ድለ

ቨነዝወላ፡ ቅድስቲ መንበርም ናይ ሰላም ዘተ ንምሽምጋል ድላይ ናይ ክልቲኦቶም ወገን ክኸውን ኣለዎ ቨነዝወላ፡ ቅድስቲ መንበርም ናይ ሰላም ዘተ ንምሽምጋል ድላይ ናይ ክልቲኦቶም ወገን ክኸውን ኣለዎ 

ቨነዝወላ፡ ቅድስቲ መንበርም ናይ ሰላም ዘተ ንምሽምጋል ድላይ ናይ ክልቲኦቶም ወገን ክኸውን ኣለዎ

ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ንርእሰ ብሔር ማዱሮን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ቨነዝወላ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ቢሎም ዝሰመዩ ጉኣይዶን ደጋፊ ብምዃኑ ምግምማዕ የርእይ

ኣብ ቨነዝወላ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝኸፍኤን ዝበኣሰን ህልቂት ከየበለ እንከሎ መዕለቢ ንኽረክበሉ ዘተ ሕጹጽ ኣዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ካብ ብዙሓት ወገናት ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ጻውዕቲ ብቐዳምነት ዝሓበረት ቅድስቲ መንበር እውን ብወገና፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ተራኺቦም ክዝትዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ፡ ኣብዚ ናይ ቨነዝወላ ጉዳይ ገለልተይና ከምዝዀነትን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብስላማዊ መገዲ ንኽፍትሕ ሽምግልና ቅድስቲ መንበር ካብ ክልቲኣቶም ተጻባእቲ ወገን ዝቐርብ ሕቶ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቨነዝወላ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ቢሎም ገዛእ ርእሶም ዝሸሙ ብዙሕ ተቐባነት ዝረኽቡ ዘለዉ ጉኣይዶ፡ እቲ ቅልውላው ሃገሮም ንምፍታሕን ርእሰ ብሔር ማዱሮ ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ወትሃደራዊ ስርሒት ከየድለየ ኣይክተርፍን እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፡ እቲ ዘገድስ ኣብታ ሃገር ተኸሱቱ ዘሎ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምፍትሕ ኩሉ ብሓባር ሓይሉን ዓቕሙ እዋዲዱ ኣበርቲዑ ክዓይዪ ኣለዎ ይብሉ።

ውሳኔታት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዳይ ቨነዝወላ

ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ንርእሰ ብሔር ማዱሮን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ቨነዝወላ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ቢሎም ዝሰመዩ ጉኣይዶን ንማዶሮን ደጋፊ ብምዃኑ ምግምማዕ የርእይ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ሩሲያ ናይ ቨነዝወላ ጉዳይ መዕለቢ ዝህብ ቢላ ዝሓንጸጸቶ መርሓ ግብሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታ ደህንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከተቕርቦ ምዃና ክንገር እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቨነዝወላ ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ትብል። ብዙሓት ናይ ቅድስቲ መንበር ሽምግልና ኣገዳሲ እዩ ዝብሉ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቨነዝወላ፡ ቅድስቲ መንበርም ናይ ሰላም ዘተ ንምሽምጋል ድላይ ናይ ክልቲኦቶም ወገን ክኸውን ኣለዎ
11 February 2019, 17:11