ኣብ ኣቡ ዳቢ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማያት ኣብ ኣቡ ዳቢ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማያት 

ኣብ ኣቡ ዳቢ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማያት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ክንክን ሃብቲ ማያት ኣገዳስነት ዘለዎ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ

ኣብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ርእሰ ከተማ ኣቡ ዳቢ ካብ ዕለት 14 ጥሪ ክሳብ ዕለት 17 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ እናወሓደ ዝኸይድ ዘሎ ሃብቲ ማይ ብፍላይ ከኣ ኣብ መዲትራኒያን ከባቢ ሃገራት ኣማእኪሉ ዝዝትይ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዓውደ ጉባኤ ሃብቲ ማያት ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ዓለም ለኸ ዋዕላ’ዚ ኵለን 39 ኣባላት ማሕበረሰብ ሃብቲ መጻኢ ጸዓት ዝሳተፋ ክዀና እንከለዋ፡ ክልተ ሚሊያርድ ዝግመት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዓለም ኣገልግሎት ማይ ዘይረክብን ማይ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሉ ዘየርውይ ከምዝዀነን ብፍላይ ከኣ ኣብተን ውጥረትን ዕግርግርን ዝረኣየለ ሃገራት ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሊባኖስን ቻይናን ህንድን ሃብቲ ማይ ዓቢይ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ንዘንቅሎ ምስሕሓብ ምኽንያት ኰይኑ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንገዛእ ርእሱ እቲ ሓደ ንዋሕዲ ሃብቲ ማይ ኣብ ዓለም ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎን፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ 663 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ዘይብሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከባቢ ሳሔል 135 ሚሊዮን ብስእነት ማይ ሕይወቱ ንሓደጋ ይቃላዕ ከምዘሎን ሓደ ካብ ዓሰርተ ሓደ ብስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ምኽንያት ዝተበከለ ማይ ዝሰይት ከምዝዀነን፡ ብጠቕላላ ካብ ኣብ ዓለም ዝረአዩ ሕማማት 52 ሚእታዊ ብዋሕድን ስእነት ማይን ዝኽሰት ምዃኑ ናይ ሕብራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ክንክን ሃብቲ ማያት ኣገዳስነት ዘለዎ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ ቢሎም፡ እዚ ዓቢይ ክግመት ዘይከኣል ሃብቲ ዕለት ብዕለት ምክንኻን ከምዘድልን እዚ ሎሚ ዘይሕከሕ Haላፍነት ዝመልኦ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ እንክትንትኑ፥

ማይ ንሕይወት ቀንዲ መሰረት እዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝነብሩ ብዙሓትት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብስእነት ማይ ክቡር ሕይወት ምንባር ተሳኢንwoም ኣብ ከቢድ ስቓይ ይርከቡ ኣለዉ፡ ብጽምኢ ዝሃልቍን ጽሩይ ዝስተ ማይ ስእነት ንዝተፈላልየ ዓይነት ሕማም ዝቃልዑ ብዙሕ ሕዝቢ ዓለም ብሓቂ ናይ 21 ዘመን ዓቢይ ውርደት እዩ፡ እዚ ጸገም’ዚ ንኽፍታሕ ጽቡቕ ድላይን ቆራጽነት ይሃትት ናይ መንግስታትን  ህርኵት ጻዕርና ውድባትን መደብ ሕንጸትን ምዕባል እደ ጥበብን ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ ንዘኽእል መደብ ክረባረቡን ስእነት ማይ ንምውጋድ ብቑዕ ሃብቲ ገንዘብ ከዋፍሩ ዘሎ ኩነታት ስእነት ማይን ዘስዕቦ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገም ዝጠልቦ እዩ!

ከምዝበሉ ይዝከር።

ኣብ ኣቡ ዳቢ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማያት
14 January 2019, 17:43