደብ ሕንጸትን ንተመዛበልቲ

ኣብ ሊባኖስ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ብጠቕላላ ምስ ተመዛበልቲ ስደተይናታት ዒራቓውያን ሓዊስካ ነቶም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ንዝግመቱ ተመዛበልቲ ስደተይናታት ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክንየው ንሕጻናት ተመዛበልትን ስደተይናታትን መደብ ሕንጸት ብምቕራብ ትምህርቶም ንኸየቋርጹ ብዙሕ ምትሕብባር ይግበረሎም ከምዘሎን ኣብዚ መዳይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገልግሎት እተቕርብ ምዃና እውን ኣፍሊጦም።

ቅድስቲ መንበር ብቐዳምነት በታ ኣብ ሊባኖስ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን መንፍሳውያን ማሕበራትን በቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣብ ሊባኖስን ኣቢላ ኣብ ደገፍ ተመዛበልቲ ትዋሳኣ ከምዘላ እውን ሓቢሮም፡ 130 ሺሕ ተመዛበልቲ ሶርያዊያን ናብ ሃገሮም ከምእተመልሱ ካልኦት እውን ንኽምለሱ ዘኽእሎም ዕድላት ክፍጠረሎም ጻውዒት አቕርብ ቢሎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 March 2019, 17:28